ሕቶታት ኣንበብትና
ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ካብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ድዩ፧
ኣብ ህይወትካ ዜሰምብድ ፍጻመ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ኣምላኽ ጸበባ ኸተሕልፍ ከም ዝመደበ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ሃንደበታዊ ሕማም፡ ዜልምስ ሓደጋ፡ ወይ ሃንደበታዊ ሞት ኣባል ስድራ ቤት ምስ ዜጋጥመና፡ ኣምላኽ ንዓና ፈልዩ ይቐጽዓና ኸም ዘሎ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።
ብኣንጻሩ ግን፡ ኣምላኽ፡ ሰባት ኪሕጐሱን ካብ ጕድኣት ናጻ ኪዀኑን ከም ዚደሊ ምፍላጥካ ኼጸናንዓካ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ፈጢሩ ኣብታ ህይወት ካብ ኵሉ ጸገማት ናጻ ዝዀነላ “ገነት ኤድን” ምስ ኣቐመጦም፡ ነዚ ኣርእዩ እዩ።—ዘፍጥረት 2:15።
እቲ ዜሕዝን ግን፡ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ነዚ ዜደንቕ ተስፋ እዚ ዝባኖም ብምሃብ፡ ደይ መደይ ኢሎም ካብ ኣምላኽ ዓለዉ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣብ ርእሶም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዓና እውን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ዘርኦም መከራ ኣምጽኡ። ስለምንታይ፧ እዚ ዅነታት እዚ፡ ምስቲ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ገዛ ኽራይ እንተ ዘይከፊሉ ዜጋጥም ጸገም ከነመሳስሎ ንኽእል ኢና፣ ብሰንኪ እዚ እታ ስድራ ቤት ብምልእታ ኻብቲ ቤት ትወጽእ፡ ኣደዳ ሽግርን መከራን ድማ ትኸውን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ዕልዋ ኻብ ዜጋጥም ኣትሒዙ፡ ደቂ ሰብ መከራ ኼሕልፉ ተገደዱ። (ሮሜ 5:12) ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት፡ እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ ስቓዩን መከራኡን “ኣብ ሚዛን እንተ ዚአቱ፡ ካብ ሕጻ ባሕሪ” ኪኸብድ ከም ዚኽእል ብጓሂ ተዛረበ።—እዮብ 6:2, 3።
ኣርሒቕካ ናይ ምርኣይ ክእለትና ድሩት ምዃኑ እውን ካልእ ምንጪ ጸገም እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣባይቲ ዚሰርሕ ሰብ ብተደጋጋሚ ባርዕ ኣብ ዜጋጥመሉ ኸባቢ ኣባይቲ ሰሪሑ ኸም ዚሸይጥ ጌርካ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል። ብዛዕባ እዚ ስለ ዘይትፈልጥ፡ ንሓደ ኻብዚ ኣባይቲ ዓዲግካ ኣብኡ ኽትነብር ትጅምር። ንርእስኻን ንስድራ ቤትካን ኣብ ዓብዪ ጸገም ደይኰንካን እተእትዎም ዘለኻ፧ ብሰንኩ ዜጋጥመካ መከራ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ መቕጻዕቲ ጌርካ ዲኻ ኽትርእዮ ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቐንዲ ምንጪ እዚ ሽግር ኪገልጽ ከሎ፡ “ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይአምን፡ ለባም ግና ንስጕምቱ ይጥንቀቐለን” ይብል።—ምሳሌ 14:15።
ይኹን እምበር፡ ኵልና ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንደቂ ሰብ ካብዚ ጸገማት ናጻ ንኺገብሮም ከም ዝዓለመ ምፍላጥና ዜጸናንዕ እዩ። እቲ እዋን እቲ ምስ መጸ፡ ዳግማይ ጸገማት ኣይኬጋጥመካን እዩ፣ አረ ብዛዕባኡ እውን ኣይክትሰምዕን ኢኻ። ብሰንኪ ጓሂ፡ ስቓይ፡ ሞት፡ ከምኡውን ሓዘን ምንባዕ ‘ኪሓልፍ’ እዩ። (ራእይ 21:4) እቲ ሰባት ዚሰርሕዎ ቤት ኰነ ዚተኽልዎ ኣታኽልቲ፡ ብሰንኪ ውግእ ወይ ካልእ ሓደጋ ፈጺሙ ኣይክጠፍእን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ደቂ ሰብ “ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ” ምዃኖም መብጽዓ ተኣትዩሎም ኣሎ።—ኢሳይያስ 65:21-25።
ኣምላኽ ንዅሉ ሽግራት ኬጥፍኦ ኽትጽበ ኸለኻ፡ ነቲ ዜጋጥመካ ጸገማት ንምቅላል ብወገንካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ይብለና። (ምሳሌ 3:5) እምበኣርከስ፡ መምርሕን ምጽንናዕን ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከል። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣምላኻዊ ጥበብ ኣቕልበሉ። እዚ ኸኣ ጥበባዊ ውሳነ ኽትገብር ኪሕግዘካን ካብቲ ኺውገድ ዚከኣል ሽግር ኬዕቍበካን እዩ።—ምሳሌ 22:3።