ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ቘልዑ
ኣብ ውሉድካ ዝነበረካ እምነት ምስ ዚጠፍእ
ገሊኦም መንእሰያት፡ ነቲ ወለዶም ዘውጽኡሎም ናይ ሰዓት ገደብ ዕሽሽ ይብልዎ እዮም። ምናልባት ገሊኦም ከኣ ብምሕሳው ወይ ምስ ኣዕሩኾም ግዜ ንምሕላፍ ካብ ገዛ ተሓቢኦም ብምውጻእ ንወለዶም የታልልዎም እዮም። እሞ ደኣ ኣብ ውሉድካ ዝነበረካ እምነት ምስ ዚጠፍእ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ውሉደይ ዓለወኛ ድዩ፧
ከይከውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዕሽነት ኣብ ልቢ መንእሰይ ተኣሲሩ ኣሎ” ይብል። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ህይወት መእሰያት እዚ ሓቂ ምዃኑ የረጋግጽ እዩ። (ምሳሌ 22:15፡ እግረ ጽሑፍ) ዶክተር ላውረንስ ስቴንበርግ ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “መንእሰያት ገሊኡ ውሳነታቶም ብታህዋኽን ብዕሽነትን እዮም ዚገብርዎ። ስለዚ፡ ኪጋገዩ ኸም ዚኽእሉ ተጸበ።”a
ውሉደይ ምስ ዘታልለኒ እንታይ ክገብር እኽእል፧
ውሉድካ ዀነ ኢሉ ኺእዘዘካ ኸም ዘይደሊ ጌርካ ኣይትደምድም። መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ መንእሰያት ግዲ ዘይብሎም መሲሎም እኳ እንተ ተራእዩ፡ ብዛዕባ እቲ ወለዶም ኣብኦም ዘለዎም ኣረኣእያ ግና የገድሶም እዩ። ውሉድካ ዋላ እኳ ስምዒቱ ኣየርኢ፡ ምናልባት በቲ ዝገበሮ ጕህዩ ወይ ንዓኻ ስለ ዘጕሃየካ ተጨኒቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።b
ዓጽሚ ምስ ዚስበር ኪጽገንን ናብ ዝነበሮ ኺምለስን ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ እውን ዝጠፍአ እምነት ዳግማይ ኪምለስ ይኽእል እዩ።
ተሓታቲ ዚኸውን መን እዩ፧
ተጸልዩዶ ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የበላሽዎ እዩ።” (1 ቈረንቶስ 15:33) እወ፡ ኣዕሩኽ ኣብ መንእሰያት ብርቱዕ ጽልዋ የሕድሩ እዮም። ከም ማሕበራዊ መራኸብን መዋዓውዕን ዝኣመሰለ ነገራት እውን ጽልዋ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ መንእሰያት ዘይምኩራት ስለ ዝዀኑ ዘይጥበባዊ ውሳነ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። መንእሰያት ሳዕቤን ውሳነኦም ኪቕበሉ እንተ ተማሂሮም፡ ኣብ መጻኢ ብሱላት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ናተይ ጌጋዶ ይኸውን፧ ‘ውሉደይ ሕማቕ ጠባይ ኪህልዎ ዝኸኣለ ኣመና ተሪር ብምዃነይዶ ይኸውን፧ ወይ ፋሉል ዝዀነ ኣመና ምስኪን ብምዃነይዶ ይኸውን፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ዝሓለፈ ነገራት ኣብ ክንዲ እትጭነቕ፡ ሕጂ ንውሉድካ ብኸመይ ክትሕግዞ ኸም እትኽእል ሕሰብ።
ንውሉደይ ዳግማይ ንኽኣምኖ ብኸመይ ክሕግዞ እኽእል፧
ንግብረ መልስኻ ተቘጻጸሮ። ውሉድካ ኽትቝጥዖ ኸም እትኽእል ይጽበ ይኸውን። ንስኻ ግና፡ ከይተቘጣዕካ ሃዲእካ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝገበረ ኣመያይጦ። ነቲ ነገር ንምፍታኑ ህንጥዮት ሓዲርዎ፡ ሰልክይዎ፡ ጸምይዎ ወይ ኣዕሩኽ ስኢኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ጌጋ ንምግባር ምኽንያት ኣይከውንን እዩ። ከምዚ ኢልካ ምሕሳብካ ግና፡ ነቲ ነገር ኪገብሮ ዝደረኾ እንታይ ምዃኑ ኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ይኹን።”—ያእቆብ 1:19።
ውሉድካ ኻብ ጌጋኡ ትምህርቲ ኽረክብ ሓግዞ። ንኣብነት ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ኽትሓትቶ ትኽእል ኢኻ፦ ካብ ጌጋኻ እንታይ ተማሂርካ፧ ኣብ መጻኢ ኸምዚ እንተ ዜጋጥመካ ኻብዚ ብእተፈልየ መገዲ ብኸመይ ምሓዝካዮ፧ ከምዚ ዓይነት ሕቶታት ምሕታትካ ውሉድካ ናይ ምምዝዛን ክእለቱ ኼማዕብል ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ብዅሉ ዓቕልን ጥበብ ኣመሃህራን ከኣ ግናሕ፡ ውቐስ፡ ምዓድ።”—2 ጢሞቴዎስ 4:2።
ሳዕቤናት ተግባራቱ ኺርዳእ ሓግዞ። ከምዚ ምግባርካ ድማ ውሉዳትካ ኻብ ጌጋኦም ኺምሃሩ ይሕግዞም እዩ። ንኣብነት፡ ውሉድካ ማኪናኻ ብዘይ ፍቓድካ ብምውሳዱ ኣብኡ ዝነበረካ እምነት እንተ ኣጥፊእካ፡ ንእተወሰነ ግዜ ማኪና ኸይዝውር ክትክልክሎ ትኽእል ኢኻ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።”—ገላትያ 6:7።
ዳግማይ ክትኣምኖ ጽዓር። ሓቂ እዩ፡ እዚ ብቕጽበት ዚመጽእ ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ውሉድካ ምስ ግዜ፡ ዝጠፍአ እምነት ክምለስ ከም ዚኽእል ኪፈልጥ ኣለዎ። ዳግማይ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ኣረጋግጸሉ። እንተ ዘይኰይኑ ግና፡ ተስፋ ኪቘርጽ ይኽእል እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡ ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።”—ቈሎሴ 3:21።
a ካብታ ዩ ኤንድ ዩር ኣዶለሰንት ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።
b ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ እኳ እንተ ጠቐስናዮ፡ እቲ ሓሳብ ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።