ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 183
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ዓርኪ ዜብሎ እንታይ እዩ፧
  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት ጽቡቕ ዕርክነት ኣሎ፧
  • ሓደ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእልዶ፧
  • ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ምሳሌ 17:17—“ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር”
    መብርሂ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ነባሪ ዕርክነት ከተስተማቕር ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ኣዕሩኽ ሕረ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 183
ኣብ እተፈላለየ ዕድመ ዚርከቡ ኣዕሩኽ ሓዊ ኣጒዶም ይስሕኑ። ሓደ ኻባታቶም ድማ ጊታር ይጻወት።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዕርክነት፡ ሕጉስን ዕዉትን ህይወት ኪህልወካ ኣስተዋጽኦ ኺገብር ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ፡ ኣብ ንሓድሕዶም ጽቡቕ ጽልዋ ኼሕድሩን ኪበራትዑን ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 27:17።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ከም ዘሎና የጕልሕ እዩ። ሕማቕ ዕርክነት ብዛዕባ ኼስዕቦ ዚኽእል ጕድኣት እውን የጠንቅቐና እዩ። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ከምዚኦም ዓይነት ኣዕሩኽ ንሓደ ሰብ ሕማቕ ውሳነ ኺገብር ኪጸልውዎ ይኽእሉ እዮም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ነቲ ዝነበሮ ሰናይ ባህርያት ከም ዜጥፍእ ኪገብርዎ ይኽእሉ እዮም።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ዓርኪ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት ጽቡቕ ዕርክነት ኣሎ፧

  • ሓደ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእልዶ፧

  • ብዛዕባ ዕርክነት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሓደ ሰብ ጽቡቕ ዓርኪ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ኣብ ተመሳሳሊ ድሌታት ምህላው ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝያዳ ዕምቈት ዘለዎ ርክብ እተመርኰሰ ኸም ዝዀነ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 119:63፡ “ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻንa እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ” ትብል። እቲ ጸሓፊ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ፡ እቶም ንሱ ዝመረጾም ኣዕሩኽ ንኣምላኽ ከየጕህይዎ ዚፈርሁን ብስርዓታት ኣምላኽ ዚመላለሱን ከም ዝነበሩ ኣስተብህል።

ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥዑያት ኣዕሩኽ እንታይ ባህርያት ኪህልዎም ከም ዚግባእ የጕልሕ እዩ። ንኣብነት፦

  • “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

  • “ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”—ምሳሌ 18:24።

እዚ ጥቕስታት እዚ፡ ጥዑይ ዓርኪ እሙንን ፈቃርን ለዋህን ለጋስን ምዃኑ እዩ ዚምህረና። ናይ ሓቂ ዓርኪ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኪሕግዘና ምዃኑ እንተኣማመነሉ ሰብ እዩ። ናይ ሓቂ ዓርኪ ናብ ግጉይ መገዲ ኽንከይድ ከለና ወይ እውን ሕማቕ ውሳነ ኽንገብር ክንድረኽ ከለና ብትብዓት ዚመኽረና ሰብ እዩ።—ምሳሌ 27:6, 9።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣብነት ጽቡቕ ዕርክነት ኣሎ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ እተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታን ባህልን ስልጣንን ብዛዕባ ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት ዚገልጽ ኣብነታት ጽቡቕ ዕርክነት ዝሓዘ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ኣብነት ዕርክነት ንርአ።

  • ሩትን ናእሚን። ሩት ንናእሚ ሰበይቲ ወዳ እያ ነይራ፣ ኣብ መንጎአን ከኣ ዓብዪ ናይ ዕድመ ፍልልይ ነይሩ እዩ። ናይ ባህሊ ፍልልይ እውን ነይርወን እዩ። ፍልልያተን ብዘየገድስ ግና፡ ጥቡቕ ምሕዝነት ኪምስርታ ኽኢለን እየን።—ሩት 1:16።

  • ዳዊትን ዮናታንን። ሽሕ እኳ ዮናታን ካብ ዳዊት ብ30 ዓመት ዚዓቢ እንተ ነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዳዊትን ዮናታንን “ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ” ከም ዝነበሩ ይዛረብ እዩ።—1 ሳሙኤል 18:1።

  • የሱስን ሃዋርያቱን። የሱስ ንሃዋርያቱ መምህሮምን ጐይታኦምን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ነይርዎ እዩ። (ዮሃንስ 13:13) ይኹን እምበር፡ ምስኡ ዕርክነት ኪምስርቱ ኸም ዘይበቕዑ ገይሩ ኣይረኣዮምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስቶም ንትምህርትታቱ ዚስዕቡ ዝጠበቐ ዕርክነት ነይርዎ እዩ። “ኵሉ እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ስለ ዘፍለጥኩኹም፡ ኣዕሩኸይ ኢለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም።—ዮሃንስ 15:14, 15።

ሓደ ሰብ ዓርኪ ኣምላኽ ኪኸውን ይኽእልዶ፧

እወ፡ ደቂ ሰብ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 3:32) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣምላኽ ምስቶም ልዙባትን ቅኑዓትን ኣኽብሮት ዘለዎምን ብስርዓታቱ ኺነብሩ ኣበርቲዖም ዚጽዕሩን ሰባት እዩ ዚተዓራረኽ። ንኣብነት፡ እቲ እሙን ዝነበረ ኣብርሃም፡ ዓርኪ ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍሉይ ተጠቒሱ ኣሎ።—2 ዜና መዋእል 20:7፣ ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:23።

a ኣብዛ መዝሙር፡ “ዚፈርሁኻ” ተባሂሉ ዘሎ ንኣምላኽ እዩ ዜመልክት።

ብዛዕባ ዕርክነት ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

መዝሙር 119:63፦ “ኣነ ፈታው ኵሎም እቶም ዚፈርሁኻን እቶም ትእዛዛትካ ዚሕልዉን እየ።”

ትርጉሙ፦ ዕርክነት፡ በቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ብስርዓታቱ ኽንመላለስ ዘሎና ድሌትን ኪህነጽ ኣለዎ።

ምሳሌ 3:32፦ “የሆዋስb ንጠዋይ ይፍንፍኖ እዩ፣ ናይ ቀረባ ዕርክነቱ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።”

ትርጉሙ፦ እቶም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ኪህልዎም ዚደልዩ ሰባት፡ ቅኑዓትን ብሰነ ምግባራዊ ንጽህና ኪመላለሱ ዚደልዩን ኪዀኑ ኣለዎም።

ምሳሌ 13:20፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።”

ትርጉሙ፦ ኣዕሩኽ ብኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ መገዲ ጽልዋ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ምሳሌ 17:17፦፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”

ትርጉሙ፦ ናይ ሓቂ ፈተውቲ፡ ኣብ ግዜ ራህዋን ጸበባን ኣብ ጐድንኻ እዮም ደው ዚብሉ።

ምሳሌ 18:24፦፡ “ንሓድሕዶም ክፉእ ዚጋበሩ ብጾት ኣለዉ፣ ግናኸ፡ ካብ ሓው ኣብሊጹ ዚለግብ ፈታዊ ኣሎ።”

ትርጉሙ፦ ናይ ሓቂ ዓርኪ ተበላጺ ኣይኰንን። እኳ ደኣስ፡ እሙንን ሓቀኛን ፈቃርን እዩ።

ምሳሌ 27:6፦፡ “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፣ ናይ ጸላኢ ምስዓም ግና ብዙሕ እዩ።”

ትርጉሙ፦ ናይ ሓቂ ዓርኪ፡ ክትጋገ ኸለኻ ኸይተሰከፈ እዩ ዚእርመካ።

ምሳሌ 27:17፦፡ “ከምቲ ሓጺን ንሓጺን ዚስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንፈታዊኡ ይስሕሎ።”

ትርጉሙ፦ ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንሓድሕዶም ይሰሓሓሉ እዮም።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ