Mary_Ukraine/stock.adobe.com
ንቕሑ!
ሰባት ንፖለቲከኛታት ኣይኣምንዎምን—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ 2024 ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ኣዝዩ ብዙሕ ምርጫታት ኪካየድ እዩ። ብዙሓት ሰባት ግና ኣብ ፖለቲከኛታት ዝነበሮም እምነት የጥፍኡ ኣለዉ።
መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ሓደ መጽናዕቲ እተሳተፉ ኣመሪካውያን፡ “መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ንጥቕሚ ርእሶም ከም ዚንቀሳቐሱ፡” ንህዝቢ ኼገልግሉ እውን ድሌት ከም ዘይብሎም ገሊጾም እዮም።a—ማእከል ምርምር ፒው፡ 19 መስከረም 2023።
ብዙሓት መንእሰያት እውን ንፖለቲከኛታት ኣይኣምንዎምን እዮም።
“መንእሰያት ብዛዕባ እቲ ዚልዓል ጕዳያት ዚግደሱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ፖለቲከኛታት ንድሌቶም ከም ዘይውክሉ ግና ኣብ እተገብረ መጽናዕትታት ሓቢሮም እዮም።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 29 ጥሪ 2024።
“መንእሰያት ካብ ፖለቲከኛታት ንላዕሊ ንዩቱበራት ከም ዚኣምኑ፡ ኣብ ዝሃብዎ ድምጺ ገሊጾም።”—ዘ ኮሪያ ታይምስ፡ 22 ጥሪ 2024።
ፖለቲከኛታት ዝሓሸ መጻኢ ኸም ዜምጽኡስ ክንኣምኖም ንኽእል ዲና፧ መን እዩ ኺእመን ዚኽእል፧
ንመን ከም እትኣምን ተጠንቀቕ
ሰባት ንመን ከም ዚኣምኑ ኺጥንቀቑ ሓቆም እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” ይብል።—ምሳሌ 14:15።
ንዚቐርበልካ ሓበሬታ ኸመይ ጌርካ ኸም እትግምግሞ ብዚምልከት ሓጋዚ ነጥብታት እንተ ደሊኻ፡ “ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሎም ብቕንዕና ዚዓይዩ ፖለቲከኛታት እኳ ዓቕሞም ድሩት እዩ። ስለዚ ድማ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ የጠንቅቕ፦
“ብመሳፍንቲ ዀነ፡ በቲ ኼድሕን ዘይክእል ወዲ ሰብ ኣይትተኣመኑ።”—መዝሙር 146:3።
ክትኣምኖ እትኽእል መራሒ
ኣምላኽ ብቑዕን ዚእመንን መራሒ ኸም ዝሾመ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ፣ ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ እዩ። (ሉቃስ 1:32, 33) የሱስ፡ ንጉስ እታ ኣብ ሰማይ ኰይና እትገዝእ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።—ማቴዎስ 6:10።
ንየሱስ ስለምንታይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእልን ንሱ ንጸገማትና ንምፍታሕ እንታይ ከም ዚገብርን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ “ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መን እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን ኣንብብ።
a Pew Research Center, “Americans’ Dismal Views of the Nation’s Politics,” September 2023.