ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 179
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ይብል፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ምፍዳይ ሕነ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧
  • ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚቐጽዕ፧
  • ሕነ ኸይፈዲ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧
  • ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ ዘሎ ግጉይ ርድኢት
  • ክትብደል ከለኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • 2 | ሕነ ኣይትፍደ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2022
  • መእተዊ 7ይ ክፋል
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • “ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ” እንታይ ማለት እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 179
ሓንቲ ሰበይቲ ሕነ ኽትፈዲ ትህቅን።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ሓደ ሰብ፡ ሕነ ኺፈዲ እኹል ምኽንያት ዘለዎ ዀይኑ ይስምዖ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “‘ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ እየ፣ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ’ ኣይትበል” ብምባል እዩ ዚመክር። (ምሳሌ 24:29) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ፡ ንሓያሎ ሰባት ሕነ ኸይፈድዩ ሓጊዝዎም እዩ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ምፍዳይ ሕነ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

  • ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚቐጽዕ፧

  • ሕነ ኸይፈዲ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧

  • ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ምፍዳይ ሕነ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

ሓደ ሰብ እንተ በዲሉካ ወይ እንተ ጐዲኡካ፡ ክትቍጣዕን እቲ ሰብ ናይ ኢዱ ኺረክብ ክትምነን ባህርያዊ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ምፍዳይ ሕነ ምስ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረር እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧

ሰባት ብኢደ ዋኒኖም ሕነ ኺፈድዩ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ይጕሂ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋa ኣምላኽ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ኢሉ ኣሎ። (ሮሜ 12:19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተበደሉ ሰባት፡ ሕነ ኣብ ክንዲ ዚፈድዩ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ጕዳዮም ብሰላማዊ መገዲ ኼደቅሱ የተባብዕ እዩ። (ሮሜ 12:18) ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ነቲ ጕዳይ ብሰላማዊ መገዲ ኼደቅሶ ዚከኣሎ ጽዒሩ እንተ ዘይኰይንሉ፡ ወይ ከምኡ ኺገብረሉ ዚኽእል መገዲ እንተ ዘየለኸ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሆዋ ንዅሉ ዘይፍትሓዊ ነገራት ከም ዜዐርዮ ኽንተኣማመን ይላበወና እዩ።—መዝሙር 42:10, 11።

ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚቐጽዕ፧

ንግዜኡ፡ ሰበ ስልጣን ንበደልቲ ኪቐጽዑ ኣምላኽ ፈቒዱሎም ኣሎ። (ሮሜ 13:1-4) ኣብ ግዜኡ ግና፡ ኣምላኽ ንእኩያት ኪፈርዶም፣ ንመከራ ኸኣ ንሓዋሩ ኼወግዶ እዩ።—ኢሳይያስ 11:4።

ሕነ ኸይፈዲ እንታይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧

  • ብስምዒት ተደሪኽካ ስጕምቲ ኣይትውሰድ። (ምሳሌ 17:27) ቀልጢፎም ዚቝጥዑ ሰባት፡ ጸኒሑ ዜጣዕሶም ነገር ይገብሩ እዮም። እቶም ስምዒቶም ብህድኣት ዚቈጻጸሩ ግና፡ ዝሓሸ ውሳነ እዮም ዚገብሩ።—ምሳሌ 29:11።

  • ምኽንያቱ ኽትፈልጥ ጽዓር። (ምሳሌ 18:13) ሓደ እተበደለ ሰብ፡ ንርእሱ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ እንተ ሓቲቱ ኺጠቕሞ ይኽእል እዩ፦ ‘እቲ በዳሊ፡ ከምኡ ዝገበረሉ ምኽንያት ይህልዎዶ ዀን ይኸውን፧ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ነይሩዶ ይኸውን፧ ወይስ ብዘይፍላጥ እዩ ገይርዎ፧’ ሓድሓደ ግዜ፡ ደይ መደይ ኢልካ እተገብረ ዚመስል ነገራት፡ ብግርህነት እተገብረ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ ምፍዳይ ሕነ ዘሎ ግጉይ ርድኢት

ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ” ብምባል ምፍዳይ ሕነ የተባብዕ እዩ።—ዘሌዋውያን 24:20፡ ትርጉም 1956።

ሓቂ፦ እዚ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ፡ “ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ” ዚብል ሕጊ፡ ሰባት ብኢደ ዋኒኖም ሕነ ኺፈድዩ ዜተባብዕ ዘይኰነስ፡ ንደያኑ ግቡእ መቕጻዕቲ ኺህቡ ዚሕግዞም እዩ ነይሩ።b—ዘዳግም 19:15-21።

ግጉይ ርድኢት፦ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕነ ኺንፈዲ ስለ ዘይፈቅድ፡ ክንጥቃዕ ከለና ንርእስና ኽንከላኸለላ ኣይንኽእልን ኢና።

ሓቂ፦ ሓደ ሰብ እንተ ተጠቒዑ፡ ንርእሱ ኺከላኸለላ ወይ ካብ ሰበ ስልጣን ሓገዝ ኪሓትት መሰል ኣለዎ። እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብእተኻእለ መጠን፡ ካብ ባእሲ ኽንርሕቕ ይመኽረና እዩ።—ምሳሌ 17:14።

a የሆዋ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።

b ብዛዕባ እዚ ሕጊ እዚ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እንተደሊኻ፡ “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ’ እንታይ ማለት እዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ