ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 136
  • ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ጽውጽዋይ 5፦ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እኔኹ: ኣነ ባርያ የሆዋ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 136
ማርያምን የሱስ ብሕጻንነቱን

ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ድያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣይፋልን፣ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ኣይምህርን እዩ፣ ክርስትያናት ኬምልኽዋ እውን ኣይእዝዝን እዩ።a ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦

  • ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ተዛሪባ ኣይትፈልጥን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ን“ወዲ ኣምላኽ” ከም ዝወለደት እዩ ዚሕብር።—ማርቆስ 1:1፣ ሉቃስ 1:32።

  • የሱስ ክርስቶስ፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ከም ዝዀነት ወይ ፍሉይ ተወፋይነት ኪውሃባ ኸም ዚግባእ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ማርያም ኣዲኡ ብምዃና ሕጕስቲ ኸም ዝዀነት ምስ ተዛረበት፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ደኣ እዮም!” ኢሉ ኣሪምዋ እዩ።—ሉቃስ 11:27, 28።

  • እቲ “ወላዲት ኣምላኽ” ወይ “ቲኦቶኮስ” ዚብል ስያመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ።

  • እቲ “ንግስቲ ሰማይ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መጸውዒ፡ ከሓድቲ እስራኤላውያን ንዜምልኽዋ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንማርያም ዜመልክት ኣይኰነን። (ኤርምያስ 44:15-19) እታ “ንግስቲ ሰማይ” እተባህለት ከኣ፡ ነታ ኢሽታር (ኣስታርተ) እትብሃል ኣምላኽ ባቢሎናውያን እተመልክት ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ።

  • ቀዳሞት ክርስትያናት ንማርያም ኣየምለኽዋን፣ ፍሉይ ክብሪ እውን ኣይሃብዋን። ሓንቲ ጸሓፊት ታሪኽ፡ ቀዳሞት ክርስትያናት “ንማርያም ኣምልኾ ኺውሃባ ኣይምተቐበልዎን፡ ዘይግቡእ ቈላሕታ እንተ ዚግበረላ እውን ኣምልኾ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ጌርካ ኸይርአ ኢሎም ምፈርሁ” ኢላ ገሊጻ ኣላ።—ኢን ኰስት ኦቭ ዘ ጂዊሽ ሜሪ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ መጀመርታ ኸም ዘይብሉ እዩ ዚገልጽ። (መዝሙር 90:1, 2፣ ኢሳይያስ 40:28) መጀመርታ ስለ ዘይብሉ ኸኣ፡ ኣደ ኺህልዎ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ማርያም ንኣምላኽ ኣብ ማሕጸና ኽትሕዞ ኣይምኸኣለትን፣ ከመይሲ፡ ሰማያት እውን ኪሕዝዎ ኸም ዘይክእሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ።—1 ነገስት 8:27።

ማርያም ኣደ የሱስ ደኣ እምበር፡ “ወላዲት ኣምላኽ” ኣይኰነትን

ማርያም ካብ መስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት እተወልደት ኣይሁዳዊት እያ። (ሉቃስ 3:23-31) ብእምነታን ብተወፋይነታን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዙሕ ሞገስ ረኺባ ነይራ። (ሉቃስ 1:28) ኣምላኽ ከኣ ኣደ የሱስ ክትከውን ሓርይዋ። (ሉቃስ 1:31, 35) ማርያምን ብዓል ቤታ ዮሴፍን፡ ካልኦት ውሉዳት ነይሮምዎም እዮም።—ማርቆስ 6:3።

ማርያም ሰዓቢት የሱስ ከም ዝዀነት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዛዕባኣ ብዙሕ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይህብን እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:14።

ገሊኦም ሰባት፡ ‘ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እያ’ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧

መርትዖ ኸም ዚሕብሮ፡ ካብ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዙ እዩ ንማርያም ፍሉይ ተወፋይነት ኪውሃባ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቤተ ክርስትያን ካቶሊክ፡ መንግስታዊ ሃይማኖት ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዀነት። ስለዚ ድማ፡ ብዙሓት ኣረማውያን ዝነበሩ ሰባት፡ ስመ ክርስትያን ኰኑ። ቤተ ክርስትያን እውን ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ ስላሴ ተቐበለቶ።

ሰረተ እምነት ስላሴ ምስ ተኣታተወ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ‘የሱስ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ክትከውን ኣለዋ’ ናብ ዚብል መደምደምታ በጽሑ። ብ431 ድ.ክ.፡ ኣብ ኤፌሶን እተገብረ ዋዕላ ቤተ ክርስትያን ንማርያም ብወግዒ፡ “ወላዲት ኣምላኽ” ኢሉ ሰየማ። ድሕሪ እቲ ዋዕላ ኤፌሶን፡ ንማርያም እምብዛ ኣኽብሮት ናይ ምሃብ ልምዲ እናኣስፋሕፍሐ ኸደ። ኣረማውያን ንቤተ ክርስትያን ኪጽምበርዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ምስልታት ድንግል ማርያም ንምስልታት እተን ከም እኒ ኣርጤምስን (ዲያና፡ ብሮማውያን) ኢሲስን ዝኣመሰላ ኣምላኽ ፍርያምነት ተክኦ።

ብ432 ድ.ክ.፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲክስተስ ሳልሳይ፡ ንኽብሪ “ወላዲት ኣምላኽ” ኣብ ሮማ ቤተ ክርስትያን ክትህነጽ ትእዛዝ ሃበ። እታ ቤተ ክርስትያን ከኣ ኣብ ጥቓ እታ ንኽብሪ ሉሲያና እትብሃል ሮማውያን ዜምልኽዋ ኣምላኽ ሕርሲ ተሃኒጹላ ዝነበረ ቤተ መቕደስ እያ ተሃኒጻ። ሓንቲ ደራሲት ነታ ቤተ ክርስትያን እቲኣ፡ “ነታ ዓባይ ኣደ ዚውሃብ ኣምልኾ ኣረማውያን ምስቲ ምስ ምቕባል ክርስትና ሮማ ዝመጸ ኣምልኾ ማርያም ከም እተወሃሃደ እተርኢ ነባሪ ምልክት” ኢላ ገሊጻታ ኣላ።—ሜሪ—ዘ ኮምፕሊት ሪሶርስ።

a ገሊአን ሃይማኖታት፡ ማርያም ወላዲት ኣምላኽ ምዃና ይምህራ እየን። “ንግስቲ ሰማይ” ኢሎም ይጽውዕዋ፡ ወይ ብግሪኽኛ ቲኦቶክስ ማለት “ወላዲት ኣምላኽ” ይብልዋ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ