ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwyp ዓንቀጽ 94
  • ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧
  • መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ርእስኻ ፈትን
  • ሃናጺ ነቐፌታ ስለምንታይ የድልየኒ፧
  • ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክቕበል እኽእል፧
  • ንነቐፌታ ብኸመይ እኽእሎ፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ብኸመይ ሓቦኛ ኸም ዚኸውን
    ንቕሑ!—2019
  • መአረምታ ብኸመይ ከም እትቕበል
    ንቕሑ!—2014
  • “ጥበብ ብደቃ ጸደቐት”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
ዝያዳ ርአ
መንእሰያት ዚሓትትዎ
ijwyp ዓንቀጽ 94
ብዙሓት ሰባት ሓንቲ ጓል ንዝሰኣለቶ ስእሊ ይነቕፉ።

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ንዚውሃበኒ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክርእዮ ኣሎኒ፧

  • ርእስኻ ፈትን

  • ሃናጺ ነቐፌታ ስለምንታይ የድልየኒ፧

  • ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክቕበል እኽእል፧

  • መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ርእስኻ ፈትን

ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ኵላትና ሃናጺ ነቐፌታ የድልየና እዩ፡ ማለት ኣብ ስራሕና ወይ ኣብ ባህርይና ምምሕያሽ ምእንቲ ኽንገብር ዚሕግዘና ምዕዶ የድልየና እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ሒዝካ፡ እስከ ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ርአ።

  1. ● መምህርካ እቲ ዝሰራሕካዮ ፕሮጀክት ናይ ታህዋኽ ከም ዝመስል ይነግረካ። “ብዙሕ ምርምር ክትገብር ኣሎካ” ድማ ይብለካ።

    ነቲ እተዋህበካ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ትርእዮ፧

    1. ሀ. እነጽጎ። (‘እቲ መምህር፡ ኣይፈትወንን እዩ።’)

    2. ለ. እቕበሎ። (‘ነቲ ዝሃበኒ ምዕዶ፡ ኣብ ዚቕጽል ፕሮጀክት ክዓይየሉ እየ።’)

  2. ● ክፍልኻ ኣጽሪኻ ምስ ወዳእካ፡ ኣዴኻ ኽፍልኻ ጋዕዝዩ ኸም ዘሎ ትነግረካ።

    ነቲ እተዋህበካ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ትርእዮ፧

    1. ሀ. እነጽጎ። (‘ፈጺማ ኣይትዓግብን እያ።’)

    2. ለ. እቕበሎ። (‘ብዝሓሸ ኸጽርዮ ምኸኣልኩ ነይረ።’)

  3. ● ምንኣስ ሓብትኻ፡ ክትጕይተተላ ኸም ዘይትደሊ ትነግረካ።

    ነቲ እተዋህበካ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ትርእዮ፧

    1. ሀ. እነጽጎ። (‘መንና እዩ ዚጕይተት፧’)

    2. ለ. እቕበሎ። (‘ምናልባት ብዝያዳ ኽልውሃላ ኣሎኒ።’)

ገሊኦም መንእሰያት ከም ብርጭቆ እዮም፣ ማለት ኣመና ተነቀፍቲ ኻብ ምዃኖም እተላዕለ ዝዀነ ሃናጺ ነቐፌታ ይጐድኦም እዩ። ንስኻኸ ኸምኡ ዲኻ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ ብዙሕ እዩ ዝሓልፈካ ዘሎ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ ሃናጺ ነቐፌታ ምቕባል፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ኣዝዩ ዚጠቕመካ ነገር እዩ።

ሓደ ወዲ ንዓርኩ መእሰሪ ሳእኑ ስለ ዘይትኣስረ ኸይወድቕ የጠንቅቖ።

ስለዚ፡ ክትሰምዕ ስለ ዘይደለኻ ጥራይ እቲ ኽትሰምዖ ዚግብኣካ ነገር ኣይትንጸግ

ሃናጺ ነቐፌታ ስለምንታይ የድልየኒ፧

  • ፍጹም ስለ ዘይኰንካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵላትናስ ብዙሕ ሳዕ ንስሕት ኢና” ይብል እዩ። (ያእቆብ 3:2) ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ ሃናጺ ነቐፌታ የድልዮ እዩ።

    “ኵላትና ዘይፍጹማት ምዃንናን ጌጋ ምግባር ንቡር ምዃኑን ክዝክር እፍትን እየ። ስለዚ መአረምታ ኺውሃበኒ ኸሎ፡ ካብ ጌጋይ ክምሃርን ነቲ ጌጋ ኻልኣይ ሳዕ ከይደግሞን እፍትን እየ።”—ዴቪድ።

  • ዝሓሸ ኽትገብር ስለ እትኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጥበበኛ ኣካፍሎ፡ ብዝያዳ ኺጠብብ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 9:9) ንዚውሃበካ ሃናጺ ነቐፌታ እንተ ተቐቢልካዮ፡ ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ።

    “ብዛዕባ ሃናጺ ነቐፌታ ግጉይ ኣረኣእያ እዩ ነይሩኒ። ነቐፌታ፡ ሕማቕ ዘምስለኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ሕጂ ግና ነቐፌታ እቕበል እየ፣ አረ ኺውሃበኒ እውን እሓትት እየ። ብኸመይ ከመሓይሽ ከም ዝኽእል ክፈልጥ እደሊ እየ።”—ሰሌና።

ሓቂ እዩ፡ ባዕልኻ ንዝሓተትካዮ ነቐፌታ ምቕባል ቀሊል እዩ፣ ከይሓተትካ ንዚውሃበካ ነቐፌታ ምቕባል ግና ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናታሊ፡ ሓደ እዋን ከይሓተተት ብደብዳበ ምኽሪ ተዋህባ፡ ብዛዕባ እቲ ሽዑ እተሰምዓ ኽትገልጽ ከላ፡ “ኣዝየ ሰንቢደን ተስፋ ቘሪጸን ነይረ። ብዙሕ እኳ እንተ ጸዓርኩ፡ ኣብ ክንዲ ምስጋና ምኽሪ እየ ተዋሂቡኒ” ትብል።

ንዓኻኸ ኸምዚ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ምስ ዜጋጥመካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክቕበል እኽእል፧

  • ስማዕ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍልጠት ዘለዎ፡ ቃላቱ ይገትእ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ከኣ ይሃድእ” ይብል። (ምሳሌ 17:27) ነቲ ዚዛረባካ ዘሎ ሰብ ኣይትዅለፎ። ብሃወኽ ኣይትመልስ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ዘረባ ኣይትዛረብ!

    “ነቐፌታ ኺውሃበኒ ኸሎ ንርእሰይ ኣብ ምክልኻል እየ ዘዘንብል። ኰይኑ ግና ካብቲ መአረምታ ኽምሃርን፡ ኣብ ዝመጽእ ዝሓሸ ኽገብርን እዩ ዘሎኒ።”—ሳራ።

  • ኣብቲ ሰብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኣተኵር።

    ንጕድለታት እቲ ዝነቐፈካ ሰብ ከተጕልሕ ትፍተን ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ” ክንከውን ዝሃበና ምኽሪ ምስዓብ ኣመና ዝሓሸ እዩ። (ያእቆብ 1:19) መብዛሕትኡ እዋን፡ ዚውሃበና ነቐፌታ ገለ ሓቅነት ይህልዎ እዩ። ስለዚ፡ ክትሰምዕ ስለ ዘይደለኻ ጥራይ እቲ ኽትሰምዖ ዚግብኣካ ነገር ኣየምልጥካ።

    “ወለደይ ኪእርሙኒ ኸለዉ፡ እሓርቕ እሞ፡ ‘እወ፡ እፈልጥ እየ’ እብሎም ነይረ። ጽን ኢለ ኺሰምዖምን ምኽሮም ኣብ ተግባር ኬውዕሎን ምስ ጀመርኩ ግና፡ ዝሓሸ ውጽኢት ረኺበ እየ።”—ኤድዋርድ።

  • ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ።

    ሃናጺ ነቐፌታ ስለ እተዋህበካ ጥራይ፡ ዘይትረብሕ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ ንስኻ እውን ከም ካልኦት ሰባት ድኽመታት ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ዚእርመካ ዘሎ ሰብ እውን ከይተረፈ፡ ሃናጺ ነቐፌታ የድልዮ እዩ። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ወትሩ ጽቡቕ ዚገብርን ከቶ ዘይሓጥእን ጻድቕሲ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል እዩ።—መክብብ 7:20።

    “ሓደ እዋን፡ ሓንቲ መሓዛይ ሃናጺ ነቐፌታ ሂባትኒ፡ ኣነ ግና ኣድላዪ ዀይኑ ኣይተራእየንን። ብግልጺ ስለ እተዛረበትኒ ኣመስጊነያ፡ ብውሽጠይ ግና ተበሳጭየ እየ ነይረ። ድሕሪ ግዜ ግና ነቐፌታኣ እተወሰነ ሓቅነት ከም ዝነበሮ ፈሊጠ። ሳላ ምኽራ ድማ ምናልባት ብርእሰይ ከሰተብህሎ ዘይክእል፡ ግናኸ ኽዓይየሉ ዚግብኣኒ ነገር ተገንዚበ እየ።—ሶፊያ።

  • ንምምሕያሽ ሸቶ ኣውጽእ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ጐራሕ መአረምታ ይቕበል’ ይብል እዩ። (ምሳሌ 15:5) ስለዚ፡ ሓንሳእ ነቲ መአረምታ ምስ ተቐበልካዮ፡ እቲ እተጐድአ ስምዒትካ ኺሓውን ነቲ እተኣረምካሉ ነገር ኣብ ምምሕያሽ ከተተኵርን ኢኻ። ኣብ ዚቕጽል ኣዋርሕ ክትዓይየሉ ብዛዕባ እትደልዮ ነገራት መደብ ኣውጽእ፡ ነቲ ዝገበርካዮ ምምሕያሽ ድማ መዝግቦ።

    “ነቐፌታ ምቕባል ምስ ቅንዕና እተተሓሓዘ እዩ። ከመይሲ፡ ጌጋታትካ ንምቕባል፡ ብዛዕባኡ ይቕረታ ንምሕታት፡ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ ንምምሃር ቅንዕና የድሊ እዩ።”—ኤማ።

ቀንዲ ነጥቢ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ ይስሕሎ” ይብል እዩ። (ምሳሌ 27:17) እምበኣር፡ ሃናጺ ነቐፌታ ሕጅን ምስ ዓበኻን ኪስሕለካ ዚኽእል ንዋት እዩ።

መዛኑኻ እንታይ ይብሉ፧

ሬናቶ።

“ሃናጺ ነቐፌታ ኻብ ዓበይቲ ሰባት ጥራይ ኣይኰነን ዚመጽእ። ካብ መዘናኻ ወይ ካብ ምንኣስካ እውን ኪመጽእ ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ግና ካብኡ ኽትመሃሮ እትኽእሎ ነገር የልቦን ማለት ኣይኰነን። እቲ ሰብ እቲ ስለ ዚርድኣካን ጽቡቕካ ስለ ዚደልን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ዝዀነ ይኹን ሃናጺ ነቐፌታ ተቐበል።”—ሬናቶ።

ሼ።

“ሎሚ ብዙሓት ሰባት ተኣፈፍቲ እዮም፣ ካልኦት ከቀባጥሩሎም እዮም ዚደልዩ። ስለዚ ድማ ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚግደሱን ዝዀነ ይኹን ነቐፌታ ዘይቅበሉን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብወገነይ፡ ሃናጺ ነቐፌታ ቐልጢፍካ ብእተቐበልካ መጠን ንዓኻን ኣብ ጥቓኻ ንዘለዉ ሰባትን ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ርእየ እየ።”—ሼ።

ክለሳ፦ ሃናጺ ነቐፌታ ብኸመይ ክቕበል እኽእል፧

ስማዕ። ነቲ ዚዛረበካ ዘሎ ሰብ ኣይትዅለፎ። ብሃወኽ ኣይትመልስ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰካ ዘረባ ኣይትዛረብ!

ኣብቲ ሰብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ መልእኽቲ ኣተኵር። ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንርእስኻ ንምክልኻል ደንጓዪ ኩን። ዚውሃበካ ርእይቶ፡ ከተመሓይሽ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ርእስኻ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ሃናጺ ነቐፌታ ስለ እተዋህበካ ጥራይ፡ ዘይትረብሕ ኢኻ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንስኻ እውን ከም ካልኦት ሰባት ድኽመታት ኣሎካ ማለት እዩ።

ንምምሕያሽ ሸቶ ኣውጽእ። ነቲ እተነቐፍካሉ ድኻም ንምምሕያሽ ኣበርቲዕካ ዕየ። ክትዓይየሉ ብዛዕባ እትደልዮ ነገራት መደብ ኣውጽእ፡ ነቲ ዝገበርካዮ ምምሕያሽ ድማ መዝግቦ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ