Top left: Marek M. Berezowski/Anadolu Agency via Getty Images; bottom left: Halfpoint Images/Moment via Getty Images; center: Zhai Yujia/China News Service/VCG via Getty Images; top right: Ismail Sen/Anadolu Agency via Getty Images; bottom right: E+/taseffski/via Getty Images
ንቕሑ!
2023፦ ዓመት ጭንቀት—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
ኣብ 2023 ኣብ ዓለም ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ከም ዘለና ዘይከሓድ መርትዖ ኣቕሪቡልና እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዅነታት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና እተነበዮ ምዃኑ ርአ።
መጽሓፍ ቅዱስን ዓለምለኻዊ ፍጻመታትን
“ውግእን ወረ ውግእን።”—ማቴዎስ 24:6።
“ግጭት ኣብ ሓያሎ ኽፍልታት ዓለም ይውስኽ ኣሎ።”a
“ንሲቭል ሰባት መን ኬድሕኖም እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽን “ዓለም ንውትህድርና እተውጽኦ ወጻኢ ልዕሊ 2 ትሪልዮን ዶላር በጺሑ” ዘርእስታ ዓንቀጽን ርአ።
“ኣብ በቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ።”—ማርቆስ 13:8።
“ካብ መጀመርታ 2023 ኣትሒዙ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7 ዝዓቐኑ 13 ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ እዩ፣ እዚ ድማ ካብቲ ብዛዕባ እዚ ኺምዝገብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ሓደ ኻብቲ ዝለዓለ መጠን እዩ።”b
“ኣብ ቱርኪን ኣብ ሶርያን ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
“መፍርህታት።”—ሉቃስ 21:11።
“ዓለም እትመቘሉ ዘመን ሓሊፍናስ፡ ዓለም እትጥጠቐሉ ዘላ ዘመን ኢና በጺሕና ዘለና።”—ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።c
“ዓለምለኻዊ ማዕበል ሙቐት ሓጋይ 2023” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
“ጥሜት።”—ማቴዎስ 24:7።
“2023፦ ነቶም ንስድራኦም ንምዕንጋል ዚቃለሱ ዘበሉ ኣዝያ ሓደገኛ ዝዀነት ካልእ ዓመት።”d
“ውግእን ለውጢ ክሊማን ንሕጽረት ምግቢ የጋድዶ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
“ጽንኩር ግዜ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1።
“ኣብ ዓለም፡ ሓደ ኻብ ሸሞንተ ሰባት፡ ጸገም ኣእምሮኣዊ ጥዕና ኣለዎም።”e
“ምንቍልቋል ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
ኣብ 2024 እንታይ ክንጽበ ንኽእል፧
2024 እንታይ ሒዛ ኸም እትመጽእ፡ ኣፉ መሊኡ ኺዛረብ ዚኽእል የልቦን። ኵነታት ዓለም ከም ዚእምቶ ግና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ እታ ኣብ ሰማይ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ንመንግስትታት ሰባት ክትትክአን፡ ንዅሉ መከራን ጭንቀትን እውን ከም ዜብቅዕ ክትገብር እያ።—ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:4።
ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ጭንቀት ኪስምዓና ኸሎ፡ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ክንጽጋዕ ንኽእል ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና፦
“ምስ ዝፈርህ፡ ብኣኻ እእመን እየ።”—መዝሙር 56:3።
እሞ ደኣ ብኣምላኽ ከም እንእመን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ከምኡ ንምግባር፡ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘተስፈዎ ኻብ መከራ ናጻ እንዀነሉ እዋን ተምሃር። ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋታት ንስኻን ስድራ ቤትካን ብኸመይ ከም እትጥቀሙ ንምፍላጥ ነዚ ናጻ ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፈትኖ።
a Foreign Affairs, “A World at War: What Is Behind the Global Explosion of Violent Conflict?” by Emma Beals and Peter Salisbury, October 30, 2023.
b Earthquake News, “Year 2023: Number of Major Earthquakes on Course for Record,” May, 2023.
c United Nations, “Secretary-General’s Opening Remarks at Press Conference on Climate,” July 27, 2023.
d World Food Programme, “A Global Food Crisis.”
e World Health Organization, “World Mental Health Day 2023,” October 10, 2023.