ምኽሪ መጽናዕቲ
ሃናጺ ሓሳባት ተዳሎ
ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ፡ በቲ እንህቦ ሓሳባት ኣቢልና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከነተባብዖም ንኽእል ኢና። (እብ. 10:24, 25) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ሃናጺ ሓሳባት ንምሃብ ክንዳሎ እንኽእል፧
ናብ የሆዋ ጸሊ። ንዕኡ ዜኽብሮ፡ ንኻልኦት እውን ዜተባብዕ ሓሳብ ምእንቲ ኽትህብ፡ ካብኡ ሓገዝ ለምን።—መዝ. 35:18።
ካብቲ ጽሑፍ ንምንባብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብናትካ ኣዘራርባ ሓሳብ ንምሃብ ተዳሎ። ብናትካ ኣዘራርባ መልሲ ምስ እትህብ፡ ካልኦት ካብቲ መግለጺ እምነትካ ኺጥቀሙ እዮም።
ሓጺር ሓሳብ ሃብ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓጺርን ቀሊልን ሓሳባት ብዙሕ የተባብዕ እዩ፣ ንኻልኦት ሰባት ድማ ኪሳተፉ ዕድል ይህቦም እዩ።—ምሳ. 10:19።
ኣወንታዊ ሓሳብ ሃብ። በቲ ሓሳብ ጌርካ ነቲ ጉባኤ ወይ ንክርስትያን ብጻይካ ኣይትምከር ወይ ኣይትንቀፍ።
ኣብ ገሊኡ እዋን፡ ሓሳብ ንምሃብ ዕድል እኳ እንተ ዘይረኸብካ፡ ንኻልኦት ግና ክትሃንጾም ትኽእል ኢኻ። ከምኡ ምእንቲ ኽትገብር፡ ጽን ኢልካ ስምዓዮም፣ ስለቲ ሓሳባቶም እውን ንኣዶም።—ምሳ. 10:21።