ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 97
  • ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ምጽኣት ክርስቶስ ክንፈርሆ ድዩ ዘሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 97
ሰይፊ ዝሓዘ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ የሱስ

ምጽኣት ክርስቶስ እንታይ እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

የሱስ ንተቐማጦ ምድሪ ኺፈርድ ከም ዚመጽእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ግዜ ተጠቒሱ ኣሎ።a ንኣብነት፡ ኣብ ማቴዎስ 25:31-33 ከምዚ ይብል፦

“ወዲ ሰብ [የሱስ ክርስቶስ] ምስ ኵሎም መላእኽቱ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ሽዑ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ኪቕመጥ እዩ። ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኺእከቡ እዮም፣ ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዚፈላልየን፡ ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላልዮም እዩ። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ ኺገብረን እዩ።”

እዚ ፍርዲ እዚ ኽፍሊ እቲ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ መወዳድርቲ ዘይብሉ “ብርቱዕ ጸበባ” እዩ ኪኸውን። እቲ ጸበባ እቲ ድማ ብውግእ ኣርማጌዶን ኪዛዘም እዩ። (ማቴዎስ 24:21፣ ራእይ 16:16) ኣብታ ክርስቶስ ዝመሰላ ምሳሌ ብኣጣል ተመሲሎም ዘለዉ ጸላእቱ፡ “ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰሎንቄ 1:9፣ ራእይ 19:11, 15) እቶም ኣባጊዕ ተባሂሎም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ግና፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኪረኽቡ እዮም።—ማቴዎስ 25:46።

ክርስቶስ መዓስ እዩ ኺመጽእ፧

የሱስ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን . . . ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:36, 42፣ 25:13) እንተዀነ ግና፡ ነቲ ዚመጸሉ እዋን ከነለልየሉ እንኽእል ብዙሕ መዳያት ዝሓቘፈ “ምልክት” ሂቡ ኣሎ።—ማቴዎስ 24:3, 7-14፣ ሉቃስ 21:10, 11።

ክርስቶስ ብስጋዊ ድዩ ወይስ ብመንፈሳዊ ኣካል ዚመጽእ፧

የሱስ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እዩ ተንሲኡ፣ ስለዚ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ደኣ እምበር፡ ስጋዊ ኣካል ሒዙ ኣይኰነን ዚመጽእ። (1 ቈረንቶስ 15:45፣ 1 ጴጥሮስ 3:18) ስለዚ ኸኣ እዩ ቐቅድሚ ሙማቱ ኣብ ዝነበረት መዓልቲ ነቶም ሃዋርያቱ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ” ዝበሎም።—ዮሃንስ 14:19።

ብዛዕባ ምጽኣት ክርስቶስ ዘሎ ልሙድ ዝዀነ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ የሱስ “ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ” ከሎ፡ ሰባት ከም ዚርእይዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምግላጹ፡ የሱስ ብዚርአ መገዲ ይመጽእ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 24:30።

ሓቂ፦ መብዛሕትኡ እዋን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንደበና ምስ ሓደ ኻብ ትርኢት እተኸወለ ነገር እዩ ዜመሳስሎ። (ዘሌዋውያን 16:2፣ ዘሁልቍ 11:25፣ ዘዳግም 33:26) ንኣብነት፡ ኣምላኽ ንሙሴ “ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጸካ እየ” ኢልዎ እዩ። (ዘጸኣት 19:9) ሙሴ ንኣምላኽ ብዓይኑ ኣይረኣዮን። ብተመሳሳሊ፡ ክርስቶስ ‘ብደበናታት ኪመጽእ’ ከሎ፡ ሰባት ምምጻኡ ኼስተውዕሉ እዮም፡ ብዓይኖም ግና ኣይኪርእይዎን እዮም።

ግጉይ ርድኢት፦ እቲ ኣብ ራእይ 1:7 ዘሎ ብዛዕባ ምምጻእ ክርስቶስ ‘ኵለን ኣዒንቲ ኺርእያኦ እየን’ ዚብል መግለጺ ቓል ብቓሉ እዩ ኺውሰድ ዘለዎ።

ሓቂ፦ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓይኒ” ኸምኡ እውን “ምርኣይ” ተባሂለን ዚትርጐማ ናይ ግሪኽኛ ቓላት፡ ሓድሓደ እዋን ቃል ብቓሉ ንምርኣይ ዘይኰነስ፡ ንምስትውዓል እውን የመልክታ እየን።b (ማቴዎስ 13:15፣ ሉቃስ 19:42፣ ሮሜ 15:21፣ ኤፌሶን 1:18) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ዝተንስአ የሱስ፡ “ሓደ ሰብ እኳ . . . ኪርእዮ ዘይክእል ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር እዩ” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 6:16) ስለዚ፡ ‘ኵለን ኣዒንቲ ኺርእያኦ እየን’ ኪብል ከሎ፡ ፍርዲ ኣምላኽ ዜውርድ የሱስ ምዃኑ ዅሉ ሰብ ኬስተውዕል እዩ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 24:30።

ግጉይ ርድኢት፦ እተን ኣብ 2 ዮሃንስ 7 ዘለዋ ቓላት፡ የሱስ ብስጋ ኸም ዚመጽእ የመልክታ።

ሓቂ፦ እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ኣብ ዓለም ተንሲኦም ኣለዉ” ትብል።

ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝነበረሉ ግዜ፡ የሱስ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚኽሕዱ ሰባት ነይሮም እዮም። ግኖስቲክስ ተባሂሎም ይጽውዑ ነበሩ። ካልኣይ ዮሃንስ 7 ድማ ንዓታቶም ንምምጓት እያ ተጻሒፋ።

a ዋላ እኳ ብዙሓት ሰባት ምምጻእ ክርስቶስ ንምምልካት፡ “ካልኣይ ምምጻእ’’ ወይ “ዳግማይ ምጽኣት’’ ዚብል መግለጺታት ዚጥቀሙ እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ መግለጺታት እዚ ግና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ኣይርከብን ኢዩ።

b ዘ ኒው ታየርስ ግሪክ-ኢንግሊሽ ለክሲኮን ኦፍ ዘ ኒው ተስታመንት (1981) ገጽ 451ን 470ን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ