አይድስ እቲ ለበዳ ይቕጽል
ካረን ኣብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኢያ ዓብያ።a ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃና መጠን ድማ ግዜ ንእስነታ ልዑል ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ብምዕቃብ ኣሕለፈቶ። ብ1984 ጓል 23 ዓመት ምስ ኰነት ንሓደ ቢል ዝበሃል ምስክር ካብ ዝኸውን ክልተ ዓመት ጥራይ ዝገበረ ሰብኣይ ተመርዓወት። ክልተ ቘልዑ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ብምውላድ ከኣ ተባረኹ።
ብ1991 ፍቕሮም ኣጸቢቑ ዓሚቝ ኢዩ ነይሩ: ዕግበትን ሓጐስን ዘለዎ ናብራ ድማ ነበሮም። እታ ዓመት እቲኣ ኣብ ምውድኣ ግን ቢል ኣብ መልሓሱ ምሕዋይ ዝኣበየ ጻዕዳ ነጥቢ ወጾ። ናብ ሓኪም ከኣ ከደ።
ብድሕሪኡ ብዙሕ ከይጸንሐ ካረንን እቶም ቈልዑን ኣብ ደገ ዝወደቐ ኣቝጽልቲ ብመግፈፊ ይእክቡ ነበሩ። ቢል ኣብ መደያይቦ ናይቲ በረንዳ ኰይኑ ኣብ ጥቕኡ ኮፍ ንኽትብል ንካረን ጸውዓ። ኣብ ሽምጣ ሕቝፍ ኣቢሉ ኸኣ ከም ዘፍቅራን ንዘለኣለም ምስኣ ክነብር ከም ዝደልን ኣዒንቱ ንብዓት እናቛጸረ ነገራ። ስለምንታይ ደኣ እሞ ዝነብዕ፧ እቲ ሓኪም ቢል በቲ ናብ አይድስ ዘምርሕ ኤች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ ተለኺፉ ከይከውን ጠርጢሩ ነበረ።
እታ ስድራቤት ተመርመረት። እቲ ናይ ቢልን ካረንን ናይ መርመራ ውጽኢት ከኣ ከም እተታሕዙ ኣረጋገጸ። ቢል ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃኑ ተለኺፉ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ንካረን ኣሕለፈላ። ናይቶም ቆልዑ ናይ መርመራ ውጽኢት ግን እቲ ሕማም ከም ዘይብሎም ኣረጋገጸ። ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ቢል ሞተ። ካረን ከኣ “እቲ ሓደ ግዜ መልክዐኛ ዝነበረ እሞ ንዘለአለም ምስኡ ክትነብር እትሓስቦ ዝነበርካ ሰብኣይ ዓጽሚ ጥራይ ክሳዕ ዝተርፍ ቀስ ብቐስ ክደክምን እናጐደለ ክኸይድን ክትርእዮ ከሎኻ ዝስምዓካ ስምዒት ክገልጾ ኣይክእልን ኢየ። ብዙሕ ለይቲ በኽየ። ዓስራይ ዝኽረ-ዓመት መርዓና ንኸነኽብር ሰለስተ ወርሒ ምስ ተረፈ ኢዩ ሞይቱ። ንፉዕ ኣቦን ንፉዕ በዓል ቤትን ኢዩ ነይሩ” በለት።
ሓደ ሓኪም ንካረን ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንሳ እውን ደድሕሪ ሰብኣያ ከም እትመውት እኳ እንተ ነገራ: ገና ብህይወት ኢያ ዘላ። እቲ ረኽሲ ኣብ መጀመርታ ደረጃ ናይ አይድስ በጺሑ ኣሎ።
ካረን ሓንቲ ካብቶም 30 ሚልዮን ዝዀኑ ኤች.ኣይ.ቪ. ወይ አይድስ እናሃለዎም ብህይወት ዝነብሩ ዘለዉ ሰባት ኢያ: እዚ ቝጽሪ ካብቲ ንኣውስትራልያን ኣየርላንድን ፓራጓይን ብሓንሳእ ሓዊስካ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ዝበልጽ ኢዩ። ገምጋም ከም ዝሕብሮ 21 ሚልዮን ካብዞም ግዳያት እዚኣቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኢዮም ዝነብሩ። ብመሰረት ካብ ሕቡራት ሃገራት እተረኽበ ኣሃዝ እዚ ክፍለ-ዘበን ክውዳእ ከሎ እቲ ቝጽሪ ናብ 40 ሚልዮን ክብ ክብል ይኽእል ኢዩ። ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ጸብጻብ ከም ዝበሎ ድማ እዚ ሕማም እዚ ምስቲ ኣብ ታሪኽ እተራእየ ዓበይቲ ለበዳታት ዝወዳደር ኢዩ። ካብቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ካብ 15 ክሳዕ 49 ዝዕድሚኦም በጽሕታት 1 ካብ 100 ድሮ ብኤች.ኣይ.ቪ. እተለኽፈ ኢዩ። ካብዚኣቶም 1 ካብ 10 ጥራይ ኢዩ ከም እተታሕዘ ዝፈልጥ። ኣብ ገለ ክፍልታት ኣፍሪቃ 25 ሚእታዊት ናይቶም በጽሕታት ተለኺፎም ኢዮም።
ካብቲ እዚ ለበዳ እዚ ዝጀመረሉ 1981 ጀሚሩ ብምኽንያት አይድስ ዝሞቱ ሰባት 11.7 ሚልዮን ምዃኖም ይግመት። ኣብ 1997 ጥራይ ገለ 2.3 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ከም ዝጸነቱ ኢዩ ዝግመት። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ኣንጻር አይድስ ዝግበር ቃልሲ ተስፋ ንምግባር ሓድሽ ምዕባለታት ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት: ኣብተን ሃብታማት ሃገራት ቍጽሪ ናይ አይድስ ዝሓዞም ሓደስቲ ሰባት ጐዲሉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ: ጽቡቕ ውጽኢት ክህልዎ ዝኽእል መድሃኒታት ነቶም ድሮ ብኤች.ኣይ.ቪ. እተለኽፉ ሰባት ተስፋ ናይ ዝሓሸ ጥዕናን ዕድመ ምንዋሕን ይህቦም ኣሎ።
ንገዛእ ርእስኻ ካብ አይድስ ክትከላኸለላ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ንሕክምናን ክታበትን ዝምልከት ሓድሽ ምዕባለታት እንታይ ኣሎ፧ እቲ ሕማም ፈጺሙ ይጠፍእዶ ይኸውን፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዘን ዝቕጽላ ዓንቀጻት መልሲ ክወሃቦ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣስማት ተለዊጡ ኢዩ።