18-24 ግንቦት 2026
መዝሙር 35 ‘ዚሓይሽ መርምሩ’
ምስ መስገሊታት ብኸመይ ክትቃለስ ትኽእል፧
“ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ።”—ኤፌ. 5:17።
ኣትኵሮ
ኬስግለና ዚኽእል ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ ብኸመይ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከም እነተኵር።
1-2. ኣገዳሲ ንጥፈታት ካብ መገድና ኸም እነስግል ኪገብረና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
ንመወዳእታ ግዜ ምስ መስገሊ እተቓለስካሉ እዋን ትዝክሮዶ፧ ምናልባት ንኣቓልቦኻ ስለ ዝሰረቖ፡ ብዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ኽትውስን ኣድልዩካ ይኸውን። ንኣብነት፡ ማኪና እናዘወርካ ተሌፎንካ ተደዊላ ንበል። እቲ እተደወለልካ ጕዳይ ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብቲ ህሞት እቲ ግና ንኣቓልቦኻ ኺሰርቆ ኸም ዚኽእል ትፈልጥ። ስለዚ፡ ኣብ መገድኻ ኸተተኵር ትውስን።
2 ኣብ ህይወትና ብዙሕ ኣገዳሲ ንጥፈታት ኣሎ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትንa ልማዳትን ምትኳር ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ማቴ. 6:33) ህዝቢ የሆዋ ኸም ጥንቁቓት መራሕቲ ማኪና ስለ ዝዀኑ፡ ካብቲ ኣብ ቅድሚኦም ዘሎ መገዲ እንታይ ኬስግሎም ከም ዚኽእል ኬለልዩ ይፍትኑ እዮም።—ምሳ. 4:25፣ ማቴ. 6:22።
3. ምስ መስገሊታት ብኸመይ ከም እንቃለስ ምምርማር ዚሕግዘና ስለምንታይ እዩ፧
3 ዋላ ሓዴና ኻብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ናብ ካልእ ከነስግል ሓሊንና ኣይንለዓልን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንኣቓልቦና ብቐሊሉ ኺሰርቕ ዚኽእል ኵነታት ንዅላትና የጋጥመና እዩ። (ሉቃ. 21:34-36) ስለዚ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ምእንቲ ኸነተኵር፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ንመርምር፦ (1) እንታይ መስገሊታት እዩ ዜጋጥመና፧ (2) የሱስ ምስቲ ኼስግሎ ዚኽእል ነገራት ብኸመይ እዩ ተቓሊሱ፧ (3) ሎሚ ምስ መስገሊታት ብኸመይ ክንቃለስ ንኽእል፧
እንታይ መስገሊታት እዩ ዜጋጥመና፧
4-6. እንታይ ነገራት እዩ ብቐሊሉ ኻብ መገድና ኼስግለና ዚኽእል፧
4 ኵላትና ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ንኣቓልቦና ዚጠልብ ብዙሕ ነገራት ኣሎና። ንኣብነት፡ ጸገም ጥዕና፡ ወይ ጕዳይ ስድራ ቤት፡ ወይ ብሕታዊ ጕዳይ ይህልወና ይኸውን። እዚ ነገራት እዚ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣይከሓድን እዩ፣ ቈላሕታና እውን የድልዮ እዩ። ኰይኑ ግና፡ እዝስ መስገሊ ኪዀነና ይኽእልዶ፧ ንሓሳባትና እንተ ዓብሊልዎ፡ ንዅሉ ግዜናን ኣእምሮናን እውን እንተ ብሒትዎ፡ መስገሊ ኪዀነና ይኽእል እዩ።
5 ኣብ ርእሲ እዚ፡ መብዛሕትና በቲ ኣብዚ ስርዓት እዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ናዕብን ቍጠባዊ ጸገማትን ለበዳ ሕማምን ዘየቋርጽ ግጭትን ንጽሎ ኢና። (2 ጢሞ. 3:1) በዚ እምብዛ እንተ ተጨኒቕና፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባኡ ጥራይ ክንሓስብ ንኽእል ኢና።
6 ምናልባት በዚ ጸገማት እዚ ህይወቶም እተሓናኸረ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን። በዚ ኸምዚ ብዙሕ ጸገማት ዜሕልፉ ሰባት፡ ስምዒታዊ ጭንቂ ኺስምዖም ንቡር እዩ። ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቐጻሊ ውጥረት ኪነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም። ገሊኦም ኣብ ጽንኩር ግዜ ስለ ዚነብሩ፡ ንቡር ህይወት ዚብሃል ከም ዘይብሎም ይስምዖም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እፎይታ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ብዙሕ ግዜ ኣብ መዘናግዒ የሕልፉ እዮም። እሞ ደኣ ንሕና ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት እንተ ኣሊና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ ካብ የሱስ እንታይ ክንምሃር ከም እንኽእል ንርአ፣ እዚ ድማ ካብ ኣምልኾና ናብ ካልእ ከይነስግል ኪሕግዘና እዩ።
የሱስ ምስቲ ኼስግሎ ዚኽእል ነገራት ብኸመይ ተቓሊሱ፧
7. የሱስ ካብ መገዱ ኼስግል ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧
7 የሱስ ብኸም ማሕበራውን ፖለቲካውን ጕዳያት ዝኣመሰለ ሓያሎ ነገራት ካብ መገዱ ኼስግል ምኸኣለ ነይሩ። ብዘመኑ ብዙሓት ድኻታትን ሕሙማትን ነይሮም እዮም። (ማቴ. 14:14፣ ማር. 14:7) ንሳቶም ድማ ብሮማውያንን በቶም ደቂ ዓዶም ዝዀኑ ኣይሁዳውያንን ይጭቈኑ ነይሮም እዮም። ስለዚ፡ ሰባት ነቲ የሱስ ዘለዎ ሓይልን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራትን ምስ ረኣዩ፡ ኬንግስዎ ደልዮም ነይሮም እዮም። (ዮሃ. 6:14, 15) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ሰይጣን ንየሱስ ብኣቋራጭ ገዛኢ ዓለም ኪኸውን ፈተና ኣቕሪቡሉ እዩ። (ማቴ. 4:8, 9) ሓደ ግዜ ኸኣ፡ ሓደ ኻብቶም ናይ ቀረባ ፈተውቱ ዝነበረ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ጐይታይ፡ ንርእስኻ እባ ሕለየላ” ብምባል ዝቐለለ መገዲ ኺሓሪ ኣተባቢዕዎ እዩ።—ማቴ. 16:21, 22።
8. የሱስ ነቲ ኻብ መገዱ ኼስግሎ ዚኽእል ዝነበረ ነገራት ብኸመይ እዩ ተቓሊስዎ፧
8 የሱስ ነቲ ኻብ መገዱ ኼስግሎ ዚኽእል ዝነበረ ነገራት ብኸመይ እዩ ተቓሊስዎ፧ ብሰለስተ መገድታት። ቀዳማይ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣጥርዩ። (ዮሃ. 8:28፣ 14:9) ካልኣይ፡ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዝ ኰይኑ። (ማቴ. 9:35) ሳልሳይ፡ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ ከም ዝዀነ ንጹር ኣረኣእያ ሒዙ። (ዮሃ. 4:34) እወ፡ ንፈተናታት ሰይጣን ብጽኑዕ ነጺግዎ፡ በቲ ጴጥሮስ ጽቡቕ ሓሊኑ ዝሃቦ ግጉይ ሓሳብ እውን ኣንፈቱ ኣይሰሓተን። (ማቴ. 4:10፣ 16:23) እቲ ሰባት ዚሓስብዎ፡ ዚብልዎ፡ ወይ ዚገብርዎ ነገራት፡ ዕላማ ኣምላኽ ካብ ምግባር ኪዕንቅፎ ኣይፈቐደን። ልክዕ እዩ፡ ካብቲ ንየሱስ ዘጋጠሞ እተፈልየ መስገሊታት የጋጥመና ይኸውን። ካብኡ እንተ ተማሂርና ግና፡ ኣብነቱ ብምስዓብ ምስቲ ንዓና ዜጋጥመና መስገሊታት ክንቃለስ ንኽእል ኢና።
ምስ መስገሊታት ብኸመይ ክንቃለስ ንኽእል፧
9. “ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኣስተውዕሉ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ኤፌሶን 5:17)
9 ኣተሓሳስባ የሆዋ ኣጥሪ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ‘ፍቓድ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ ኸተስተውዕል ኢኻ።’ (ኤፌሶን 5:17 ኣንብብ።) ቃል ኣምላኽ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን፡ ንየሆዋ እንታይ ባህ ከም ዜብሎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታትና ፈልዩ ኣብ ዘይገልጸሉ እዋን እኳ፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ ኣተሓሳስባ የሆዋ እንፈልጥን ብእኡ እንምራሕን እንተ ዄንና፡ ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
10. ኣተሓሳስባ የሆዋ ብኸመይ ኢና ኽንፈልጥ እንኽእል፧
10 መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ነቲ የሆዋ ምስ ሰባት ዝነበሮ ርክብ ብምምርማርን፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። (ኤር. 45:5) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ከነንብብ ከለና፡ ‘እዚ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧ ንኣተሓሳስባይ ንምቕራጽ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ኻብ ኣተሓሳስባና ይልዕል እዩ። (ኢሳ. 55:9) ስለዚ፡ ፍቓዱ ብኸመይ ከም እንገብር ምእንቲ ኺምህረና ንዕኡ ንልምኖ ኢና። (መዝ. 143:10) ኣተሓሳስባኡ ምእንቲ ኺርድኣናን ከም ናቱ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምእንቲ ኺህልወናን ሓገዙ ንምርካብ ናብኡ ንጽሊ ኢና።—1 ዮሃ. 5:14።
11. የሆዋ እንታይ ክንገብር እዩ ዚደልየና፧
11 የሆዋ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ድሉዋት ክንከውን ይደልየና እዩ። ኣተሓሳስባና ኸም ናቱ ምስ ኰነ፡ ስለምንታይ ካብ መገድና ኸነስግል ከም ዘይደልየና ይርድኣና እዩ። (ማቴ. 24:44) እምብዛ ኽንጭነቕ ኣይደልየናን እዩ። (ማቴ. 6:31, 32) ስለዚ፡ ምስ ጥዕናና፡ ምስ ስራሕና፡ ምስ ገዛና፡ ወይ ምስ ካልእ ናይ ብሕትን ናይ ስድራ ቤትን ጕዳያት እተተሓሓዘ ነገራት ንሓሳባትና ኺብሕቶ ኸሎ፡ የሆዋ ግብራዊ ሓገዝ ይህበና እዩ። ንጸገማትና ንምስጋር ዜድልየና ጥበብን ብርታዐን ንምርካብ ኣብኡ ኽንውከል ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ።—መዝ. 55:22፣ ምሳ. 3:5-7።
12. ሓደ ኻብቲ ንጭንቀት ዓለም ክንጻወሮ ዚሕግዘና መገድታት እንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 5:3)
12 ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዝ ኩን። ኵነታት ዓለም ካብ ቍጽጽርና ወጻኢ ስለ ዝዀነ፡ ኵላትና ብእተወሰነ ደረጃ ብእኡ ንጭነቕ ኢና። ስለዚ፡ በቲ ኽንቈጻጸሮ ዘይንኽእል ነገራት ካብ መገድና ምእንቲ ኸይነስግል፡ ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ከነተኵር ኣሎና። ነቲ የሆዋ ኽንፍጠር ከለና ኣትሒዙ ዘውረሰና መንፈሳዊ ህርፋን ኣብ ምርዋይ እንተ ኣተኲርና፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 5:3 ኣንብብ።) ነዚ ህርፋንና ንምርዋይ፡ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ንየሆዋ ኽንፈልጦ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እውን ዚከኣለና ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ፡ ንግዜና ብጥበብ ስለ እንጥቀመሉ፡ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና።—ምሳ. 23:15።
13. ከመይ ጌርና ኢና ‘ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ’ እንኽእል፧
13 ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ንግዜና ብዝበለጸ ኽንጥቀመሉ’ ንደሊ ኢና። (ኤፌ. 5:15, 16) ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ምስ መዓልታዊ ጕዳያትና ብእተተሓሓዘ ንግዜና ብዝሓሸ ኸነመሓድር ጥራይ ኣይኰነን ተማዒድና። ኣብ ክንዳኡስ፡ የሆዋ ነዚ እኩይ ስርዓት እዚ ቕድሚ ምጥፋኡ፡ ንግዜና ኸመይ ጌርና ኸም እንጥቀመሉ ኣጸቢቕና ኽንሓስብ እዩ ምሕጽንታ ተዋሂቡና። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንግዜና ብዝበለጸ እንጥቀመሉ፧ ሕማቕ ዜና ኣብ ምክትታል ብዙሕ ግዜ ነጥፍእ እንተ ዄንና፡ ካብ ኣምልኾና ኸነስግል፡ ተስፋ ኽንቈርጽ፡ ቅንኣትና እውን ኪዝሕል ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዜና ኣብ ምርኣይ፡ ኣብ ምስማዕ፡ ወይ ኣብ ምንባብ እነሕልፎ ግዜ፡ ደረት እንተ ገበርናሉ ይሓይሽ። በዚ ኸምዚ፡ ንሃናጺ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዚኸውን ግዜን ጕልበትን ይህልወና። ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣበርክቶ ብዛዕባ ምግባር፡ ንኣብነት ዝያዳ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብዛዕባ ምግባር ክንሓስብ ንኽእል ኢና። “ኵሉ ዓይነት ሰብ [ምእንቲ] ኺድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ [ምእንቲ] ኺመጽእን፡” ንእንረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚ ኽንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ንርዳእ ኢና።—1 ጢሞ. 2:4።
14. ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዝ ምዃን ብኸመይ እዩ ዚሕግዘና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዛት ክንከውን ከለና፡ ብዛዕባ እዚ ዘለናሉ ግዜ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንሕዝ ኢና። ፖለቲካዊ ናዕብን ቍጠባዊ ጸገማትን ለበዳ ሕማምን ኬጋጥም ከሎ፡ በዚ ኣይንናወጽን ኢና። የግዳስ፡ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ይፍጸም ከም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኸም ዝዀነ ጌርና ኢና እንርእዮ። ብፍርሂ ኣንፈትና ኣይንስሕትን ኢና፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ዝሓለኖ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ርግጸኛታት ንኸውን ኢና። የሆዋ ኸም ዚሕግዘና ስለ እንተኣማመን ከኣ፡ ብህድኣት ንመላለስ ኢና።—መዝ. 16:8፣ 112:1, 6-8።
ዚርብሽ ፍጻመታት ዓለም እናሃለወ ኽነሱ፡ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዛት ንኹን (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)b
15. እንተ ‘ለቢምና፡’ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 4:7)
15 ብሓቂ ዜገድስ እንታይ ከም ዝዀነ ንጹር ኣረኣእያ ሓዝ። ኣብ ዓለም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዚቐርብ ዘሎ መወዳእታ እዚ ስርዓት ዘይኰነስ፡ ኣብ መዘናግዒ እዮም ዜተኵሩ። መዘናግዒ ግቡእ ቦታኡ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ብኣረኣእያ ዓለም ምእንቲ ኸይንጽሎ ግና ‘ክንልብም’ ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 4:7 ኣንብብ።) እዚ ንዓና እንታይ ማለት እዩ፧ ብዛዕባ መዘናግዒ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ንምሓዝን ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባርን፡ ብምምዝዛን ክንውስን ኣሎና። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነታት ንኣተሓሳስባ የሆዋ የንጸባርቕ፡ ብሓቂ ዜገድስ እንታይ ምዃኑ ኸም እተገንዘብና እውን የርኢ እዩ።—2 ጢሞ. 1:7።
16. የሱስ ናብ ሞቱ ኣብ ዝቐረበሉ እዋን እኳ፡ ኣብ ምንታይ እዩ ኣተኲሩ ዝነበረ፧
16 የሱስ ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር ንጹር ኣረኣእያ ነይርዎ እዩ። ቀቅድሚ ሞቱ ኣብ ዝነበረ ሒደት ሰዓታት እኳ፡ ተኣማንነቱ ኣብ ምሕላውን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባርን እዩ ኣተኲሩ። ስለዚ ድማ እዩ ብጽኑዕ ጸልዩ። የሱስ ብንቕሓት ኪመላለስ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ግና ደቂሶም እዮም። ‘ካብ ጓሂ እተላዕለ ደኺሞም እዮም ነይሮም።’—ሉቃ. 22:39-46፣ ዮሃ. 19:30።
17. ብዙሓት ሰባት ማሕበራዊ መራኸቢ ዚጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ ኻብ መገድና ኼስግለና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ንሕና እውን ከምቶም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ሓድሓደ ግዜ ድኻምን ጓህን ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዘሎ ፍጻመታት፡ ክንጭነቕ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ሰባት ካብዚ ንምምላጥ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ይሳተፉ እዮም። ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሎም ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ንዚርከቡ ፈተውቶምን ቤተ ሰቦምን፡ ብዛዕባ ሃለዋቶም ይነግርዎም፡ ስእልታት እውን ይልእኩሎም እዮም። ብዘይካዚ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣዝዩ ብዙሕ መዘናግዒ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንመብዛሕትኡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ኪወስዶ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ማሕበራዊ መራኸቢ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ምእንቲ ኽንሕዝ፡ ‘ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዘሎኒ ተሳትፎ ንመንፈሰይ ይሕድሶ ድዩ፡ ወይስ ነቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገር ብንጹር ከም ዘይርኢ እዩ ዚገብረኒ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
ብማሕበራዊ መራኸቢ ወይ ብመዘናግዒ ኻብ መገድና ምእንቲ ኸይነስግል፡ ከነመዛዝን ኣሎና (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)
18. መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ስለምንታይ ኢና ኸነመዛዝን ዘሎና፧
18 ብኢንተርነት ወይ ብተለቪዥን ብዛዕባ እንርእዮ ቪድዮታትን ብዛዕባ እንጻወቶ ጸወታታትን እውን ከነመዛዝን ኣሎና። እዚ ንጥፈታት እዚ፡ ንዓና ባህ ኬብለና፡ ንኣእምሮና እውን ኬዛንዮ ይኽእል እዩ። ዓይነትን ንውሓትን እቲ መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ግና፡ ከነመዛዝን ኣሎና። ሓዲኡ ቪድዮ ምስ ረኣና፡ ካልእ ቪድዮ ኽንርኢ ዕድመ ይቐርበልና እዩ። ገሊኡ ቪድዮታት ከኣ ዓመጻ ወይ ርኽሰት ኣለዎ። ኣብ እስያ ዚነብር ሓደ ሓው ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ፈለማ፡ ኣብ ሓደ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ዜቕርብ ኣፕሊኬሽን መዋዓውዒ ፊልምታት ረኣየ። ነቲ ቪድዮታት ምስ ረኣዮ፡ ካልእ ቪድዮታት ኪርኢ ዕድመ ቐረበሉ፣ በዚ ኸምዚ፡ ርኽሰት ዘለዎ ቪድዮታት ናብ ምርኣይ ተሰጋገረ። ኣብ መወዳእታኡ ድማ፡ ስእለ ጽዩፍ ኪርኢ ጀመረ። እንተዀነ ግና፡ ብሓገዝ ሽማግለታትን ናይ ቀረባ ፈተውቱን፡ ጽኑዕ ስጕምቲ ወሰደ፣ ነቲ ቪድዮታት ዜቕርበሉ ኣፕሊኬሽናት ደምሰሶ፡ ነቲ ኣብ ሞባይሉ ዜሕልፎ ግዜ እውን ደረት ገበረሉ። መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና፡ ስለምንታይ ከነመዛዝን ከም ዘሎና ኻብዚ ተመክሮ እዚ ኽንምሃር ንኽእል ኢና።
19. ህይወትና ኣብ መዛነዪ እንተ ኣተኲሩ፡ እንታይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፧
19 ምስ መዛነዪ ወይ ምስ ዕረፍቲ ብእተተሓሓዘ እውን ከነመዛዝን ኣሎና። በብእዋኑ ኽንዛነን ከነዕርፍን የድልየና እዩ። እዚ ጽቡቕ እዩ፡ ንጥዕናና እውን ይጠቕመና እዩ። ኣብዚ ነገራት እዚ እምብዛ እንተ ኣተኲርና ግና፡ ሚዛንና ኽንስሕት ንኽእል ኢና፡ ነቲ “ዚሓይሽ” ተባሂሉ ዘሎ እውን ግዜ ኽንስእን ንኽእል ኢና። (ፊል. 1:10) ንኣእምሮና ንምሕዳስ እንታይ ከም እንገብርን ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኸም እነሕልፍን ባዕልና ኢና ኽንውስን ዚግባእ። እንተዀነ ግና፡ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ‘እዚ ኣብ ምዝናይን ዕረፍትን ዘሕልፎ ግዜ፡ ከም ዘመዛዝን የርኢ ድዩ፧ ነቲ ዚሓይሽ ዘበለ ኸም ዝምርምር፡ ነቲ “መወዳእታ ዅሉ ነገር” ተባሂሉ ዘሎ እውን ድሉው ከም ዝኸውን ይገብረኒ ድዩ፧’ ኢልና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና።
20. ካብ መገድና ኼስግለና ምስ ዚኽእል ነገራት ንቃለስ እንተ ዄንና ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
20 ካብ መንፈሳዊ ንጥፈታትናን ልማዳትናን ዘይነስግል እንተ ዄንና ንጥቀም ኢና። (ኢሳ. 48:17) ብሓገዝ የሆዋ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ብዝሓሸ ኽንሰግሮ ንኽእል ኢና። በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጻመታት ኣይንናወጽን ኢና። ንህይወትና ድማ ኣብ መዘናግዒ ጥራይ ከም ዜተኵር ኣይንገብሮን ኢና። ስለዚ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ንምጥራይ፡ ብመንፈሳዊ ንጥፈታት ትሑዛት ንምዃን፡ ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ዜገድስ እውን ንጹር ኣረኣእያ ንምሓዝ ቈራጽነት ንግበር። ከምዚ እንተ ጌርና፡ ንመስገሊታት ንቃለሶ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ‘ነታ ናይ ሓቂ ህይወት እውን ኣጽኒዕና ንሕዛ ኢና።’—1 ጢሞ. 6:19።
መዝሙር 129 ክንጻወር ኢና
a መግለጺ ቓላት፦ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪብሃል ከሎ፡ ምስቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ብቐጥታ ንዚተሓሓዝ ነገራት የመልክት። ገለ ኻብኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣኼባታት ጉባኤ፡ ኣምልኾ ስድራ ቤት፡ ወይ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺጥቀስ ይከኣል። ብዘይካዚ፡ መአከቢታትና ኽንከናኸንን ክንሃንጽን ከለና፡ ንዕዮ ረድኤት ክንድግፍ ከለና፡ ኣብ ኣኼባታት ዞባ ወለንተኛታት ክንከውን ከለና፡ ወይ ኣብ ቤት-ኤል ከነገልግል ከለና፡ ንየሆዋ ኢና እነምልኾ ዘለና።
b መግለጺ ስእሊ፦ ሰብኣይን ሰበይትን በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ዚርብሽ ፍጻመታት ካብ መገዶም ኣብ ክንዲ ዜስግሉ፡ ብስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ትሑዛት ይዀኑ።