ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ
ፍትሕ ኣብ ውሉዳት እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧
ገሊኦም ምስምማዕ ዝሰኣኑ ሰብ ሓዳር፡ ደቆም ኣብ ቈየቛ ዝመልኣ ቤት ካብ ዚዓብዩ ፍትሕ ከም ዚሓይሽ ይሓስቡ። እቲ ሓቂ ግና ከምኡ ድዩ፧
ፍትሕ ኣብ ቈልዑ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧
መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ ፍትሕ ኣብ ውሉዳት ሕማቕ ሳዕቤን ኣለዎ። ወለዶም እተፋትሑ ቘልዑ፦
ቍጥዓ፡ ጓሂ፡ ሕዱር ጭንቀት ኬጋጥሞም ይኽእል
ሕማቕ ባህርያት ኬማዕብሉ ይኽእሉ
ትምህርቲ ኺሓምቁ ወይ ኬቋርጹ ይኽእሉ
ንሕማም ኪቃልዑ ይኽእሉ
ብተወሳኺ ብዙሓት ቈልዑ ጠንቂ እቲ ፍትሕ ንሳቶም ከም ዝዀኑ ወይ እቲ ፍትሕ ከየጋጥም ኪከላኸሉ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም ንነብሶም ይወቕሱ እዮም።
ወለዶም እተፋትሑ ውሉዳት፡ ምስ ዓበዩ እውን ከይተረፈ ኸም ዘይረብሑ ዀይኑ ኺስምዖምን ንኻልኦት ምእማን ኪኸብዶምን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ንሳቶም እውን ሓዳር ምስ መስረቱ፡ ኣብ ሓዳሮም ጸገማት ምስ ዜጋጥሞም ንፍትሕ ከም ኣማራጺ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ገሊኦም ሰባት ፍትሕ ንደቆም ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሮም ዚሓስቡ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ብዛዕባ እዚ እተገብረ መጽናዕትታት ግና ነዚ ዚድግፍ ኣይኰነን። ክኢላ ኽንክን ቈልዑ ዝዀነት ፐነሎፐ ሊች፡a “ፍትሕ ህይወት ቈልዑ ኼበላሹ ይኽእል እዩ” ኢላ ጽሒፋ ኣላ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4።
እንተ ተፋቲሐ ውሉደይ ብሓቂ ሕጉስ ኪኸውን ድዩ፧
ገሊኦም ሰባት እወ ይብሉ ይዀኑ። እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ድሌት ወለድን ውሉዳትን ማዕረ ኸም ዘይኰነ ዘክር። እቲ ኺፋታሕ ዚሓስብ ዘሎ ሰብ ሓድሽ ህይወት ኪጅምር ይደሊ ይኸውን። እቲ ውሉድ ግና መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ብሓደ ኺነብሩ እዩ ዚደሊ።
ነታ ዘ ኣንኤክስፐክትድ ለጋሲ ኦፍ ዲቮርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፍኣ ደረስቲ፡ ኣብ ብዙሕ ፍትሓት ምርምር ድሕሪ ምግባረን፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢለን ኣለዋ፦ “እቲ ሓሳብ ንጹር እዩ፡ እቶም ውሉዳት ሕጉሳት ከም ዘይኰኑ እዮም ዚዛረቡ። የግዳስ፡ ብጓሂ ኸምዚ ይብሉ፡ ‘እታ ወለደይ እተፋትሑላ መዓልቲ፡ ንእስነተይ ዘብቃዓትላ መዓልቲ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ።’” እታ መጽሓፍ ቀጺላ “ኣብ ህይወቶም እቲ ዝዓበየ ርክብ ኪብተኽ ስለ ዝረኣዩ፡ ዓለም ትውክልቲ ዘይግበራን ዘይውሕስትን ከም ዝዀነት ይስምዖም” ትብል።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ውሉዳት ወለዶም ምስ ዚፋትሑ ይጕህዩ እዮም።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ስቡር መንፈስ . . . ብርታዐ ይጽንቅቕ።”—ምሳሌ 17:22።
ተፋቲሕካ ውሉዳት ብዛዕባ ምዕባይ ኪፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ፧
ገሊኦም እተፋትሑ ወለዲ፡ ልክዕ ከምቲ ብሓደ ኸለዉ ዚገብርዎ ዝነበሩ ንደቆም ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡሎም ይጽዕሩ እዮም። ይኹን እምበር፡ ተፋቲሕካ ኽነስኻ ብሓባር ውሉዳት ምዕባይ በዳሂ እዩ። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ እተፋትሑ ወለዲ፦
ምስ ደቆም ብዙሕ ግዜ ኣየሕልፉን
ንደቆም ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ መምርሒታት ይህብዎም
ድኻም ወይ ጣዕሳ ስለ ዚስምዖም ንደቆም ከም ቃሕ ዝበሎም ኪገብሩ ይሓድግዎም
ሓደ ወለዱ እተፋትሑ ቘልዓ፡ መምርሒ ወለዱ ኺስዕብ ግዴታ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ስለምንታይሲ፡ ወለዱ ቕኑዕ ነገር ኪገብሩ፡ ንኣብነት፡ እቲ ብሓደ ኺነብሩ ዝኣተውዎ ቓል ኪሕልዉ ኣይረኣዮምን። በዚ ኸምዚ፡ ‘እሞ ደኣ ስለምንታይ እየ ዚሰምዖም፧’ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ተፋቲሕካ ኽነስኻ ብሓባር ውሉዳት ምዕባይ ንወለዲ በዳሂ እዩ። ንውሉዳት እሞ ኸኣ ዝበኣሰ እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጹ፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።”—ቈሎሴ 3:21፡ እግረ ጽሑፍ።
ዝሓሸ ኣማራጺ ይህሉዶ ይኸውን፧
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሰብ ሓዳር ድሕሪ ፍትሕ ንዚህልዎም ህይወት ንምልማድ ብዙሕ ይጽዕሩ እዮም፣ እንተዀነ ግና፡ ሓዳሮም ንምዕቃብ ጻዕሪ እንተ ዚገብሩ ዝሓሸ ምዀነ ነይሩ። ዘ ኬዝ ፎር መሬጅ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ ትብል፦ “ሕማቕ ሓዳር ኣይመሓየሽን ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ሕጉስ ሓዳር ዘይነበሮም መጻምድቲ ኣብ ሓዳሮም ጸኒዖም ስለ ዝቐጸሉ ምስ ግዜ ኣዝዮም ሕጉሳት ዀይኖም እዮም።” ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ንውሉዳት ዝሓሸ ዚኸውን ወለዶም ብሓደ ምስ ዚነብሩ እዩ።
እዚ ማለት ግን ፈጺምካ ኽትፋታሕ የብልካን ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንፍትሕ መሰረት ዚኸውን ምንዝርና ምዃኑ ይሕብር እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ጐራሕ . . . ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን” እውን ይብል እዩ። (ምሳሌ 14:15) ኣብ ሓዳሮም ጸገም ዘለዎም ሰብ ሓዳር፡ ብዛዕባ እቲ ፍትሕ ዜምጽኦ ሳዕቤናት እንተላይ ኣብ ደቆም ዚህልዎ ጽልዋ ኺሓስቡ ኣለዎም።
ልክዕ እዩ፡ ጽቡቕ ሓዳር ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ዚመጽእ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን ሓዳሮም ነባርን ዜሐጕስን ምእንቲ ኪኸውን ኬማዕብልዎ ዚግብኦም ባህርያት ይገልጽ እዩ። መስራቲ ሓዳር እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኸም ምዃኑ መጠን ድማ እዚ ልክዕ እዩ።—ማቴዎስ 19:4-6።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “እቲ ዚጠቕመካ ዚምህረካ፡ . . . ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ እየ።”—ኢሳይያስ 48:17።
a ካብታ ዩር ግሮዊንግ ቻይልድ—ፍሮም ቤቢሁድ ስሩ ኣዶለሰንስ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።