27 ሓምለ–2 ነሓሰ 2026
መዝሙር 56 ንሓቂ ኣጥርያ
ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ መንፈሳውነትካ ዓቅብ
“በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።”—ፊል. 3:16።
ኣትኵሮ
ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ መንፈሳውነትካ ንምዕቃብ ዚሕግዘካ ኣርባዕተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ።
1-2. (ሀ) ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ ብቐጻሊ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ (ለ) “ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ” ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ፊልጲ 3:16)
ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ምስ ወድኡ ተወሳኺ ትምህርቲ ኺምሃሩ ወሲኖም እዮም። ከምኡ ምግባር ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኺሕግዞም ዚኽእል ዓይነት ስራሕ ንምርካብ ዜኽእሎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ዓቂብካ ኸም እትቕጽል ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ያእ. 4:8ሀ) ኣብቲ ኣብ ትምህርቲ ዝጸናሕካሉ ዓመታት፡ እተፈላለየ ናይ እምነት ፈተናታት ከም ዘጋጠመካ ፍሉጥ እዩ። ሕጂ ድማ፡ ‘ብሓደ መገዲ ብስርዓት ክትመላለስ፡’ ማለት ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝገበርካዮ ብቐጻሊ ንየሆዋ ብተኣማንነት ከተገልግሎ ኣሎካ።—ፊልጲ 3:16 ኣንብብ።
2 እታ ኣብታ “ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ሓረግ ዘላ ግሲ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ውትህድርና ብሓደ ዚግስግሱ ዘለዉ ወተሃደራት ንምግላጽ ትውዕል እያ። ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር እንተ ወሲንካ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣብ ዘለኻዮ ደው ክትብል ወይ ከኣ ከተድሓርሕር ዘይኰነስ፡ ንቕድሚት ክትግስግስ እዩ ዘሎካ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኺሕግዘካ ዚኽእል ኣርባዕተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኣላ። እዚ ስርዓታት እዚ ንዓኻ ሓድሽ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ተግቢርካዮ ኢኻ፣ ተወሳኺ ትምህርቲ እናተምሃርካ ይኹን ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእካ እውን ብቐጻሊ ኽትትግብሮ ኼድልየካ እዩ።
ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ይሃሉኻ
3. ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትካ ዚጸሉ እንታይ ጸገማት ኬጓንፈካ ይኽእል፧
3 ጸገም። ተወሳኺ ትምህርቲ ንመዓልታዊ ንጥፈታትካ ዚጸሉ ሓድሽ ነገራት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ትምህርትኻ ጽቡቕ ክትዓዪ ምድላይካ ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ግና ነቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ዝወሓደ ኣቓልቦ ኸም እትህቦ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። ሕሉፍ ሓሊፍካ እውን ንኣኼባታት ጉባኤን ንኣገልግሎትን ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንጸሎትን ዕሽሽ ክትብሎ ትጅምር ትኸውን።—ራእ. 2:4።
4. “ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” ኺህልወካ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (1 ቈረንቶስ 15:58)
4 ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:58 ኣንብብ። ከምቲ ኣብ ምንቅስቓስ ዘላ ብሽክለታ ትኽ ኢላ እትኸይድ፡ ንስኻ እውን “ብዙሕ ዕዮ ጐይታ” እንተ ኣልዩካ፡ ማለት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትንቀሳቐስ እንተ ኣሊኻ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ትኽ ክትብል ኢኻ። እዚ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት እተወሰነ ግዜ ምሕላፍ ጥራይ ዜመልክት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ቀዳምነታት ናይ ምስራዕ ጕዳይ እዩ። ንርእስኻ ብቐዳምነት ከም ኣገልጋሊ የሆዋ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ከም ተምሃራይ ጌርካ ርኣያ። (ማቴ. 22:37) ሳማንታ ዝስማ መንእሰይ ሓብቲ፡ “ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማረይ፡ ‘ትምህርተይ ንኣገልግሎት የሆዋ ዜጐናድቦ እንተ ዀይኑ ደው ከብሎ እየ’ ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ቃል ኣትየላ ነይረ እየ” ትብል።
5. ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ንምዃን እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
5 ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር። ቀዳምነታትካ ንጹር ግበሮ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ብስሩዕ ኣብ ኣኼባታት ንምክፋል፡ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ፡ ከምኡ እውን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ንምግባር እንታይ መደብ ኣውጺአ ኣለኹ፧’ (እያ. 1:8፣ ማቴ. 28:19, 20፣ እብ. 10:25) ብተወሳኺ እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ዓመታት፡ ቀዳምነታትካ ብኸመይ ትሰርዕ ከም ዝነበርካ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ከተመሓይሾ ዘሎካ ነገር ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕጂ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧ እናተምሃርካ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ንምዃን ቈራጽነት ግበር። ንትምህርትኻ ኣድላዪ ኣትኵሮ ኽትገብረሉ ግቡእ እዩ፣ ግናኸ ንኣምልኾ ዚኸውን ግዜ ኽሳዕ እትስእን ኪገብረካ የብሉን።a—ማቴ. 6:24።
6. ርእስኻ ኽትምርምር ከለኻ እንታይ ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ኣብ ወወርሒ ወይ ሓሓሊፍካ፡ ኣዘውቲርካ ርእስኻ መርምር። ‘ቀዳምነታተይ ሕጂ እውን ንጹር ድዩ ዘሎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ነቲ ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት ኣስተብህለሉ፣ ገለ ኻብኡ፡ ኣኼባ እናተኻየደ ኸሎ ብዛዕባ ናይ ትምህርቲ ዕዮታትካ ምሕሳብ፡ ከምኡ እውን ካብ ኣኼባታት ናይ ምብኳር ወይ ናይ ምድንጓይ ወይ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ጥራይ ናይ ምእካብ ልማድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ጸሎትን መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብን ልማድካ ሸለል ክትብል እንተ ጀሚርካ፡ ወይ ኣገልግሎትካ ዕምቈት ዘይብሉ፡ ማለት ቀልጢፍካ ኽትውድእ ጥራይ ትሓስብ እንተ ዄንካ ኣስተብህለሉ። ከምዚ ዓይነት ልማዳት ከተማዕብል እንተ ጀሚርካ፡ ቀልጢፍካ ስጕምቲ ውሰድ። ትምህርትኻ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ከም ዘይትህቦ ኺገብረካ ኣይተፍቅደሉ።
ትምህርትኻ ንኣገልግሎት የሆዋ ቐዳምነት ከም ዘይትህቦ ኺገብረካ ኣይትፍቀድ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)
‘ምምዝዛንካ ሓሉ’
7. ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ንኣተሓሳስባኻ ዚጸሉ እንታይ ዓይነት ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧
7 ጸገም። እቲ እትምሃሮ ተወሳኺ ትምህርቲ፡ ንናይዛ ዓለም “ፍልስፍናን ከንቱ ጥበራን” ኬቃልዓካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ዚምህር ትምህርትን ትምህርቲ ፍልቀትን ዜጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 2:8) ብርእስኻ እምብዛ ናይ ምትእምማን መንፈስ እውን ኬሕድረልካ ይኽእል እዩ። ሓደ መንእሰይ ሓው ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ፦ “ክእለት ጥራይ ኣይኰንናን ተማሂርና፣ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዘይሳነ ኣተሓሳስባ እውን ተማሂርና ኢና። ንኣብነት፡ ኣብ ህይወት እንረኽቦ ኣሳልጦ፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ዚምርኰስ ምዃኑ ተማሂርና ኢና። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንየሆዋ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ፡ ኣብ የሆዋ ምውካል ከም ዚኸብደኒ ገይሩኒ እዩ።”
8. ‘ምምዝዛንና ኽንሕሉ’ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 5:1, 2)
8 ምሳሌ 5:1, 2 ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ምምዝዛንና ኽንሕሉ’ የጠንቅቐና እዩ። ንሓደ ነገር ትሕሉ ኺብሃል ከሎ፡ ነቲ ነገር ኬጥቅዖ ዚደሊ ኣካል ከም ዘሎ ይእምት እዩ። እዚ ብፍላይ ንምምዝዛንና ብዚምልከት ሓቂ እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ነቲ ብዛዕባ ስነ ምግባር፡ ብዛዕባ ምንጪ ህይወት፡ ወይ ብዛዕባ ህልውና ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ኬዳኽሞ ይኽእል እዩ። ሰባት፡ ኣተሓሳስባኦም “ጥበብ” ዝመልኦ ኸም ዝዀነ ኼእምኑኻ ይፍትኑ ይዀኑ። ግናኸ፡ “ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት” እዩ።—1 ቈረ. 3:18-20።
9. ምምዝዛንካ ንምሕላው እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
9 ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር። ምምዝዛንካ ንምሕላው፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ድልዱል እንተ ዀይኑ ኣረጋግጽ። ከምዚ ዚስዕብ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ እኽእል፧ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ናይ ዓለም መለክዒታት ዝለዓለ ምዃኑ ዘእመነኒ እንታይ እዩ፧’ ምልስ ኢልካ እሞ ሕሰብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ዓመታት፡ ንኣተሓሳስባ ዓለም እተቓላዕካ ምንባርካ ፍሉጥ እዩ። ገሊኦም ብዛዕባ ኽልሰ ሓሳብ ፍልቀት ብርእሰ ምትእምማን ኪዛረቡ ኸለዉ፡ እምነትካ ተዳኺማዶ ትኸውን፧ በቲ ርኹስ ኣነባብራ መማህርትኻ ብቐሊሉ ትፍተንዶ ኔርካ፧ ከተመሓይሾ ዘሎካ ነገር ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕጂ ብኸመይ እምነትካ ኸተደልድል ትኽእል፧ ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ ምምዝዛንካ ኽትሕሉ ቘራጽነት ግበር።—2 ጢሞ. 2:16-18።b
10. ምምዝዛንካ ኽትሕሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
10 ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ኣዘውቲርካ ርእስኻ መርምር። ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘በቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣነባብራ እቶም ኣብ ከባቢየይ ዘለዉ ሰባት እጽሎ ድየ፧ ኣብቲ ትምህርቲ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ኪልዓል ከሎ፡ ሰብኣዊ ጥበብ ደኣ እምበር ሓቂ ኸም ዘይኰነ አለልዮ ድየ፧ ንጸገማት ደቂ ሰብ እተወግዶ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምዃና ምሉእ ብምሉእ እኣምን ድየ፧’ ንፉዕ ተምሃራይ ቃል ኣምላኽ ብምዃን ምምዝዛንካ ኽትሕሉ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ምስትንታንን፡ ሓቂ ሒዝካ ኸም ዘለኻ ንዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ።—1 ጢሞ. 4:15።
ንግዜኻ ብጥበብ ተጠቐመሉ
11. ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ንግዜኻ ዚጸሉ እንታይ ዓይነት ጸገማት ኬጋጥመካ ይኽእል፧
11 ጸገም። ንመርመራ ኽትዳሎ ኸለኻ ወይ ህጹጽ ፕሮጀክት ኪህልወካ ኸሎ፡ ትምህርትኻ ንግዜኻ ኺቈጻጸሮ ይኽእል እዩ። ንግዜኻ ብጥበብ እንተ ዘይኣመሓዲርካዮ፡ ኣዚኻ ኽትጭነቕን ሓይልኻ ኺጽንቀቕን ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንኣካላውን ንስምዒታውን ጥዕናኻ ምክንኻን ኣገዳሲ ዝዀነ።
12. ‘ግዜኻ ብዝበለጸ ኽትጥቀም’ ከለኻ፡ ነየናይ ንጥፈታት ኢኻ ግዜ ኽትህቦ ዘሎካ፧ (ኤፌሶን 5:15, 16)
12 ኤፌሶን 5:15, 16 ኣንብብ። ‘ግዜኻ ብዝበለጸ ምጥቃም’ ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሚዛናዊ ኽትከውን ኣሎካ። ንኣብነት፡ ካብቲ ንትምህርትኻ እትህቦ ኣትኵሮ ንላዕሊ፡ ምስ ክርስትያናት ብጾትካን ኣባላት ስድራ ቤትካን ባህ ዜብል ግዜ ኸተሕልፍ ይግብኣካ። (መዝ. 133:1፣ ምሳ. 18:1) ነቲ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየካ ነገራት፡ ቀዳምነት ክትህቦ ይግባእ። (ማቴ. 6:33) ምናልባት እውን ኣብ ገዛ ንስድራ ቤትካ ኽትሕግዝ ዘሎካ ወይ ስራሕ እትሰርሕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፡ እኹል ዕረፍትን ምውስዋስ ኣካላትን ብምግባር ጥዕናኻ ኽትከናኸን ኣሎካ። (መክ. 4:6፣ 1 ጢሞ. 4:8) እዚ ዅሉ ንምግባር ጽቡቕ ምሕደራ ግዜ የድሊ።
13. ንግዜኻ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
13 ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ውጥን ምግባር ናብ ኣሳልጦ ኸም ዚመርሕ ይነግረና እዩ። (ምሳ. 21:5) ነዚ ብኣእምሮኻ ሒዝካ፡ ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ፡ ኣብ ክውንነት እተመስረተ መደብ ኣውጽእ። ከምኡ ንምግባር ምእንቲ ኺሕግዘካ ኸኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ዓመታት ንግዜኻ ብኸመይ ተመሓድሮ ኸም ዝነበርካ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ከተመሓይሾ ዘሎካ ነገር ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕጂ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧ ግዜኻ ንዓኻ ኺቈጻጸረካ ዘይኰነስ፡ ንስኻ ኽትቈጻጸሮ ቘራጽነት ግበር።c
14. ርእስኻ ንምምርማር እንታይ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል፧
14 ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ኣዘውቲርካ ርእስኻ መርምር። ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት፦ ‘መደባተይ እኹል ዕረፍትን ምውስዋስ ኣካላትን ክገብር ይፈቕደለይ ድዩ፧ ምስ ክርስትያናት ብጾተይ ግዜ ኸሕልፍ የኽእለኒ ድዩ፧ ዕዮ ገዛ ኣብ ግዜኡ እውድእ ድየ፧ ኣብ ግዜኡ ዘይውድእ እንተ ዀይነ፡ ስለ ዝበዝሓኒ ድየ ወይስ ሎሚ ጽባሕ እናበልኩ ስለ ዝደናጐ እየ፧ ፈተውተይን ኣባላት ስድራ ቤተይንከ ምስዚ ዝበጻሕክዎ መደምደምታ ይሰማምዑ ድዮም፧’ መደባትካ ኸተዐሪ ወይ ንርእስኻ ብዝያዳ ኽትግስጽ እንተ ኣድልዩካ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ውሰድ። ብተወሳኺ እውን፡ ግዜኦም ብጽቡቕ ንዚጥቀሙሉ ሰባት ምኽሪ ኽትሓትቶም ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 11:14።
‘ምስ ጥበበኛታት ተመላለስ’
15. ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ እንታይ ጸገም ኬጋጥመካ ይኽእል፧
15 ጸገም። ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ መማህርትኻ ኣብ ማሕበራዊ ህይወቶም ኪጽምብሩኻ ኺፍትኑ ይኽእሉ እዮም። ንስኻ እውን ክትሓብሮም ትፍተን ትኸውን። ብፍላይ ከኣ ኣብ ክፍሊ ብሓባር ብዙሕ ሰዓታት ተሕልፉ እንተ ዄንኩም፡ ብዙሕ ሓባራዊ ነገር ኣሎኩም። ሕሉፍ ሓሊፍካ፡ ካብ ምስ ገሊኦም ክርስትያናት ብጾትካ ንላዕሊ፡ ምስ መማህርትኻ ዝበዝሐ ሓባራዊ ነገር ዘሎካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ይኹን እምበር፡ ጥንቁቕ ኩን። ዋላ እኳ ምስ መማህርትኻ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ትምሃሩ እንተ ዀንኩም፡ ሓደ ዓይነት መትከላት ግና የብልኩምን። ምሳታቶም ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍካ መጠን፡ ኣተሓሳስባኦም ብዝያዳ ኺጸልወካ ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 15:33) ንሓደ ማይክል ዚብሃል ብዕዮ ኤለክትሪክ ተልመዴን ኰይኑ ንኣርባዕተ ዓመት ዝሰልጠነ ሓው፡ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ሰሙን ልዕሊ 40 ሰዓት፡ ኣብ ስራሕ አሕልፍ ነይረ። እቲ መሳርሕተይ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታን ናይ ሙዚቃ ምርጫን ጽዩፍ ዘረባን ዝነበሮም ኣረኣእያ ኸኣ ንኣተሓሳስባይ ኪጸልዎ ጀሚሩ እዩ።”
16. ‘ምስ ጥበበኛታት ምምልላስ’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ምሳሌ 13:20)
16 ምሳሌ 13:20 ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕማቕ ዕርክነት ብዛዕባ ዜስዕቦ ሓደጋታት የጠንቅቐና እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን” ይብለና እዩ። እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ፣ ብመዋዕልትና እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ንጽሎ ኢና። ስለዚ፡ ምስቶም ከማኻ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ዜገልግሉ፡ ካብ ልቦም ከኣ ጽቡቕካ ዚምነዩ ሰባት ተዓራረኽ።—መዝ. 101:6, 7፣ 119:63።
17. ካብ ሕማቕ ዕርክነት ንምርሓቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
17 ተወሳኺ ትምህርቲ ቕድሚ ምጅማርካ ኽትገብሮ እትኽእል ነገር። ምስ መማህርትኻ ንዚህልወካ ርክብ እንታይ ደረት ከም እትገብረሉ ወስን። ትረንተን ዚብሃል ሓው ከምዚ ይብል፦ “ንመማህርተይ ብለውሃት እየ ዝሕዞም፣ ግናኸ ድሕሪ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ምሳታቶም ግዜ ኣየሕልፍን እየ። ከም መማህርተይ ደኣ እምበር፡ ከም ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ ገይረ ኣይርእዮምን እየ።” ንስኻኸ ምስ መማህርትኻ ንዘሎካ ርክብ እንታይ ደረት ኢኻ ኽትገብረሉ እትኽእል፧ ነዛ ሕቶ ንምምላስ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ዓመታት እንታይ ደረት ትገብር ከም ዝነበርካ ምልስ ኢልካ ሕሰብ። ከተመሓይሾ ዘሎካ ነገር ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ፡ ሕጂ እንታይ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእል፧ ‘ምስ ጥበበኛታት ክትመላለስ’ ቈራጽነት ግበር፡ ምስቶም ንየሆዋ ዘየፍቅሩ ኸኣ ኣይትሕበር።d
18. ንርእስኻ እንታይ ኢልካ ኽትሓትት ትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
18 ብስሩዕ ርእስኻ መርምር። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ምስ መማህርተይ እምብዛ እቀራረብ ኣለኹ ድየ፧ ልማዳቶምን ኣዘራርባኦምን ኣመለኻኽታኦምን፡ ንኣዘራርባይን ንኣተሓሳስባይን ይጸልዎ ኣሎ ድዩ፧ የሆዋኸ ምስዚ በጺሐዮ ዘለኹ መደምደምታ ምተሰማምዐዶ፧’ (መዝ. 1:1) ዝዀነ ይኹን ኣሉታዊ ነገር እንተ ኣለሊኻ፡ ቅልጡፍ ስጕምቲ ውሰድ። እቶም ናይ ቀረባ ፈተውትኻ፡ ከማኻ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ኪዀኑ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ንመማህርትኻ ኻብ ምምስካር ድሕር ምሕር ኣይትበል። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ሓቂ ኺፈልጡ ኽትሕግዞም እትኽእለሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎካ።
ንመማህርትኻ ኻብ ምምስካር ድሕር ምሕር ኣይትበል (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)e
ድሉው ኩን
19. ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ ንዜጋጥመካ መንፈሳዊ ጸገማት ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ፡ ገዛእ ርእስኻ ብኸመይ ከተዳሉ ትኽእል፧ ብምሳሌ ኣረድእ።
19 ሓደ ጥበበኛ ተጓዓዛይ፡ ጕዕዞ ቕድሚ ምጅማሩ ዜድልዮ ዅሉ የዳሉ እዩ። ንዅሉ እቲ ኼጋጥሞ ዚኽእል ጸገማት ኪግምቶ ዘይክእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣካላዊ ብቕዓትን ግቡእ ኣከዳድናን ከም ዘለዎ ኼረጋግጽ ኣለዎ፣ ከምኡ እውን ሸቶ ኺህልዎ፡ ማለት ናበይ ከም ዚኸይድ ኪፈልጥ ኣለዎ። ንስኻ እውን ንተወሳኺ ትምህርቲ ብዚምልከት ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ፡ “ካብ ኣምላኽ ምሉእ ኣጽዋር” ልበስ፡ ሸቶ እውን ይሃሉኻ። ሸቶኻ ነቲ እዛ ዓለም “ኣሳልጦ” ኢላ እትሓስቦ ነገር ንምርካብ ዘይኰነስ፡ ብዅሉ እትገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ኽብሪ ምሃብ ኪኸውን ይግባእ።—ኤፌ. 6:11-13፣ 1 ቈረ. 9:26, 27፣ 10:31።
20. ‘ብእምነት እንተ ኣሊኻ፡ ብቐጻሊ ርእስኻ ኽትፍትን’ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
20 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ብምባል ይምሕጸነና እዩ። (2 ቈረ. 13:5) ንስኻ እውን ተወሳኺ ትምህርቲ ኽትምሃር ከለኻ፡ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። በቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እተመያየጥናሉ ነጥብታት ጌርካ፡ ኣዘውቲርካ ርእስኻ መርምር። ጽቡቕ መንፈሳዊ ልማድ ኣሎካዶ፧ ንምምዝዛንካ ኻብ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ትሕልዎዶ ኣለኻ፧ ንግዜኻ ብጥበብ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧ ሕማቕ ዕርክነት ብምውጋድ፡ ዕርክነትካ ምስ ክርስትያናት ብጾትካ ትገብርዶ ኣለኻ፧ ተምሃራይ ኩን ሰራሕተኛ፡ ንርእስኻ ነዚ ሕቶታት እዚ ኽትሓትት ኣሎካ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት፡ ድልድልቲ እምነት ክትህልወካ ቘራጽነት ግበር። ከምዚ ኽትገብር ከለኻ፡ የሆዋ ንጻዕርታትካ ኸም ዚባርኾ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 3:5, 6።
መዝሙር 87 ኣብ ኣኼባና ንተሓደስ
a ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፍ ንምዃን ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ jw.org፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ . . . ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ንጥፈታትካ ኣይተቋርጽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
b ምምዝዛንካ ንምሕላው ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ ግንቦት 2019 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “‘ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ’ ኣየዐሹኻ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።
c መዓልታዊ ንጥፈታትካ ንምምዳብ ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ . . . ከመይ ገይረ እየ ንግዜይ ከመሓድሮ ዝኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣብ jw.org ርአ።
d ብጥበብን ብጥንቃቐን ኣዕሩኽ ንምምራጽ ዚሕግዝ ሓሳባት እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ትምህርቲ 48፡ “ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ” ዚብል ኣርእስቲ ርአ።
e መግለጺ ስእሊ፦ ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ ስነ ጽባቐ ጸጕሪ ርእሲ ኽትስልጥን ከላ፡ ንመማህርታ ብሜላ ትምስክረላ።