ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 137
  • ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ቅዱስ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧
  • ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ቕድስና ኼጥፍእ ይኽእልዶ፧
  • ቅዱስ ብዛዕባ ምዃን ዘሎ ግጉይ ርድኢት
  • “ቅዱሳት ኩኑ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ብዛዕባ ቕዱስ ነገራት ኣረኣእያ የሆዋ ድዩ ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • “ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ የሆዋ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 137
ሙሴን እትነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥን

ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ እንታይ ማለት እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ቅዱስ ምዃን ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ርኽሰት እተፈለኻ ምዃን የመልክት። እታ “ቕዱስ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ፍሉይ” ዚብል ትርጉም ኣለዋ። ስለዚ፡ ቅዱስ ዘበለ ኻብ ተራ ነገር እተፈልየ እዩ፣ ምናዳ ኸኣ ብጽሬቱን ብንጽህናኡን እተፈልየ እዩ።

ኣምላኽ ብዝለዓለ ደረጃ ቅዱስ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም የሆዋ ዝበለ ቕዱስ የልቦን” ይብል።a (1 ሳሙኤል 2:2) ስለዚ፡ ኣምላኽ መለክዒታት ቅድስና ሰሪዑ ኣሎ፡ ከምኡ ኺገብር እውን ይግብኦ እዩ።

እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል፡ ምስ ኣምላኽ ብቐጥታ ርክብ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ፡ ብሕልፊ ንኣምልኾ ጥራይ ምስ እተፈልየ ዘበለ ዅሉ ኽትውዕል ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ይዛረብ እዩ፦

  • ቅዱስ ቦታታት፦ ኣምላኽ ንሙሴ ኻብ እትነድድ ኣሻዅ ቈጥቋጥ፡ “እዛ ደው ኢልካላ ዘለኻ ቦታ ቕድስቲ ምድሪ እያ” ኢሉ ነጊርዎ እዩ።—ዘጸኣት 3:2-5።

  • ቅዱስ በዓላት፦ ጥንታውያን እስራኤላውያን “ቅዱሳት ኣኼባታት” ኣብ ዚብልዎ ቕዱስ በዓላት ንየሆዋ የምልኹ ነይሮም እዮም።—ዘሌዋውያን 23:37።

  • ቅዱስ ኣቕሑ፦ ኣብታ ጥንቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ፡ ንኣምልኾ የሆዋ ዜገልግል ዝነበረ ኣቕሑ፡ “ቅዱስ ኣቕሑ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ እዩ። (1 ነገስት 8:4) እቲ ቕዱስ ኣቕሑ ድማ፡ ብልዑል ኣኽብሮት ኪትሓዝ ነይርዎ፣ ግናኸ፡ ኣይምለኽን እዩ ነይሩ።b

ሓደ ዘይፍጹም ሰብ ቅዱስ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧

እወ። ኣምላኽ ንክርስትያናት፡ “ኣነ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ” ኢሉ ኣዚዝዎም ኣሎ። (1 ጴጥሮስ 1:16) ልክዕ እዩ፡ ዘይፍጹማት ሰባት ነቲ ፍጹም ቅድስና ኣምላኽ ኪበጽሕዎ ኣይክእሉን እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ቕኑዕ ሕግታት ዚሕልዉ ሰባት፡ “ቅዱስን ንኣምላኽ ቅቡልን” ጌርካ ኺርኣዩ ይኽእሉ እዮም። (ሮሜ 12:1) ቅዱስ ኪኸውን ዚጽዕር ሰብ፡ ብቓላቱን ብተግባራቱን ነዚ የንጸባርቕ እዩ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ‘ካብ ምንዝርና ርሓቑ፡’ ከምኡ ድማ “ብዅሉ ኣካይዳኹም ቅዱሳት ኩኑ” ዚብል ምኽሪ ይስዕቦ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 4:3፣ 1 ጴጥሮስ 1:15።

ሓደ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ቕድስና ኼጥፍእ ይኽእልዶ፧

እወ። ሓደ ሰብ ንመለክዒታት ኣምላኽ እንተ ጠንጢንዎ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ከም ቅዱስ ገይሩ ኣይርእዮን እዩ። ንኣብነት፡ እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እብራውያን ናብ “ቅዱሳት ኣሕዋት” እያ ተላኢኻ፣ ግናኸ፡ “ካባኻትኩም ሓደ እኳ ኻብቲ ህያው ኣምላኽ ብምርሓቕ፡ ዘይኣምን እኩይ ልቢ ኸይህልዎ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።—እብራውያን 3:1, 12።

ቅዱስ ብዛዕባ ምዃን ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ ርእስኻ ብምሕሳም ናብ ቅድስና ኺብጻሕ ይከኣል።

ሓቂ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “ምሕሳም ሰብነት፡” “ኣይጠቅምን እዩ” ብምባል ኣረኣእያ ኣምላኽ ይገልጽ እዩ። (ቈሎሴ 2:23) ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ክንረክብ ይደልየና እዩ። “ኵሉ ሰብ እውን ይብላዕን ይስተን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ድማ ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።”—መክብብ 3:13።

ግጉይ ርድኢት፦ ሓደ ሰብ መውስቦ ምስ ዚሕረም ወይ ምስ ዚምንን ቅዱስ ይኸውን።

ሓቂ፦ ክርስትያናት ከይተመርዓዉ ናይ ምንባር ምርጫ ኺገብሩ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ መውስቦ ብምሕራሞም ጥራይ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱሳት ኣይኰኑን እዮም። እቶም ከይተመርዓዉ ዚነብሩ ክርስትያናት ንኣምልኾኦም ዘይተኸፋፈለ ቘላሕታ ኺህቡ ኸም ዚኽእሉ ዚከሓድ ኣይኰነን። (1 ቈረንቶስ 7:32-34) ይኹን እምበር፡ ምርዑዋት እውን ቅዱሳት ምዃኖም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። እንተ ወሓደ ሓደ ኻብ ሃዋርያት የሱስ፡ ንሱ ድማ ጴጥሮስ፡ ምርዑው እዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 8:14፣ 1 ቈረንቶስ 9:5።

“መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል መጸውዒ ኻበይ መጺኡ፧

እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ጽሑፋት ንነዊሕ ዘመናት “መጽሓፍ ቅዱስ” ወይ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ተባሂሉ እተጸውዓሉ ምኽንያት እዚ ዚስዕብ እዩ፦

  • መበቈሉ። “ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ።”—2 ጴጥሮስ 1:21።

  • መልእኽቱ። “ትእዛዝ የሆዋ ጽሩይ እዩ፡ ንኣዒንቲ የብርሀን። ፍርሃት የሆዋ ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር።”—መዝሙር 19:8, 9።

ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቅዱስ ኪብሃል ይከኣል እዩ። ትሕዝቶኡ ንጹህን ንኣምልኾ ዜገልግልን ስለ ዝዀነ፡ ካብ ካልእ ጽሑፋት እተፈልየ እዩ።

a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። ብኣማእታት ዚቝጸር ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስም እዚ ምስ “ቅዱስ”ን “ቅድስና”ን ዚብል ቃላት ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።

እታ “ቕዱስ” እትብል ቃል፡ ምስ ኣምላኽ ብቐጥታ ርክብ ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ፡ ብሕልፊ ንኣምልኾ ጥራይ ምስ እተፈልየ ዘበለ ዅሉ ኽትውዕል ትኽእል እያ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ይዛረብ እዩ፦

b መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ንሃይማኖታዊ ቕርስታት ዚውሃብ ኣምልኾ ይዅንኖ እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:14።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ