ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 60
  • ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንየሆዋ ዝፈርህ ልቢ ኣጥሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣብ ፍርሃት የሆዋ ሓጐስ ክትረክብ ምምሃር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ብዛዕባ ሞት ብሰፊሑ ዝእመነሉ ነገራት ተጠንቂቕካ ኽምርመር ከሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንየሆዋ ፍርሃዮ ትእዛዛቱ እውን ሓልዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 60

ንፍርሂ ሞት ብኸመይ ከተሰንፎ ትኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንሞት ከም ጸላኢ ጌርና ንፈርሆ ኢና፡ ንህይወትና ኻብ ጕድኣት ንምሕላው እውን እኹል ስጕምትታት ንወስድ ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኣብ ሓሶት ወይ ማሪታዊ እምነት እተመስረተ እምብዛ ፍርሂ ሞት ግና፡ ንሰባት “ምሉእ ህይወቶም ብባርነት ተታሒዞም” ከም ዚነብሩ ገይርዎም ኣሎ። (እብራውያን 2:15) ሓቂ ምፍላጥካ ኻብ ራዕዲ ሞት፡ ካብቲ ንህይወት ከይተስተማቕር ዚዓግተካ ዓይነት ፍርሂ፡ ሓራ ኼውጽኣካ እዩ።—ዮሃንስ 8:32።

ሓቂ ብዛዕባ ሞት

  • ምዉታት ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም። (መዝሙር 146:4) ድሕሪ ሙማትካ ኸይትሳቐ ኽትፈርህ የብልካን፣ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ምስ ድቃስ ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—መዝሙር 13:3፣ ዮሃንስ 11:11-14።

  • ምዉታት ኪጐድኡና ኣይክእሉን እዮም። ኣቐዲሞም ብርቱዓት ጸላእትና ዝነበሩ እኳ፡ ‘ብሞት ይስነፉ እዮም።’ (ምሳሌ 21:16) መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጽልኦምን ቅንኦምን እውን ድሮ ጠፊኡ እዩ” ይብል እዩ።—መክብብ 9:6።

  • ሞት ግድን ናይ ህልውናና መወዳእታ ኣይኰነን። ኣምላኽ ብትንሳኤ ኣቢሉ ንዝሞቱ ሰባት ዳግም ህያው ኪገብሮም እዩ።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15።

  • ኣምላኽ “ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን” ኢሉ ኣተስፍዩ ኣሎ። (ራእይ 21:4) ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” ይብል እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ኵሉ ፍርሂ ሞት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ዀይኖም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:29።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ