ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 184
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንሓዳር ብዚምልከት መለክዒታት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧
  • ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕንከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል፧
  • መርዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብሕጋዊ መገዲ ኺምዝገብ የድልዮ ድዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተራን ሓላፍነትን እዩ ዚህቦም፧
  • ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ትጽቢት ይገብረሎም ድዩ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳረይ ብኸመይ ይሕግዘኒ፧
  • ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ህነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንመርዓኹም ነባሪ ማእሰር ግበርዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 184
ሰብኣይን ሰበይትን ቍርሶም እናበልዑ ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ብሓዳር ጸሚድዎም እዩ። ንሓዳር ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍሉይ ማእሰር ገይሩ እዩ ኣቚምዎ። እዚ ኸኣ፡ ንዕኦምን ኣብ መጻኢ ንዚውለዱ ደቆምን እተረጋግአ ህይወት ኪህልዎም መሰረት ዚኸውን እዩ።—ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:18።

ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ኪሕጐሱ እዩ ዚደልዮም። (ምሳሌ 5:18) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ሓዳር ዕዉት ኪኸውን ዚሕግዝ መለክዒታትን ስርዓታትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ንሓዳር ብዚምልከት መለክዒታት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

  • ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕንከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

  • መርዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብሕጋዊ መገዲ ኺምዝገብ የድልዮ ድዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተራን ሓላፍነትን እዩ ዚህቦም፧

  • ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ትጽቢት ይገብረሎም ድዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳረይ ብኸመይ ይሕግዘኒ፧

  • ብዛዕባ ሓዳር ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሓዳር ብዚምልከት መለክዒታት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንመውስቦ ናይ ሓደ ሰብኣይን ናይ ሓንቲ ሰበይትን ጥምረት ገይሩ እዩ ኣቚምዎ። (ዘፍጥረት 2:24) ድርብ መውስቦ ዀነ ግብረ ሶዶም ወይ እውን ሰብኣይን ሰበይትን ቃል ኪዳን ከይኣሰሩ ተኣኻኺቦም ኪነብሩ ኣየፍቅድን እዩ። (1 ቈረንቶስ 6:9፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ዘውጽኦ መለክዒታት መውስቦ ኺእዘዝዎ ምሂርዎም እዩ።—ማርቆስ 10:6-8።

ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ፡ መውስቦ ነባሪ ጥምረት እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪምርዓዉ ኸለዉ፡ ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑን ብህይወቶም ክሳዕ ዘለዉ ኸኣ ብሓደ ኺነብሩን ቃል ይኣትዉ። ኣምላኽ ነቲ ዝኣተውዎ ቓል ኪሕልዉ እዩ ትጽቢት ዚገብረሎም።—ማርቆስ 10:9።

ብዛዕባ ምፍልላይን ፍትሕንከ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል፧

ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ንሓድሕዶም ኪፈላለዩሉ ዚኽእሉ ዅነታት ኪፍጠር ይከኣል እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኻብቶም መጻምድቲ፡ ምስ ቤተ ሰብ እተተሓሓዘ ኣገዳሲ ጕዳያት ስለ ዘጋጠሞ ኺገይሽ የድልዮ ይኸውን። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሓዳር ብዜጋጥም ጸገማት ምኽንያት ጌርካ ምፍልላይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይድግፎን እዩ። ኣብ ክንዳኡ፡ መጻምድቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኬጋጥሞም ከሎ፡ ንዕርቂ ኺጽዕሩ ይላቦ።—1 ቈረንቶስ 7:10።

ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል እንኮ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ዝሙት ጥራይ እዩ። (ማቴዎስ 19:9) ስለዚ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይካ ብዝሙት፡ ኪፈላለዩ ወይ ኪፋትሑ እንተ ወሲኖም፡ ዋላ ሓደ ኻብኦም ወረዘ ኺገብርን እንደገና ኺምርዖን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይፈቅድን እዩ።—ማቴዎስ 5:32፣ 1 ቈረንቶስ 7:11።

መርዓ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኺረክብ ብሕጋዊ መገዲ ኺምዝገብ የድልዮ ድዩ፧

ኣምላኽ ንክርስትያናት ነቲ መንግስትታት ብዛዕባ መውስቦ ዘውጽኣኦ ሕግታት ኪእዘዙ ይጽበዮም እዩ። (ቲቶስ 3:1) ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ መጻምድቲ፡ መርዓኦም ብሕጋዊ ኺምዝግብዎ ይግባእ። ከምዚ ምግባሮም ከኣ፡ ንሰበ ስልጣንን ነቲ ኣምላኽ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን ዘውጽኦ መለክዒታትን ኣኽብሮት ከም ዘለዎም የርእዩ።a

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ተራን ሓላፍነትን እዩ ዚህቦም፧

  • ሓባራዊ ሓላፍነታት። ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ምክብባርን ኪህልዎም ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:33) ምስ ጾታዊ ድሌቶም እተተሓሓዘ ነፍሲ ወከፎም ብፍቕራዊ መገዲ ኺተሓላለዩ፡ ዘይተኣማንነት ዚብሃል እውን ፈጺሞም ኬርሕቑ ኣለዎም። (1 ቈረንቶስ 7:3፣ እብራውያን 13:4) ውሉዳት እንተ ኣልዮምዎም፡ ሰብኣይን ሰበይትን ቈልዑ ናይ ምዕባይ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣለዎም።—ምሳሌ 6:20።

    ሓንቲ ኣደ ንጓላ ናይ ትምህርቲ ዕዮ ገዛ ክትሕግዛ ኸላ፡ እቲ ኣቦ ሓምሊ ይቕርድድ።

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕን ዕዮ ገዛን ብኸመይ ኪማቐልዎ ኸም ዘለዎም ብዝርዝር ኣይገልጽን እዩ። ስለዚ፡ ብሓባር ኰይኖም ንስድራ ቤቶም ብዚጥዕም መገዲ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም።

  • ሰብኣይ ዘለዎ ተራ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቱ እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:23) ርእሲ ኺበሃል ከሎ፡ ንስድራ ቤቱ ኺመርሕ፡ ንብዓልቲ ቤቱን ንደቁን ዚጠቅም ውሳነ ድማ ኪገብር ሓላፍነት ኣለዎ ማለት እዩ።

    ሰብኣይን ሰበይትን ሻሂ እናሰተዩ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቢሮም የንብቡ።

    ንስድራ ቤቱ ብኣካላውን ስምዒታውን መንፈሳውን መዳይ ዜድልዮም ነገራት ኬማልእ ኪጽዕር ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ምስ ብዓልቲ ቤቱ ሓቢሩ ብምዕያይ፡ ንባህርያታን ክእለታን ዘለዎ ኣኽብሮት የርኢ። ውሳነታት ኪገብር ከሎ ድማ፡ ንርእይቶኣን ስምዒታን ተጠንቂቑ ኣብ ግምት የእቱ እዩ። (ምሳሌ 31:11, 28) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብኣይ ንሓላፍነቱ፡ ብፍቕራዊ መገዲ ኺዓይየሉ ኸም ዘለዎ ይነግረና እዩ።—ቈሎሴ 3:19።

  • ሰበይቲ ዘለዋ ተራ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሰበይቲ . . . ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ” ብምባል ይገልጽ እዩ። (ኤፌሶን 5:33) ኣምላኽ ነቲ ንሰብኣይ እተዋህበ ሓላፍነት፡ ሰበይቲ ኸተኽብረሉ ኸላ ይሕጐስ እዩ።

    ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ኣታዊታቶምን ወጻኢታቶምን ይመያየጡ።

    ሰበይቲ ዘለዋ ተራ፡ ንሰብኣያ ጽቡቕ ውሳነታት ኣብ ምግባር ክትሕግዞን ንርእስነቱ ኽትድግፎን እዩ። (ዘፍጥረት 2:18) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳራ ንዘለዋ ተራ ብትግሃት እትዓምም ሰበይቲ ይንእዳ እዩ።—ምሳሌ 31:10።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ኣምላኽ ንሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ትጽቢት ይገብረሎም ድዩ፧

ኣይፋልን። ብግዜ ጥንቲ፡ ኣምላኽ ንገለ ኻብ ኣምለኽቱ ውሉዳት ኪወልዱ ኣዚዝዎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 9:1) እዚ መምርሒ እዚ ግና፡ ንክርስትያናት ኣይምልከቶምን እዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ውሉዳት ኪወልዱ ፈጺሙ ኣዚዝዎም ኣይፈልጥን እዩ። እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ እውን እንተዀኑ፡ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ውሉዳት ኪወልዱ ኣለዎም ኢሎም ኣይፈልጡን እዮም። ሰብ ሓዳር፡ ውሉዳት ኪወልዱ ወይ ከይወልዱ ዚውስኑ ባዕላቶም እዮም።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳረይ ብኸመይ ይሕግዘኒ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብ ሓዳር፡ ሓዳሮም ብጽቡቕ ኪጅምሩ ዚሕግዞም ስርዓታት ዝሓዘ እዩ። ብተወሳኺ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ ሓዳር ዜጋጥሞም ጸገማት ኬወግዱ ወይ ኬሰንፉ ይሕግዞም እዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰብ ሓዳር በዚ ዚስዕብ መዳያት ይሕግዞም እዩ፦

  • ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኼርእዩ።—1 ቈረንቶስ 13:4-7፣ ቈሎሴ 3:14።

  • ዘይምርድዳእ ኬወግዱ።—1 ቈረንቶስ 10:24።

  • ንፉዓት ሰማዕቲ ኪዀኑ።—ያእቆብ 1:19።

  • ኣኽብሮት ኬርእዩ።—ሮሜ 12:10።

  • ይቕረ በሃልቲ ኪዀኑ።—1 ጴጥሮስ 4:8።

  • እሙናት ኪዀኑ።—ማርቆስ 10:9።

  • ዓቃላት ኪዀኑ።—ኤፌሶን 4:2, 3።

  • ሓቢሮም ኪዓይዩ።—መክብብ 4:9።

  • ኣብ ቃሎም ኪጸንዑ።—መሃልየ መሃልይ 8:7።

a መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህላዊ ወይ ቀቢላዊ መርዓ ብዚምልከት ዘለዎ ርእይቶ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 21፡ ሕጡብ ጽሑፍ 12 ርአ።

ብዛዕባ ሓዳር ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ምሳሌ 18:22፦ “ሕያወይቲ ሰበይቲ ዚረክብ፡ ጽቡቕ ይረክብ።”

ትርጉሙ፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሓዳር ሰናይ ምዃኑ ይዛረብ።

ሚልክያስ 2:15፦ “ሓደ እኳ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣይጥለም።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳር ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሖም እውን ከይተረፈ፡ ኣብ ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑን ኪከባበሩን ይደልዮም እዩ።

ማርቆስ 10:9፦ “ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ።”

ትርጉሙ፦ ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሓዋሩ መጻምድቲ ኪዀኑ እዩ ፈጢርዎም።

እብራውያን 13:4፦ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር . . . ይኹን።”

ትርጉሙ፦ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓዳሮም ኣኽቢሮም ኪርእይዎን ንምሕላዉ ኸኣ ኣበርቲዖም ኪጽዕሩን ይግብኦም።

1 ቈረንቶስ 7:28፦ “[እቶም ዚምርዓዉ] ግና ኣብ ስጋኦም ጸበባ ይህልዎም እዩ።”

ትርጉሙ፦ ፍጹም ሓዳር ስለ ዘየለ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ዜጋጥሞም ብድሆታት ንምስናፍ ሓቢሮም ኪዓይዩ ኣለዎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ