ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 ሚያዝያ ገጽ 32
  • ንስእላዊ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ተረድኣዮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስእላዊ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ተረድኣዮ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 ሚያዝያ ገጽ 32

ምኽሪ መጽናዕቲ

ንስእላዊ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ ተረድኣዮ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ስእላዊ ቓላት ኣሎ። ብዙሓት ኣንበብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ምርዳኡ የጸግሞም እዩ። (ማቴ. 13:13) እሞ ደኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚርከብ ስእላዊ ቓላት ብልክዕ ምእንቲ ኽትርድኦ፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ስጕምትታት እስከ ፈትኖ፦

  • ነቲ ርእሰ ነገርን ነቲ ስእልን ኣለልዮ። ስእላዊ ቓላት ንሓደ ርእሰ ነገር ምስ ሓደ ስእሊ እዩ ዜነጻጽር። ንኣብነት፡ ኣብ ራእይ 3:3፡ ምምጻእ የሱስ (ርእሰ ነገር) ምስ ሰራቒ (ስእሊ) ተነጻጺሩ ኣሎ።

  • እቲ ርእሰ ነገር ምስቲ ስእሊ ብኸመይ ከም ዚመሳሰል ሕሰብ። ነቲ ርእሰ ነገር ምስቲ ስእሊ ዜመሳስሎ ነገራትን ባህርያትን ክትፈልጥ ጽዓር።

  • ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ብጻሕ። ኣብ መንጎ ርእሰ ነገርን ስእልን ዘሎ ገሊኡ ምስስላት ናብ ግጉይ መደምደምታ ኸም እትበጽሕ ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ምሳሌ፡ የሱስ ኪሰርቕ ኣይኰነን ዚመጽእ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከም ሰራቒ ይመጽእ ኪብሃል ከሎ፡ ትጽቢት ከይተገብረሉ ብድንገት ከም ዚመጽእ እዩ ዜመልክት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ