ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/10 ገጽ 23-28
  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዉ ተዋሳእቲ
  • እቶም ኣባጊዕን ኣጣልን መን ኢዮም፧
  • ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ እንታይ መጻኢ ኣለዎ፧
  • እዚ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧
  • ክርስቶስ ምስ መጸ፡ ንኣባጊዕን ንኣጣልን ይፈርድ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ናይ ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ዓቢ ጭፍራ—ካበይ ዝመጹ ኢዮም?
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኣሕዋት ክርስቶስ ብተኣማንነት ደግፎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ኣብ ቅድሚ እቲ መንበር ፍርዲ ብኸመይ ክትቀውም ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/10 ገጽ 23-28

እተን ኣባጊዕን ኣጣልን እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለወን፧

“ንሱ ኸኣ: ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን: ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።”​—⁠ማቴዎስ 25:⁠32

1, 2. ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ከገድሰና ዘለዎስ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ብርግጽ ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ መምህር ኢዩ ነይሩ። (ዮሃንስ 7:46) ሓደ ካብቲ ናይ ኣመሃህራ ኣገባቡ ድማ ምሳልያዊ ዛንታታት ወይ ምሳሌታት ምጥቃም ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 13:​34, 35) እዚኣቶም ቅልል ዝበሉ ኰይኖም ዓሚቝ መንፈሳውን ትንቢታውን ሓቅታት ኣብ ምምሕልላፍ ግን ሓያላት ኢዮም ነይሮም።

2 ኣብቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ንርእሱ ብፍሉይ ክእለት ዝዓየሉ ግዜ ሓቢሩ ኢዩ:- “ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ: . . .” (ማቴዎስ 25:31) የሱስ ነቲ “ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ ኢዩ፧” ዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ዝደምደመሉ ምሳሌ ስለ ዝዀነ: እዚ ንኣና ከገድሰና ኣለዎ። (ማቴዎስ 24:⁠3) ይኹን እምበር: እዚ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧

3. መጀመርታ ኣብቲ ዘረባኡ: የሱስ ድሕሪ እቲ ዓቢ ጸበባ ብኡንብኡ እንታይ ክርአ ከም ዝዀነ ኢዩ እተዛረበ፧

3 የሱስ ድሕሪ ምብራዕ ናይ ዓቢ ጸበባ “ብኡንብኡ” ዘገርም ምዕባለታት​—⁠እንጽበዮ ምዕባለታት​—⁠ክህሉ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። ሽዑ “ትእምርቲ ወዲ ሰብ” ክርአ ኢዩ በለ። እዚ ብዓቢኡ ነቶም ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ዝርእይዎ’ “ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ” ዝትንክፍ ኢዩ። ወዲ ሰብ ብ“መላእኽቱ” ተሰንዩ ክመጽእ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​21, 29-31)a ብዛዕባ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታኸ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ዘመናውያን መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ምዕራፍ 25 ኢዮም ኣስፊሮምዎ ዘለዉ: እንተዀነ ግን: ብዛዕባ ብኽብሪ ምምጽኡን “ንዅሎም ኣህዛብ” ኣብ ምፍራድ ምትኳሩን ተወሳኺ ዝርዝር ብምሃብ ክፍሊ ናይቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:32

ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ዘለዉ ተዋሳእቲ

4. እቲ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ብዛዕባ የሱስ እንታይ መኽፈቲ ሓሳብ ኢዩ ዝህብ: መን ካልእከ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

4 የሱስ ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ:- “ወዲ ሰብ . . . ምስ መጸ” ብምባል ይጅምሮ። “ወዲ ሰብ” መን ምዃኑ ትፈልጦ ኢኻ። ጸሓፍቲ ወንጌል መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ መግለጺ እቲ: ኣብ የሱስ ኢዮም ዘውዕልዎ። የሱስ ባዕሉውን ብዛዕባ እቲ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ክቕበል ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ዝቐርብ “ወዲ ሰብ ዚመስል” ናይ ዳንኤል ራእይ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ብዘይጥርጥር ከምኡ ኢሉ ኢዩ። (ዳንኤል 7:​13, 14፣ ማቴዎስ 26:​63, 64፣ ማርቆስ 14:​61, 62) ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ የሱስ እቲ ቐንዲ እኳ እንተዀነ: በይኑ ጥራይ ግን ኣይኰነን። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብዚ ዝርርብ እዚ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 24:​30, 31 ተጠቒሱ ዘሎ: ‘ወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ኪመጽእ ከሎ:’ መላእኽቱ ኣገዳሲ ተራ ክህልዎም ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ድማ የሱስ ክፈርድ ኢሉ ‘ኣብ ዝፋን ክብሩ ክቕመጥ’ ከሎ መላእኽቲ ምስኡ ከም ዝህልዉ ኢዩ ዘርኢ። (ምስ ማቴዎስ 16:27 ኣነጻጽሮ።) ይኹን እምበር: እቲ ፈራድን መላእኽቱን ኣብ ሰማይ ኢዮም: ስለዚ ሰባትከ ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ተዘሪብሎም ድዩ፧

5. ን‘ኣሕዋት’ የሱስ ከመይ ገይርና ኢና ከነለልዮም እንኽእል፧

5 ነቲ ምሳልያዊ ዛንታ ርእይ ምስ እነብሎ ክንፈልጦም ዘድልየና ሰለስተ ጕጅለታት ኢዩ ዝገልጽ። እቲ ወዲ ሰብ: ኣብ ርእሲ እተን ኣባጊዕን ኣጣልን: ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን መንነት ንምልላይ ሓጋዚ ዝገብሮ ነቲ ሳልሳይ ጕጅለ ይውስኽ። የሱስ ነዚ ሳልሳይ ጕጅለ እዚ ከም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ ገይሩ ይጽውዖ። (ማቴዎስ 25:​40, 45) የሱስ “ፍቓድ . . . ኣቦይ ዝገብር . . . ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ” ስለ ዝበለ: ሓቀኛታት ኣምለኽቲ ክዀኑ ኣለዎም። (ማቴዎስ 12:50፣ ዮሃንሰ 20:17) ምስዚ ኣዝዩ ዝሰማማዕ ከኣ: ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ክፍሊ “ዘርኢ ኣብርሃም” ከምኡውን ውሉድ ኣምላኽ ዝዀኑ ክርስትያናት ጽሒፉ ኢዩ። የሱስ ነዚኣቶም “ኣሕዋተይ” ከምኡውን “ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም” ኢሉ ጸውዖም።​—⁠እብራውያን 2:​9–3:​1፣ ገላትያ 3:​26, 29

6. እቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋት የሱስ መን ኢዮም፧

6 የሱስ ነቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋቱ ዝጠቐሰ ስለምንታይ ኢዩ፧ እተን ቃላት እቲኣተን ነቲ ሃዋርያቱ ቅድም ክዛረብ ከሎ ዝሰምዕዎ ኢየን ዘቃልሓ። ነቲ ቅድሚ የሱስ ብሙማቱ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎ ዮሃንስ መጥምቕ: ምስቶም ሰማያዊ ህይወት ዝረኽቡ ከነጻጽሮ ከሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ኻብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።” (ማቴዎስ 11:11) ገለ ካብቶም ናብ ሰማይ ዝኸዱ: ከም ሃዋርያት ዝኣመሰሉ ሰባት: ኣብታ ጉባኤ ኣውራታት ኢዮም ነይሮም: ካልኦት ከኣ ትሑታት: ይኹን እምበር: ኵላቶም መንፈሳውያን ኣሕዋት የሱስ ኢዮም። (ሉቃስ 16:10፣ 1 ቈረንቶስ 15:9፣ ኤፌሶን 3:8፣ እብራውያን 8:11) ስለዚ: ገለ ሰባት ኣብ ምድሪ ኣገዳስነት ዘይብሎም እኳ እንተ መሰሉ: ኣሕዋቱ ኢዮም ነይሮም: ስለዚ ድማ: ብሓደ ዓይኒ ክረኣዩ ኢዩ ነይርዎም።

እቶም ኣባጊዕን ኣጣልን መን ኢዮም፧

7, 8. የሱስ ብዛዕባ እተን ኣባጊዕ እንታይ ኢዩ ዝበለ: ስለዚ ብዛዕባኦም እንታይ ኢልና ኢና ክንድምድም እንኽእል፧

7 ብዛዕባ ናይተን ኣባጊዕ ፍርዲ ከምዚ ነንብብ:- “[የሱስ] ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም: ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ካብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ: ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ: ኣስቴኹምኒ። ገይሸ: ተቐበልኩምኒ። ዐሪቐ: ከደንኩምኒ። ሓሚመ: በጻሕኩምኒ። ተአሲረ: መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ: ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕና⁠ካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ዄንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፤ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​34-40

8 ብዘይጥርጥር: እቶም ኣብ ናይ ክብርን ስምረትን የማናይ ወገን የሱስ ክቕመጡ ብቑዓት ኰይኖም እተፈርዱ ኣባጊዕ ንጕጅለ ሰባት ዘመልክቱ ኢዮም። (ኤፌሶን 1:20፣ እብራውያን 1:⁠3) እንታይ ኢዮም ዝገበሩ: መዓስከ፧ የሱስ: መግቢ: ማይ: ክዳን: ብሕያውነትን ክብርን ልግስን ከም ዝሃብዎ: ሓሚሙ ወይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ኸኣ ከም ዝሓገዝዎ ይዛረብ። እቶም ኣባጊዕ ከምዚ ዝበለ ነገር ንየሱስ ብብሕቱ ከም ዘይገበርሉ ምስ ተዛረቡ: ነቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቱ: ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ተረፍ: ክድግፍዎም ከለዉ በዚ ድማ ንእኡ ከም ዝገበርሉ ሓበሮም።

9. እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት እዋን ዘየመልክት ስለምንታይ ኢዩ፧

9 እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ነቲ ናይ ሽሕ ዓመት እዋን ዘመልክት ኣይኰነን: ከመይሲ ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ቅቡኣት ብጥሜት: ጽምኢ: ሕማም: ማእሰርቲ: ዝሳቐዩ ሰባት ኣይኪዀኑን ኢዮም። እንተዀነ ግን: ኣብዚ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ዘለዉ ብዙሓት ካብኣቶም: ከምዚ ዝበለ ተመኵሮ ኣሕሊፎም ኢዮም። ሰይጣን ካብቲ ናብ ምድሪ እተደርበየሉ ግዜ ኣትሒዙ: ኣብ ልዕሊኦም ጸርፍን ስቓይን ሞትን ብምምጻእ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ ናይ ቝጥዓኡ ፍሉይ ዕላማ ገይርዎም ኢዩ።​—⁠ራእይ 12:⁠17

10, 11. (ሀ) እቶም ኣባጊዕ ንነፍሲ ወከፍ ንኣሕዋት የሱስ ሰናይ ግብሪ ዝገብሩ ሰባት ዘጠቓለሉ ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣባጊዕ ብልክዕ ንመን ኢዮም ዝውክሉ፧

10 የሱስ ንሓደ ካብዞም ኣሕዋቱ: ከም ንእሽቶ እንጌራ ወይ ጣሳ ማይ ዝኣመሰለ ንእሽቶ ሕያውነት ዝገብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደ ካብተን ኣባጊዕ ክኸውን ከም ዝበቅዕ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ፧ ልክዕ ኢዩ: ከምዚ ዝበለ ሕያውነት ምሃብ ሰብኣዊ ሕያውነት ከንጸባርቕ ይኽእል ኢዩ: ብሓቂ ግን: ነቶም ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ዘለዉ ኣባጊዕ ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። ንኣብነት: የሱስ ነቶም ንሓደ ካብቶም ኣሕዋቱ ግብሪ ሕያውነት ዝገብሩ ኢዚሀራውያን ወይ ኣቕሽሽቲ ኣይኰነን ዘመልክት ነይሩ። ብኣንጻሩ: የሱስ ነቶም ኣባጊዕ ክልተ ግዜ “ጻድቃን” እናበለ ጸውዖም። (ማቴዎስ 25:​37, 46) ስለዚ እቶም ኣባጊዕ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንኣሕዋት ክርስቶስ ዝሕግዙ​—⁠ብንጥፈት ዝድግፉ​—⁠ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ኣቃውማ ዘውህብ እምነት ዘርኣዩ ሰባት ክዀኑ ኣለዎም።

11 ንብዙሕ ዘበናት: ከም ኣብርሃም ዝኣመሰሉ ብዙሓት ሰባት ጻድቕ ኣቃውማ ኣስተማቒሮም ኢዮም። (ያእቆብ 2:​21-23) ኖህን ኣብርሃምን ካልኦት እሙናት ሰባትን: ምስቶም ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ህይወት ኣብ ገነት ዝወርሱ “ካልኦት ኣባጊዕ” ኢዮም ዝጽብጸቡ። ኣብዚ ቐረባ እዋናት: ከም ካልኦት ኣባጊዕ ኰይኖም: ተወሰኽቲ ሚልዮናት ሰባት ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ሒዞም: ምስቶም ቅቡኣት ድማ “ሓደ መጓሰ” ኰኑ። (ዮሃንስ 10:16፣ ራእይ 7:⁠9) እዞም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ንኣሕዋት የሱስ ከም ኣምባሳደራት ናይታ መንግስቲ ስለ ዝርእይዎም​—⁠ቃል ብቓሉን ብመንፈሳዊ መገድን​—⁠ሓጊዞምዎም ኢዮም። የሱስ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣሕዋቱ ዝገብርሎም ንእኡ ከም ዝገበርሉ ኢዩ ዝርእዮ። ንህዝብታት ክፈርድ ኢሉ ክመጽእ ከሎ ብህይወቶም ዝጸንሑ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ኣባጊዕ ክፍረዱ ኢዮም።

12. እቶም ኣባጊዕ ንየሱስ ብኸመይ ሕያውነት ከም ዝገበርሉ ዝሓቱስ ስለምንታይ ኢዩ፧

12 እዞም ካልኦት ኣባጊዕ ሕጂ ምስቶም ቅቡኣት ኰይኖም ነቲ ብስራት መንግስቲ ይሰብኩን ይሕግዝዎምን እንተድኣ ኣለዉ: ስለምንታይ ድኣ ኢዮም “መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧” ኢሎም ዝሓትዎ። (ማቴዎስ 25:37) ብዙሕ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምሳልያዊ ዛንታ ኢዩ። የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ኣብ ኣሕዋቱ ዘለዎ ዓሚቝ ተገዳስነት የርኢ፣ ንእኦም እተሰምዖም ይስምዖ: ክሳቐዩ ኸለዉ ድማ ይሳቐ ኢዩ። የሱስ ኣቐድም ኣቢሉ “ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል: እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበል” በለ። (ማቴዎስ 10:40) ኣብዚ ምሳሌ እዚ: የሱስ እቲ ንኣሕዋቱ እተገብረ (ጽቡቕ ወይ ክፉእ): ክሳዕ ሰማይ እውን ከም ዝበጽሕ፣ ልክዕ ኣብ ሰማይ ከሎ ንእኡ ከም እተገብረሉ ብምርኣይ: ነቲ መምርሒ ኣስፊሕዎ ኢዩ። ከምኡውን: የሱስ ኣብዚ: ንስምረት ይኹን ወይ ንኹነኔ: ፍርዲ ኣምላኽ ግቡእን ቅኑዕን ምዃኑ ብምንጻር: ንፍርዲ ዝምልከት ስርዓት የሆዋ ኢዩ ዘጕልሕ ዘሎ። እቶም ኣጣል ‘ርኢናካ ነይርና እንተ ንኸውን እኮ’ ዝብል መመኽነይታ ከቕርቡ ኣይክእሉን ኢዮም።

13. እቶም ብኣጣል ዝተመሰሉ ሰባት ንየሱስ “ጐይታይ” ኢሎም ዝጽውዕዎስ ስለምንታይ ኢዮም፧

13 እቲ ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ ፍርዲ መዓስ ከም ዝወሃብ ሓንሳእ ምስ ተረዳእና እቶም ኣጣል መን ምዃኖም ብሩህ ሓሳብ ንረክብ ኢና። ናይዚ ፍጻሜ ‘ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ: ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ኪመጽእ ኺርእይዎ ከለዉ’ ዝኸውን ኢዩ። (ማቴዎስ 24:​29, 30 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቶም ካብቲ ናይ ዓባይ ባቢሎን ጸበባ ዝደሓኑ እሞ: ንኣሕዋት እቲ ንጉስ ድማ ብንዕቀት ዝረኣይዎም ሰባት ሕጂ ካብ ዓቕሊ ጽበት እተላዕለ ነቲ ፈራዲ “ጐይታይ” ኢሎም ይጽውዕዎ።​—⁠ማቴዎስ 7:​22, 23፣ ምስ ራእይ 6:​15-17 ኣነጻጽሮ።

14. የሱስ ነቶም ኣባጊዕን ኣጣልን ብምንታይ መሰረት ኢዩ ዝፈርዶም፧

14 ይኹን እምበር: ፍርዲ የሱስ ኣብቲ በቶም ቀደም ናብ ቤተ-ክርስትያን ዝመላለሱ ዝነበሩን ኢዚሀራውያንን ወይ ካልኦትን ዝቐርብ ናይ ዓቕሊ ጽበት ጥርዓን ኣይክምስረትን ኢዩ። (2 ተሰሎንቄ 1:⁠8) ኣብ ክንድኡ: እቲ ፈራዲ ነቲ ናይ ልቢ ኵነታትን ነቲ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ “ኻብዞም ናእሽቱ [ኣሕዋቱ] ንሓደ” እውን ከይተረፈ ዝገበርሉን ክምርምሮ ኢዩ። ብርግጽ: ናይቶም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት ቝጽሪ ይጐድል ኢዩ ዘሎ። ይኹን እምበር: እቶም ቅቡኣት: ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ክሳዕ ዘቘሙ: መንፈሳዊ መግብን መምርሕን ምሃብ ድማ ክሳዕ ዝቐጸሉ: ተስፋ ዘለዎም ኣባጊዕ ከምቲ እቶም ‘ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን እተኣከቡ ዓቢ ጭፍራ’ ዝገብርዎ: ነቶም ክፍሊ ባርያ ጽቡቕ ክገብርሎም ሓደ ኣጋጣሚ ኣለዎም።​—⁠ራእይ 7:​9, 14

15. (ሀ) ብዙሓት ገዛእ ርእሶም ኣጣል ምዃኖም ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) ንሓደ ሰብ በጊዕ ወይ ጤል ኢዩ ምባል ከነርሕቕ ዘሎናስ ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ኣሕዋት ክርስቶስን እቶም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ከም ሓደ መጓሰ ኰይኖም ምስኣቶም ዝሓበሩ ካልኦት ኣባጊዕን ብኸመይ ኢዮም ዝርኣዩ፧ ብዙሓት ሰባት ብብሕቶም ነቶም ናይ ክርስቶስ ወኪላት ኣየጥቅዕዎምን ይዀኑ: እንተዀነ ግን: ነቶም ህዝቡ ፍቕራዊ ምንክብኻብ ኣይገብሩሎምን ኢዮም። ነዛ እክይቲ ዓለም ብምምራጽ: ኣጣል መሰል ሰባት: ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ይስምዕዎ ብዘየገደስ: ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ነጺጎምዎ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:​15-17) ርግጽ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ክህብ ተመዚዙ ዘሎ የሱስ ኢዩ። መን በጊዕ መን ጤል ክንውስን ናትና ኣይኰነን።​—⁠ማርቆስ 2:8፣ ሉቃስ 5:22፣ ዮሃንስ 2:​24, 25፣ ሮሜ 14:​10-12፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠5

ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ እንታይ መጻኢ ኣለዎ፧

16, 17. እቶም ኣባጊዕ እንታይ መጻኢ ኢዩ ዘለዎም፧

16 የሱስ “ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ” ብምባል ፍርዱ ሃበ። “ንዑ”​—⁠ኣየ ከመይ ዝበለ ምዉቝ ዕድመ ኰን ኢዩ! ናብ ምንታይ፧ ኣብ መወዳእታ ከም ዝገለጾ: ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት:- “ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት [ክኣትዉ] እዮም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​34, 46

17 ኣብቲ ናይ መክሊት ምሳልያዊ ዛንታ: የሱስ ካብቶም ኣብ ሰማይ ምስኡ ዝገዝኡ እንታይ ከም ዝድለ ኣርኣየ: ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ግን ካብቶም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ እንታይ ከም ዝድለ ኢዩ ዘርኣየ። (ማቴዎስ 25:​14-23) ብሓጺሩ: እቶም ኣባጊዕ ንኣሕዋት የሱስ ብምሉእ ልቦም ስለ ዝድግፍዎም ኣብቲ ምድራዊ ግዝኣት ናይታ መንግስቲ ክወርሱ ኢዮም። ንሳቶም ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ​—⁠ኣምላኽ “ኻብ ምስራት ዓለም” ኣትሒዙ በጅነት ንዝረኽቡ ሰባት ዘዳለዎ ተስፋ​—⁠ከስተማቕሩ ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 11:​50, 51

18, 19. (ሀ) የሱስ ነቶም ኣጣል እንታይ ፍርዲ ክህቦም ኢዩ፧ (ለ) እቶም ኣጣል ናይ ዘለኣለም ስቓይ ከም ዘየጋጥሞም ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

18 ኣብ ልዕሊ እቶም ኣጣል ዝወርድ ፍርዲ: ካብቲ ናይቶም ኣባጊዕ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ዘለዎ ኰን ኢዩ! “ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙ ንዘለዉ ይብሎም፤ ኣቱም ርጉማት: ካባይ ርሐቑ: ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ: ኣየስቴኹምንን። ገይሸ: ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ: ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ: ተአሲረ: ኣይበጻሕኩምንን። ሽዑ ንሳቶም፤ ጐይታይ: መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ: ወይ ጸሚእካ ወይ ጌሽካ: ወይ ዐሪቕካ: ወይ ሐሚምካ: ወይ ተአሲርካ: ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። ሽዑ ንሱ፤ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ: ኢሉ ይመልሰሎም።”​—⁠ማቴዎስ 25:​41-45

19 ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ: ናይቶም ኣጣል መሰል ሰባት ዘይሞታ ነፍሳት: ኣብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ክሳቐያ ኢየን ማለት ክኸውን ከም ዘይክእል ይፈልጡ ኢዮም። ከመይሲ: ሰባት ዘይሞታ ነፍሳት ዘለዋኦም ዘይኰኑስ: ነፍሳት ኢዮም። (ዘፍጥረት 2:7፣ መክብብ 9:​5, 10፣ ህዝቅኤል 18:⁠4) እቲ ፈራዲ ነቶም ኣጣል “ናብ ናይ ዘለኣለም [ሓዊ ትሓዓ ]” ክፈርዶም ከሎ: ናብቲ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ናይ ሓዋሩ መወዳእታ ዝዀነ: ንመጻኢ ተስፋ ኣልቦ ዝዀነ ጥፍኣት ማለቱ ኢዩ። (ራእይ 20:​10, 14) ስለዚ: እቲ የሆዋ ዝወከሎ ፈራዲ ኣንጻር ዝዀነ ፍርድታት ኢዩ ዝህብ። ነቶም ኣባጊዕ “ንዑ:” ነቶም ኣጣል ድማ “ካባይ ርሐቑ” ይብሎም። እቶም ኣባጊዕ “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ክወርሱ ኢዮም። እቶም ኣጣል ድማ “ናይ ዘለኣለም [ምቝራጽ ትሓዓ ]” ክቕበሉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 25:46b

እዚ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧

20, 21. (ሀ) ክርስትያናት ክግበር ዘለዎ እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዩ ዘለዎም፧ (ለ) ሕጂ ከመይ ዝበለ ምፍልላይ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ፧ (ሐ) እቲ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ምሳልያዊ ዛንታ ክፍጸም ምስ ጀመረ ናይ ሰባት ኵነታት እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

20 እቶም የሱስ ብዛዕባ ትእምርቲ ህላዌኡን መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ዝሃቦ መልሲ ዝሰምዑ: ኣርባዕተ ሃዋርያት: ክሓስብሉ ዝነበሮም ብዙሕ ነገራት ነይርዎም ኢዩ። ክነቕሑን ክጥንቀቑን የድልዮም ነበረ። (ማቴዎስ 24:42) ነቲ ኣብ ማርቆስ 13:10 እተጠቕሰ ዕዮ ስብከት እውን ክገብርዎ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዕዮ እቲ ብህርኩት መንፈስ ይሳተፉ ኣለዉ።

21 እንተዀነ ግን: እዚ ነተን ናይቲ ምሳልያዊ ዛንታ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝምልከት ተወሳኺ ምርዳእ ንኣና እንታይ ማለት ኢዩ፧ ልክዕ ኢዩ: ሰባት ድሮ ወገን ይሕዙ ኢዮም ዘለዉ። ገሊኦም ኣብታ ‘ናብ ጥፍኣት እትወስድ ርሕብቲ ደገ’ ኣለዉ: ካልኦት ድማ ኣብታ ‘ናብ ህይወት እትወስድ ጸባብ ደገ’ ክጸንሑ ይጽዕሩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 7:​13, 14) ይኹን እምበር ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ዘሎ: የሱስ ነተን ኣባጊዕን ኣጣልን ናይ መወዳእታ ፍርዲ ዝእውጀሉ ግዜ ጌና ብሕጂ ኢዩ። ወዲ ሰብ ክፈርድ ኢሉ ምስ መጸ: ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት​—⁠ህይወቶም ዝወፈዩ ኣባጊዕ ናይቲ “ዓቢ ጭፍራ”​—⁠ካብቲ ናይ “ዓቢ ጸበባ” መወዳእታ ክፋል ናብታ ሓዳስ ዓለም ንምስጋር ብቑዓት ንክዀኑ ክምድቦም ኢዩ። እቲ ተስፋ እቲ ሕጂ ምንጪ ናይ ሓጐስ ክኸውን ኣለዎ። (ራእይ 7:​9, 14 ትሓዓ ) በቲ ኻልእ ወገን ድማ: ካብ “ኵሎም ኣህዛብ” ዝዀኑ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰባት ከም ተረርቲ ኣጣል ክዀኑ ኢዮም። “ናብ ናይ ዘለኣለም [ምቝራጽ ትሓዓ ] ኪኸዱ እዮም።” ንምድርስ ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ!

22, 23. ናይዚ ምሳልያዊ ዛንታ ፍጻሜ ጌና ንመጻኢ ካብ ኰነ: ዕዮ ስብከትና ሎሚ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

22 ኣብቲ ምሳልያዊ ዛንታ ተገሊጹ ከም ዘሎ እቲ ፍርዲ ኣብ ቀረባ መጻኢ ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ሕጂ እውን ከይተረፈ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ይፍጸም ኢዩ ዘሎ። ንሕና ክርስትያናት ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍልላይ ዘስዕብ: ህይወት ኣድሕን ዝዀነ ዕዮ ምእዋጅ ናይቲ መልእኽቲ ተሳቲፍና ኣሎና። (ማቴዎስ 10:​32-39) ጳውሎስ “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ። . . . ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፧ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧” ብምባል ጸሓፈ። (ሮሜ 10:​13, 14) ህዝባዊ ኣገልግሎትና ስም ኣምላኽን ናይ ድሕነት መልእኽቱን ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ንዘለዉ ሰባት ይበጽሖም ኢዩ ዘሎ። እቶም ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ጌና ነዚ ዕዮ እዚ ይመርሕዎ ኢዮም ዘለዉ። ሕጂ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን ኣቢሎም ዝዀኑ ካልኦት ኣባጊዕ ሓቢሮምዎም ኢዮም። ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድማ ነቲ ብኣሕዋት የሱስ ዝእወጅ መልእኽቲ ይምልስሉ ኣለዉ።

23 ካብ ቤት ናብ ቤት ወይ ንእግረ መገድና ክንሰብኽ ከሎና ብዙሓት ሰባት መልእኽትና ብግልጺ ይበጽሖም ኢዩ። ካልኦት ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን እንታይ ከም እንውክልን ንሕና ብዘይንርድኦ መገዲ ይፈልጡ ይዀኑ። ግዜ ፍርዲ ምስ በጽሐ: የሱስ ነቲ ናይ ማሕበረሰብ ሓላፍነትን ናይ ስድራቤት ጽቡቕ ጠባይን ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣብ ግምት ዘእትዎ፧ እዚ ኢዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና: ምግማት ድማ ፋይዳ የብሉን። (ምስ 1 ቈረንቶስ 7:14 ኣነጻጽሮ።) ሕጂ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ጸማም እዝኒ ይህቡ: የላግጹ: ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ህዝቢ ኣምላኽ ግሁድ ምስጓግ ይካፈሉ ኣለዉ። ስለዚ: እዚ ግዜ እዚ ወሳኒ ኢዩ: ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ከምቶም የሱስ ኣጣል ኢሉ ዝፈርዶም እናዀኑ ይኸዱ ይህልዉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 10:22፣ ዮሃንስ 15:20፣ 16:​2, 3፣ ሮሜ 2:​5, 6

24. (ሀ) ውልቀሰባት ንዕዮ ስብከትና ብጽቡቕ ክቕበልዎ ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) እዚ መጽናዕቲ እዚ ብብሕትኻ ንኣገልግሎትካ እንታይ ኣረኣእያ ክህልወካ ኢዩ ሓጊዙካ፧

24 ዘሐጕስ ግን: ብዙሓት ብጽቡቕ ይቕበሉ: ቃል ኣምላኽ የጽንዑ: ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይዀኑ ኣለዉ። ገሊኦም ሕጂ ጤል ዝመስሉ ሰባት ተለዊጦም ከም በጊዕ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዘገድስ: እዞም ምላሽ ዝህቡን ነቶም ተረፍ ኣሕዋት ክርስቶስ ብንጥፈት ዝድግፉን ዘለዉ ሰባት: ኣብዚ ቐረባ መጻኢ: ፍርዲ ክህብ ኢሉ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ ከሎ: ኣብ የማን የሱስ ቦታ ንምሓዝ መሰረት ዝዀኖም መረጋገጺ ሕጂ ይህቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ሕጂ ይባረኹ ኣለዉ ንዝመጽእ ድማ ክባረኹ ኢዮም። ስለዚ: እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንዝያዳ ቅንኢ ዝመልኦ ንጥፈት ከለዓዕለና ኣለዎ። ከይደንጐና: ናይታ መንግስቲ ብስራት ንምእዋጅ ዝከኣለና ኵሉ ክንገብር ኢዩ ድሌትና: በዚ ድማ ካልኦት ንኽምልሱ ኣጋጣሚ ንህብ። ድሕርዚ ናይ ኩነኔ ወይ ናይ ስምረት ፍርዲ ምሃብ ግደ የሱስ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 25:⁠46

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 15 ለካቲት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-21 ርአ።

b እታ ኤል ኤቫንሄልዮ ደ ማቴዎ (ናይ ማቴዎስ ወንጌል) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ዘለኣለማዊ ህይወት ዘየማትእ ህይወት ኢዩ፣ ናይዚ ኣንጻር ድማ ዘየማትእ መቕጻዕቲ ኢዩ። እታ ኣዮኒዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቅጽል ብቐንዱ ንዓይነት ድኣምበር: ንግዜ ኣይተመልክትን ኢያ። እቲ ዘየማትእ መቕጻዕቲ ዘለኣለማዊ ሞት ኢዩ።” ጡረታ ዝወጸ ፕሮፌሰር ክዋን ማቴዎስ (ጳጳሳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትካል: ሮም) ከምኡውን ፕሮፌሶር ፌርናንዶ ካማቾ (ስነ-ሃይማኖታዊ ማእከል: ሰቪለ): ማድሪድ: ስፐይን: 1981

ትዝክሮዶ፧

◻ ኣብ መንጎ ማቴዎስ 24:​29-31 ከምኡውን 25:​31-33 ዘሎ ምሳልያዊ ዛንታ ናይተን ኣባጊዕን ኣጣልን ንመጻኢ ከም ዘመልክት ዘርኢ እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዝርከብ፧ እዚኸ መዓስ ኢዩ፧

◻ እቶም “ናእሽቱ” ኣሕዋት የሱስ መን ኢዮም፧

◻ እቲ “ጻድቃን” ዝብል የሱስ እተጠቕመሉ መግለጺ: እዚኣቶም ንመን ከም ዝውክሉን ንመን ከም ዘይውክሉን ንኸነለሊ ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

◻ እቲ ምሳልያዊ ዛንታ ንመጻኢ ዝፍጸም እኳ እንተዀነ: ሕጂ ስብከትና ኣገዳስን ህጹጽን ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነቲ ምምስሳላት ኣስተብህለሉ

ማቴዎስ 24:​29-31 ማቴዎስ 25:​31-33 ትሓዓ

እቲ ዓቢ ጸበባ ድሕሪ ምጅማሩ: ወዲ ሰብ ይርአ

ወዲ ሰብ ይመጽእ

ብብዙሕ ግርማ ይመጽእ ብኽብሩ ይርአ

ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ

መላእኽቲ ምስኡ ይህልዉ መላእኽቲ ምስኡ ይርኣዩ

ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ይርእይዎ ኵሎም ኣህዛብ ይእከቡ፤ ኣጣል ይፍረዱ

ኣብ መወዳእታ (እቲ ዓቢ ጸበባ ይውዳእ)

[ምንጪ ስእሊ]

Garo Nolbandian

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ