Anton Petrus/Moment via Getty Images
ንቕሑ!
ውግእ ዓለም ዘይተርፍ ነገር ድዩ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ርክብ እተረጋግአ ኸም ዝዀነ፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን እናተመሓየሸ ይኸይድ ከም ዘሎ ይመስሎም ነይሩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ፍጻመታት ግና ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣብ ሕቶ ዜእቱ እዩ።
“ኣብ ጋዛ ዘሎ ውግእ ከይልሕም ኣብ እተሰግኣሉ እዋን፡ እስራኤልን ሕዝቦላህን ኣብ ዶብ ሊባኖስ ናይ ተዅሲ ልውውጥ ይገብሩ ኣለዉ።”—ሮይተርስ፡ 6 ጥሪ 2024።
“ኢራን በቶም እትድግፎም ጕጅለታት ኣቢላ ኻብ እተፈላለየ ኣንፈት ተጥቅዕ ብምህላዋ፡ ኑክልየሳዊ መደባ እውን ብሃንደበት ተሓዲሱ ብምህላዉ፡ ንምዕራባውያን ሓድሽ ብድሆ ተቕርበሎም ኣላ። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ጐድና እዮም ዘለዉ።”—ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 7 ጥሪ 2024።
“መጥቃዕቲ ሩስያ ንዩክረይን የዕንዋ ኣሎ።”—ዜና ው.ሕ.ሃ.፡ 11 ጥሪ 2024።
“ቍጠባውን ወተሃደራውን ሓይሊ ቻይና ይገዝፍ ብምህላዉ፡ ሃገራዊ መንነት ታይዋን ይዓቢ ብምህላዉ፡ ኣብ መንጎ ቤጂንግን ዋሽንግተንን ዘሎ ርክብ ከኣ ተኣፋፊ ብምዃኑ፡ ቅልውላው ብቐሊሉ ኺፍጠር ይከኣል እዩ።”—ዘ ጃፓን ታይምስ፡ 9 ጥሪ 2024።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምርግጋእ እንታይ ይብል፧ ናብ ውግእ ዓለም ይመርሕ ደዀን ይኸውን፧
መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ህሉው ኵነታት ተነብይዎ ነይሩ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና ኻብ ዘሎ ውግኣት ንገሊኡ ብፍሉይ ጠቒሱ ኣይንበን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ግዜና ውግእ ከም ዚበዝሕን ‘ሰላም ካብ ምድሪ ኸም ዚርሕቕን’ ይንበ እዩ።—ራእይ 6:4።
ኣብ መጽሓፍ ዳንኤል “ብግዜ መወዳእታ” መቐናቕንቲ ዝዀኑ ሓይልታት ዓለም ንሓድሕዶም ከም ‘ዚዳፍኡ’ ወይ ዓብለልቲ ንምዃን ከም ዚቃለሱ ተገሊጹ ኣሎ። ኪቃለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ ዓብዪ ወተሃደራዊ ሓይሎም የርእዩ፡ “መዛግብቲ” ማለት ሃብቲ የህልኹ እዮም።—ዳንኤል 11:40, 42, 43።
ውግእ ይመጽእ ኣሎ
ኵነታት ዓለም ቅድሚ ምምሕያሹ፡ እናገደደ ኸም ዚኸይድ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። የሱስ፡ “ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተነብዩ እዩ። (ማቴዎስ 24:21) እቲ “ብርቱዕ ጸበባ” እቲ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን እዩ ኼብቅዕ፣ እዚ ውግእ እዚ ኸኣ፡ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።—ራእይ 16:14, 16።
ይኹን እምበር፡ ውግእ ኣርማጌዶን ንደቂ ሰብ ዜጥፍእ ዘይኰነስ፡ ዜድሕን እዩ። ኣምላኽ በቲ ውግእ እቲ ኣቢሉ፡ ነቲ ጠንቂ ሓያሎ ኣዕናዊ ውግኣት ዝዀነ ሰብኣዊ ግዝኣት መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ። ኣርማጌዶን ብኸመይ ነባሪ ሰላም ከም እተምጽእ ንምፍላጥ፡ ነዚ ዚስዕብ ዓንቀጻት ኣንብብ፦