ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwbq ዓንቀጽ 178
  • ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንዮሃንስ መጥምቕ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧
  • ወለዲ ዮሃንስ መጥምቕ መን እዮም፧
  • ንዮሃንስ መጥምቕ ዘቕተሎ መን እዩ፧
  • ዮሃንስ መጥምቕን የሱስን መቐናቕንቲ ድዮም ነይሮም፧
  • ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ‘ካብኡ ዚዓቢ ሓደ እኳ የልቦን’
    ብትብዓት ምስ ኣምላኽ ተመላለስ
  • ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ መጥምቕ ብሓቂዶ ነይሩ እዩ፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
ዝያዳ ርአ
መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
ijwbq ዓንቀጽ 178
ዮሃንስ መጥምቕ ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ፈለግ የጥምቖ።

ዮሃንስ መጥምቕ መን እዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

ዮሃንስ መጥምቕ ነብዪ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። (ሉቃስ 1:76) ብ2 ቅ.ክ. ተወሊዱ፡ ብ32 ድ.ክ. ከኣ ሞይቱ። ንመሲሕ ወይ ንክርስቶስ መገዲ ኼዳሉ ድማ ብኣምላኽ ተመዚዙ ነይሩ። ንልቢ ብጾቱ ኣይሁድ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኺመልስ፡ መልእኽቲ ኣምላኽ ሰቢኹ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እዩ መዝነቱ ፈጺሙ።—ማርቆስ 1:1-4፣ ሉቃስ 1:13, 16, 17።

መልእኽቲ ዮሃንስ፡ ቅኑዕ ንዝልቦም ሰማዕቲ፡ የሱስ ናዝሬታዊ እቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ ኪቕበሉ ሓጊዝዎም ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 11:10) ዮሃንስ ንሰማዕቱ ኺንስሑን ጥምቀት ንስሓ ኺጥመቑን ተላብይዎም እዩ። (ሉቃስ 3:3-6) ንብዙሓት ሰባት የጠምቕ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ። ካብ ኵሉ እቲ ዮሃንስ ዘጠመቖ ጥምቀት እቲ ዝያዳ ኣገዳሲ፡ ጥምቀት የሱስ እዩ ነይሩ።a—ማርቆስ 1:9።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

  • ንዮሃንስ መጥምቕ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

  • ወለዲ ዮሃንስ መጥምቕ መን እዮም፧

  • ንዮሃንስ መጥምቕ ዘቕተሎ መን እዩ፧

  • ዮሃንስ መጥምቕን የሱስን መቐናቕንቲ ድዮም ነይሮም፧

  • ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሃንስ ዝስሞም ክንደይ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ፧

ንዮሃንስ መጥምቕ ፍሉይ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ዕዮኡ ትንቢት ተነጊሩ ነይሩ፦ ዮሃንስ ነቲ ብዛዕባ ልኡኽ የሆዋ እተነግረ ትንቢት ብዕዮ ስብከቱ ኣቢሉ ፈጺምዎ እዩ። (ሚልክያስ 3:1፣ ማቴዎስ 3:1-3) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋ ብቑዕ ህዝቢ ኣዳልዩሉ እዩ፣ ማለት ንብጾቱ ኣይሁድ፡ መልእኽቲ እቲ ቐንዲ ወኪል የሆዋ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪቕበሉ መገዲ ጸሪጉሎም እዩ።—ሉቃስ 1:17።

ኣብ ህይወቱ ዝዓመሞ፦ የሱስ፡ “ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን፣ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 11:11) ብመሰረት ቃላት የሱስ፡ ዮሃንስ ነብዪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ልኡኽ እውን ስለ ዝዀነ፡ ቅድሚኡ ኻብ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብኡ ዚዓቢ ኣይነበረን። ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይነግስ እውን ሓቢሩ እዩ።b እዚ እሙን ነብዪ እዚ፡ ክርስቶስ ንሰባት ሰማያዊ ህይወት ኪረኽቡ መገዲ ቕድሚ ምኽፋቱ እዩ ሞይቱ። (እብራውያን 10:19, 20) ኰይኑ ግና፡ ዮሃንስ፡ ሓደ ኻብቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ገነት ኣብ እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ኪኸውን እዩ።—መዝሙር 37:29፣ ሉቃስ 23:43።

ወለዲ ዮሃንስ መጥምቕ መን እዮም፧

ወለዲ ዮሃንስ፡ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ዚብሃሉ ሰብ ሓዳር እዮም ነይሮም። ዘካርያስ ኣይሁዳዊ ኻህን እዩ ነይሩ። ውልደት ዮሃንስ ተኣምራዊ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ኣዲኡ መኻን እያ ነይራ። ብዘይካዚ፡ ንሳን ዘካርያስን ብዕድመ ዝደፍኡ እዮም ነይሮም።—ሉቃስ 1:5-7, 13።

ንዮሃንስ መጥምቕ ዘቕተሎ መን እዩ፧

ንጉስ ሄሮድስ ኣንጢጳስ ንዮሃንስ ኣሰየፎ። ነዚ ኸኣ ብድፍኢት ሰበይቱ ሄሮድያዳ እዩ ገይርዎ። ዮሃንስ ነቲ ንርእሱ ኸም ኣይሁዳዊ ገይሩ ዚቘጽራ ዝነበረ ሄሮድስ፡ እቲ ምስ ሄሮድያዳ ዝነበሮ ሓዳር ብሕጊ ኣይሁድ ከም ዘይፍቀድ ይነግሮ ስለ ዝነበረ እያ ሄሮድያዳ ትጸልኦ ነይራ።—ማቴዎስ 14:1-12፣ ማርቆስ 6:16-19።

ዮሃንስ መጥምቕን የሱስን መቐናቕንቲ ድዮም ነይሮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ መቐናቐንቲ ኸም ዝነበሩ ዚውሃብ ርእይቶ ፈጺሙ ኣይድግፎን እዩ። (ዮሃንስ 3:25-30) ከም ሓቂ፡ ዮሃንስ፡ ጸራጊ መገዲ እቲ መሲሕ ደኣ እምበር፡ መቐናቕንቱ ኸም ዘይኰነ ብጋህዲ ተኣሚኑ እዩ። ዮሃንስ፡ “ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግሃድ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጺአ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስኪረ” በለ። (ዮሃንስ 1:26-34) ስለዚ፡ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዚረኽቦ ዝነበረ ኣሳልጦ ኺሰምዕ ከሎ፡ ኣዝዩ እዩ ዚሕጐስ ነይሩ።

a “የሱስ ሓጢኣት ኣይገበረን።” (1 ጴጥሮስ 2:21, 22) ስለዚ፡ የሱስ እተጠምቀ ኺንሳሕ ስለ ዘድለዮ ዘይኰነስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ርእሱ ስለ ዘቕረበ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ምእንታና ህይወቱ ኼሕልፍ እውን ዚሓትት እዩ ነይሩ።—እብራውያን 10:7-10።

b “ናብ ሰማይ ዚኸዱ መን እዮም፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሃንስ ዝስሞም ክንደይ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዮሃንስ ዝስሞም ሓሙሽተ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ።

  1. 1. ዮሃንስ መጥምቕ ወዲ ዘካርያስን ኤልሳቤጥን።—ማርቆስ 1:4፣ ሉቃስ 1:57-60።

  2. 2. ዮሃንስ ኣቦ ሃዋርያ ጴጥሮስ።—ዮሃንስ 1:42።

  3. 3. ሃዋርያ ዮሃንስ፡ “ወዲ ዘብዴዎስ።” (ማቴዎስ 10:2) እዚ ሃዋርያ እዚ፡ ንወንጌል ዮሃንስ፡ ንመልእኽትታት ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ዮሃንስ፡ ከምኡ እውን ንመጽሓፍ ራእይ ጽሒፉ እዩ።

  4. 4. እቲ ንወንጌል ማርቆስ ዝጸሓፈ፡ ማርቆስ እውን ዚብሃል ዮሃንስ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:12።

  5. 5. ዘመድ እቲ ሃና ሊቀ ኻህናት ኪኸውን ዚኽእል ኣይሁዳዊ ገዛኢ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ