ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mrt ዓንቀጽ 98
  • ለበዳ ጽምዋ—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ለበዳ ጽምዋ—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧
  • ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንጽምዋ ብዕርክነት ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • እናገደደ ዚኸይድ ዘሎ ጽምዋ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • 14 ካብ ጽምዋ ብኸመይ ኢየ ክገላገል ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ንጽምዋ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ተቓለሶ—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
mrt ዓንቀጽ 98
ሓንቲ ዝጐሃየት ጐርዞ ለይቲ ኣብ ቅድሚ ኮምፕዩተራ ኾፍ ኢላ ገጻ ብኣእዳዋ ትሽፍን።

Justin Paget/Stone via Getty Images

ለበዳ ጽምዋ—ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

  • “ዳርጋ ፍርቂ ኻብቶም ኣብ ሕ.መ.ኣ. ዚነብሩ ዓበይቲ ሰባት ብጽምዋ ይብልዑ ኸም ዘለዉ ይገልጹ እዮም፣ ኣብቶም መንእሰያት ዘበሉ ኸኣ እዚ ዝገደደ እዩ።”—ኣዋር ኢፒደርሚክ ኦቭ ሎንሊንስ ኤንድ ኣይዞሌሽን፦ ዘ ዩ.ኤስ. ሰርጅን ጀነራልስ ኣድቫይዘሪ ኦን ዘ ሂሊንግ ኢፈክትስ ኦፍ ሶሽያል ኮነክሽን ኤንድ ክምዩኒቲ፡ 2023።

  • “[ውድብ ጥዕና ዓለም] ኣብ ማሕበራዊ ርክባት ሓድሽ በዓል መዚ ሸይሙ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንጽምዋ ኸም ህጹጽ ናይ ጥዕና ጸገም ገይሩ ብምርኣይ፡ ኵሉ ዓይነት ደረጃ ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ንማሕበራዊ ርክባት ቀዳምነት ንምሃብን ነዚ ጸገም ዚኸውን ፍታሕ ንምቅልጣፍን እዩ።”—ውድብ ጥዕና ዓለም፡ 15 ሕዳር 2023።

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ሰባት ጽቡቕ ርክብ ንምምዕባል ዜኽእል ግብራዊ ምኽሪ ይህበና እዩ።

ሓጋዚ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

ካብ ሰብ ዚፈልየካ ንጥፈታት ነኪ። እምብዛ ማሕበራዊ መራኸቢ ምጥቃም፡ ሓደ ኻብዚ ጸገም ዚፈጥር ንጥፈታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስ ሰባት ብኣካል እትራኸበሉ፡ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ እውን እተጥርየሉ ኣጋጣሚታት ርኸብ።

  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

ንሰብ እትሕግዘሉ ኣጋጣሚታት ርኸብ። ንሰብ ሰናይ ምግባር፡ ንርክባትካ ኣብ ርእሲ ምድልዳሉ፡ ንዓኻ እውን ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ይገብር እዩ።

  • ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ብኸመይ ጽቡቕ ዕርክነት ከም እትምስርት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓጋዚ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ወብሳይትና ዳህስስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ