ሰላም ንምዕቃብ ዚግበር ጻዕርታት ንዓለም ሰላም ኬምጽኣላ ይኽእል ድዩ፧
ዓለምና ብውግእን ብወተሃደራዊ ግጭትን ትናወጽ እያ ዘላ። ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ውድባትን ከኣ ኣብቲ እተጐድአ ቦታታት ወኪላተን ብምስዳድ፡ ሰላም ንምዕቃብ ኣብ ዚግበር መስርሓት ይነጥፋ ኣለዋ። ተስፋአን ኣብቲ ዓመጻ ዘለዎ ቦታታት ሰላምን ምርግጋእን ከም ዚህሉ ምግባር እዩ። ብዛዕባ እዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ከምዚ ይብል፦ “ዓቀብቲ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብቲ ኣብ ዓለምና ሰላም ንምስፋን እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ፡ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም።”
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ በቲ ሰላም ንምዕቃብ እተገብረ ጻዕርታት እተወሰነ ዓወታት ተረኺቡ እዩ። ንኣብነት፡ ሲቪላውያን ዕቝባ ኺረኽቡ፡ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ኪምለሱ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዚድለየሉ ቦታ ኺበጽሕ፡ እተጐድአ ትሕተ ቕርጺ ኸኣ ኪሕደስ ተኻኢሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንውጽኢቱ ዚድርት ከበድቲ ብድሆታት ኣጋጢሙ ኣሎ። እሞ ደኣ፡ ናይ ሓቂ ሰላም ኬስፍን ዚኽእል ነባሪ ፍታሕሲ ይርከብዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚምልከት እንታይ መልሲ ሒዙ ኣሎ፧
ሰላም ኣብ ምዕቃብ ዜጋጥም ብድሆታትን መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ፍታሕን
ብድሆ፦ ዘይምትሕብባር። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ እተፈላለዩ ሃገራት እተዋጽኡ ብዙሓት ወተሃደራውን ሲቪላውን ውድባት ብሓደ ተሓባቢሮም ኪሰርሑ ቐሊል ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ እዋናት፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውድባት ንሓድሕዶም ኪሰማምዑ ብዘይምኽኣሎምን ውልቃዊ ረብሓታቶም ብምግጫዉን ኪሰልጦም ኣይከኣለን።
ፍታሕ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ። . . . ንዅለን እዘን መንግስትታት [ሰብኣውያን መንግስትታት] እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ፣ ንሳ በይና ኸኣ ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣምላኽ ንዅሉ ውግእ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ፣ ሽዑ ዓለምለኻዊ ሰላም ኪሰፍን እዩ። (መዝሙር 46:8, 9) ንዅለን ኣብዛ ምድሪ ዘለዋ መንግስትታት ከኣ ብሓንቲ መንግስቲ፡ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኪትክአን እዩ። እዛ ፍጽምቲ መንግስቲ ኣብ ሰማይ ኰይና ነታ ህውከት ዘይብላ ምድሪ ስለ እተመሓድራ ኸኣ ውድባት ዓቃብ ሰላም ንደቂ ሰብ ኣይኬድልዮኦምን እየን።
ብድሆ፦ ድሩት ዓቕሚ። ውድባት ዓቃብ ሰላም ዜድልየን ዓቕሚ ሰብን ገንዘብን ካልእ ነገራትን ስለ ዘይረኽባ፡ ከምቲ ዚግባእ ኪዓይያ ኣይከኣላን። ብተወሳኺ፡ እቲ ኣባላተን ዚልኣኹሉ ቦታታት ሓደገኛ ብምዃኑ ብዙሕ ኪዓምሙ ኣይከኣሉን።
ፍታሕ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ . . . [ንየሱስ] ኣብ ሰማያት ኣብ የማኑ ምስ ኣቐመጦ፡ . . . ኣብ ልዕሊ ዅሉ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን . . . ልዕል ኣቢልዎ እዩ።”—ኤፌሶን 1:17, 20, 21።
እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋa ነቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኸውን እተሸመ የሱስ፡ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ዓቕሚ ሂብዎ እዩ። (ዳንኤል 7:13, 14b) ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ መንግስቲ ዀነ ሰብኣዊ ውድብ ንላዕሊ ዓብዪ ሓይልን ፍልጠትን ጥበብን ምስትውዓልን ሂብዎ እዩ። (ኢሳይያስ 11:2) ብተወሳኺ እውን የሱስ፡ ንዕኡ ዚስዕቡ ኣዝዮም ሓያላት ሰራዊት መላእኽቲ ኣለውዎ። (ራእይ 19:14) ስለዚ፡ ንዕኡ ዜጸግሞ ወይ ዚኸብዶ ነገር ኪህሉ ኣይክእልን እዩ።
የሱስ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ዓቕሚ ተጠቒሙ ውግእ ካብ ምጥፋእ ንላዕሊ ኺገብር እዩ። እወ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዚነብር ሰብ፡ ነባሪ ህድኣትን ደሓንን ሰላምን ኬምጽኣሉ እዩ።—ኢሳይያስ 32:17, 18።
ብድሆ፦ ሕጋዊ ቐይድታት። ዓቀብቲ ሰላም በቲ ንጹር ዘይኰነ ንምንቅስቓሳቶምን ንዕዮታቶምን ዚድርት ትእዛዛት ይተዓናቐፉ እዮም። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ትእዛዛት፡ ንኻልኦት ምሉእ ብምሉእ ኸየዕቍቡ ወይ ዕላማኦም ከይፍጽሙ ይዕንቅጾም እዩ።
ፍታሕ መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ።”—ማቴዎስ 28:18።
የሱስ ኣብ ዓለም ሰላም ምእንቲ ኼስፍን፡ ኣምላኽ ንጹር ትእዛዝን ምሉእ ስልጣንን ሂብዎ እዩ። (ዮሃንስ 5:22) የሱስ ብዘይፍትሓዊ መገዲ ወይ ብብልሽውና ፈጺሙ ኣይኪፈርድን እዩ። (ኢሳይያስ 11:3-5) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መንግስቱ “ብፍትሕን ብጽድቅን” ዝሰረተ የሱስ፡ “መስፍን ሰላም” ኢሉ ኺጽውዖ ሓቁ እዩ።—ኢሳይያስ 9:6, 7።
መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላም ከተምጽእ እያ
ሰብኣውያን ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሓደ ዞባ እተወሰነ ምርግጋእ ኬስፍኑ ወይ ንወተሃደራዊ ግጭት ደው ኬብሉ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር፡ ነቲ ጠንቂ ዓመጻ ዝዀነ፡ ኣብ ልቢ ሰባት ዚፈልሕ ዘሎ ጽልኢ ኼጥፍእዎ ኣይክእሉን እዮም።
“እቲ መሰረታዊ ጸገም፡ ካብ ፈለማኡ ዚዕቀብ ሰላም ዘይምህላዉ እዩ።”—ደኒስ ጀት፡ ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ነበር።
በቲ ሓደ ወገን ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ሰላም ከተምጽእ ትኽእል እያ፣ ከመይሲ፡ ሰባት ንጽልኢ ኻብ ልቦም ኪሓክዎ ትሕግዞም እያ። ንኣብነት፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ሰዓብቱ ምስ ካልኦት ብሰላም ምእንቲ ኺነብሩን ፍቕሪ ምእንቲ ኼርእዩን ብኸመይ ብቓልን ብተግባርን ከም ዝመሃሮም ኣስተብህል፦
ብተወሳኺ፡ ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ በታ ንኻልኦት ዘላቶም ፍቕሪ ኸም ዚልለዩ የሱስ ሓቢሩ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ንኻልኦት ዚጸልኡ ሰባት ፈጺማ ኸም ዘይትቕበሎም ብንጹር ይገልጽ እዩ፦
እቲ ንደቂ ሰብ ዝፈጠረ የሆዋ ኣምላኽ፡ ኣብ ዓለም ሰላም ዚሰፍነሉ ብሉጽን እንኮን መገዲ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። መንግስቱ ኸኣ ነቲ ደቂ ሰብ ኪገብርዎ ዘይከኣሉ ነገራት፡ እንተላይ ነቲ ሰላም ንምዕቃብ እተገብረ ጻዕርታት ክትዓምሞ እያ።
a የሆዋ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ። (መዝሙር 83:18) “የሆዋ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b እቲ ኣብ ዳንኤል 7:13, 14፡ “ወዲ ሰብ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ እዩ።—ማቴዎስ 25:31፣ 26:63, 64።