ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 166
  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ይብል፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧
  • ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
  • ገንዘብ
    ንቕሑ!—2014
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
    ንቕሑ!—2015
  • ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ብኸመይ ክትሕዝ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ገንዘብ ብኸመይ ከም እተካውን
    ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል እያ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 166
ሓደ ሰብኣይ ገንዘብ ኪሓፍስ ይመጣጠር።

ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ገንዘብ ክፉእ እዩ’ ወይ ‘ጠንቂ ዅሉ ሕማቕ ነገራት እዩ’ ኣይብልን እዩ። እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ “ገንዘብ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” ዚብል ልሙድ ኣበሃህላ፡ ዘይተማልአን ዜጋግን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ፡ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ” እዩ ዚብል።a—1 ጢሞቴዎስ 6:10፡ ትርጉም 1956።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ይብል፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧

  • ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

  • ብዛዕባ ገንዘብ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንገንዘብ ብጥበብ እንተ ተጠቒምናሉ፡ ጠቓምን ዕቝባን ከም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 7:12) መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንኻልኦት ዚልግሱ፡ እንተላይ ነቶም ገንዘባዊ ሓገዝ ዚህቡ ይንእዶም እዩ።—ምሳሌ 11:25።

ብኻልእ ሸነኽ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትኵሮና ኣብ ገንዘብ ጥራይ ከይከውን የጠንቅቐና እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ኸምዚ ይብል፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።” (እብራውያን 13:5) እምበኣር፡ ንገንዘብ ብግቡእ ንጠቐመሉ፣ ደድሕሪ ሃብቲ ኸኣ ኣይንስዓብ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ቐንዲ ዜድልየና ነገራት፡ ማለት ምግቢ፡ ክዳን፡ መጽለሊ እንተ ኣልዩና፡ በዚ ዕጉባት ንኹን።—1 ጢሞቴዎስ 6:8።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ ገንዘብ ዜጠንቅቐና ስለምንታይ እዩ፧

ስሱዓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይኪረኽቡን እዮም። (ኤፌሶን 5:5) ከመይሲ፡ ስስዐ፡ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ናይ ሓሶት ኣምልኾ እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ስሱዓት ሰባት ዚምነይዎ ዘበለ ንምርካብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንቕኑዕ ስርዓታት ይጥሕሱ እዮም። ኣብ ምሳሌ 28:20 “ኪህብትም ዚህወኽ ግና፡ ንጹህ ኰይኑ ኣይቅጽልን” ይብል። ኪህብትሙ ዚደልዩ ሰባት፡ ሕሉፍ ሓሊፎም ከም ጕሕለት፡ ዘረፋ፡ ምትላል፡ ጭውያ፡ ወይ ቅትለት ዝኣመሰለ ገበናት እውን ኪፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።

ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሕማቕ ባህርያት ከነጥሪ እኳ እንተ ዘይገበረና፡ ካልእ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ግና የስዕበልና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቶም ኪህብትሙ ዝቘረጹ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ . . . ብዙሕ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እውን እዮም ዚወድቁ” ይብል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9።

ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገንዘብ ዚህቦ ምኽሪ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ምእንቲ ገንዘብ ኢልና ስነ ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ዕሽሽ እንተ ዘይኢልና፡ ንርእስና ግቡእ ኣኽብሮት ይህልወና፣ ስምረትን ደገፍን ኣምላኽ እውን ንረክብ። ኣምላኽ ነቶም ባህ ኬብልዎ ኻብ ልቦም ዚጽዕሩ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ ቓል ኣትዩሎም ኣሎ። (እብራውያን 13:5, 6) ብተወሳኺ ድማ፡ “እሙን ሰብ ብዙሕ በረኸት ይረክብ” ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ምሳሌ 28:20።

ብዛዕባ ገንዘብ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

መክብብ 7:12፦ ‘ገንዘብ፡ ዕቝባ እዩ።’

ትርጉሙ፦ ገንዘብ ብጥበብ እንተ ተጠቒምናሉ፡ እተወሰነ ውሕስነት ስለ ዚህበና ጠቓሚ እዩ።

ሉቃስ 12:15፦ “ሰብ ብዙሕ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብገንዘቡ ህይወት ኣይረክብን እዩ።”

ትርጉሙ፦ ገንዘብ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት እንህቦ ነገር ኣይኰነን፣ ከመይሲ፡ ድሕነት ኣየምጽኣልናን እዩ።

1 ጢሞቴዎስ 6:10፦ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ክፍኣት እዩ፣ ገሊኦም ነዚ ፍቕሪ እዚ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምቢሎም፡ ንርእሶም እውን ብብዙሕ ስቓይ ወጋጊኦም እዮም።”

ትርጉሙ፦ ገንዘብ ብርእሱ ጐዳኢ ኣይኰነን። እቶም ፍቕሪ ገንዘብ ዘለዎም ግና፡ ማለት እቶም ንገንዘብ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህቡ ሰባት፡ ኣብ ርእሶም ስቓይ የምጽኡ እዮም። ንኣብነት፡ ሓዳሮም ይብተን፣ ካብ እምብዛ ስራሕ እተላዕለ ኸኣ ጥዕናኦም ይጕዳእ እዩ።

እብራውያን 13:5፦ “ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ።”

ትርጉሙ፦ ኣብ ክንዲ ደድሕሪ ሃብቲ እንጐዪ፡ እቲ ቐንዲ ዜድልየና ነገራት እንተ ተማሊኡልና፡ በዚ ዕጉባት ክንከውን ኣሎና።

ማቴዎስ 19:24፦ “ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል።”

ትርጉሙ፦ የሱስ ንሓደ ሃብታም ጐበዝ፡ ሰዓቢኡ ኪኸውን ዓደሞ። እቲ ሰብኣይ ግና፡ ጥሪት ይፈቱ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ዕድመ ኣይተቐበሎን። ስለዚ፡ የሱስ ኣብዛ ጥቕሲ፡ መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ ነይሩ። ሓደ ሰብ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንሃብቱ ቐዳምነት ዚህብ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣይረክብን እዩ።

a እዛ ጥቕሲ፡ “ፍቕሪ ገንዘብ፡ ሱር ኵሉ ዓይነት ኽፍኣት እዩ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ