ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሰነ ገጽ 32
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መግፈፍ ዓሳ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መግፈፍ ዓሳ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ፡ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ተጸውዑ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ናብራ ገፋፍ ዓሳ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ምግፋፍ ዓሳ ኣብ ባሕሪ ገሊላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሰነ ገጽ 32

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ መግፈፍ ዓሳ

ገሊኦም ሰዓብቲ የሱስ ገፈፍቲ ዓሳ እዮም ነይሮም። (ማር. 1:16-20) ኣብ ባሕሪ ገሊላ ኺገፍፉ ኸለዉ፡ መርበብ እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም።

መግፈፍ ዓሳ ብድባራ ጌርካ ዚስራሕ መርበብ እዩ ነይሩ። ስፍሓት እቲ ኣብቲ መርበብ ዘሎ ኸፋት፡ ኣብቲ ግዝፊ እቲ ኺሕዞ ዚድለ ዓሳታት ተመስሪቱ እዩ ዚስራሕ ነይሩ። ንእሽቶ መርበብ ናብ ውሽጢ ምእንቲ ኺሰምጥ ተባሂሉ ዓረር ወይ እምኒ ይእሰረሉ ነይሩ እዩ። ዓብዪ መርበብ ግና ብታሕተዋይ ሸነኹ ምእንቲ ኺሰምጥ ከበድቲ ነገራት ኪእሰረሉ ኸሎ፡ ብላዕለዋይ ሸነኹ ኸኣ ጸምበለል ምእንቲ ኺብል ከም ዕንጨይቲ ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ይእሰረሉ ነይሩ።

መግፈፍ ዓሳ ኽቡር እዩ ነይሩ። በቲ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ዚርከብ ኣኻውሕ ወይ ብኽብደት እቶም ዚትሓዙ ብዙሓት ዓሳታት ይቕደድ ነይሩ እዩ። (ሉቃ. 5:6) ያእቆብን ዮሃንስን ‘መርበቦም የዐርዩ’ ኸም ዝነበሩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ፣ መርበቦም ዜዐርዩ ዝነበሩ ድማ ብመርፍእን ብድባራን ገይሮም ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ። (ማቴ. 4:21) ገፈፍቲ ዓሳ ወወፊሮም ምስ ተመልሱ፡ መርበቦም የዐርዩ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ ኣብ መርበቦም እተጠናነገ ጭቃን ጐሓፍን ንምውጋድ “መርበቦም ይሓጽቡ” ኸም ዝነበሩ ሉቃስ ጠቒሱ ኣሎ። (ሉቃ. 5:2) ድሕሪኡ፡ መርበቦም ምእንቲ ኺነቅጽ ይሰጥሕዎ ነበሩ፣ ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ ድማ ምእንቲ ኸይበላሸዎም ኢሎም ኪዀኑ ኣለዎም።—ህዝ. 47:10።

ዝዀነ ዀይኑ፡ የሱስ ነቶም ኣጠቓቕማ መርበብ ዚፈልጡ ገፈፍቲ ዓሳ እዩ “ገፈፍቲ ሰብ” ኪዀኑ ጻውዒት ዘቕረበሎም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ