ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w26 መጋቢት ገጽ 8-13
  • ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እመኖ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እመኖ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰይጣን ኣብ መንጎኦም ኣተወ
  • የሆዋ ደረት ይገብር
  • የሆዋ ንመከራ እዮብ መወዳእታ ገበረሉ
  • የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ የፍቅሮም
  • ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣመን
  • ኣብ እዋን መከራ፡ ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ሓገዝ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ክርክር እትው ኢኻ
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2026
w26 መጋቢት ገጽ 8-13

11-17 ግንቦት 2026

መዝሙር 7 የሆዋ እዩ ሓይልና

ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እመኖ

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝ. 83:18።

ኣትኵሮ

የሆዋ ልዑላዊ ጐይታ ኸም ዝዀነ ዘሎና እምንቶ ንምድልዳል፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ዜጋጥመና ፈተናታት ንምስጋር ከም ዚሕግዘና እውን ንምርግጋጽ።

1. እዮብ እንታይ ዜሕዝን ነገራት እዩ ኣጋጢምዎ፧

እዮብ ዘለዎ ዅሉ እዩ ስኢኑ። ደቁን ጥዕናኡን ጥሪቱን እዩ ስኢኑ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ ጽቡቕ ስሙ ተበላሽዩ ነይሩ እዩ። እቶም ፈተውቱ ዚብሃሉ እተዛረብዎ መብዛሕትኡ ዘረባ እውን፡ ዜተባብዕ ኣይነበረን። እታ ፍቕርቲ ሰበይቱ እኳ፡ እምብዛ ስለ ዝጨነቓ፡ “ንኣምላኽ ግዳ ረጊምካ ሙት!” እያ ኢላቶ። (እዮ. 2:9፣ 15:4, 5፣ 19:1-3) እዚ ዜሕዝን ነገራት እዚ ነቲ እዮብ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምንቶ ኼዳኽሞ እሞ የሆዋ ንዜፍቅርዎን ንዜገልግልዎን ኬዕቍብ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ኸም ዚጠራጠር ኪገብሮ ምኸኣለ ነይሩ።

2-3. እንታይ ሕቶ እዩ ኺልዓለና ዚኽእል፧ ካብ መጽሓፍ እዮብከ እንታይ ኢና እንምሃር፧

2 ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዚፍትን ከቢድ ኵነታት የጋጥመና እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ “ጽንኩር ግዜ” ኢና እንነብር ዘለና። (2 ጢሞ. 3:1) ተደራራቢ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ልዕሊ ዓቕምና ኸም ዝዀነን ክንጻወሮ ኸም ዘይንኽእልን ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ፡ የሆዋ ብሓቂ ዚሓልየሎም እንተ ዀይኑ ሕቶ ይልዓሎም እዩ።

3 ንዓኻ ኸምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ በዚ ኣይትደሃል። የሆዋ ንእሙናቱ ኸም ዜናግፎም እዮብ ኪፈልጥ ክኢሉ እዩ። ንሕና እውን ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ነቕ ዘይብል እምንቶ ኽንሃንጽ ንኽእል ኢና። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ ንመጽሓፍ እዮብ ንመርምራ፡ ክልተ ወሳኒ ነጥብታት ብኸመይ ከም እተረጋግጸልና እውን ንርአ፦ ቀዳማይ፡ የሆዋ በይኑ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ካልኣይ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና ዕላማኡ ንምፍጻምን ንህዝቡ ኻብ ነባሪ መንፈሳዊ ዀነ ኣካላዊ ጕድኣት ንምዕቋብን ንፍጻመታት ዓለም ኪቈጻጸሮ ይኽእል እዩ።

ሰይጣን ኣብ መንጎኦም ኣተወ

4. ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ እተጠቕሰ ኣብ ሰማይ እተገብረ ኣኼባ መን እዩ ኣትዩ፧

4 ሓደ መዓልቲ፡ “ደቂ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ” ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተኣከቡ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ሰይጣን እውን ኣብ መንጎኦም ኣተወ” ይብለና። (እዮ. 1:6) እዚ ድማ እቲ ቐንዲ መጻርርቲ የሆዋ ዝዀነ ፍጡር፡ “ሰይጣን” ማለት “ተጻራሪ” ብዚብል ገላጺ ስም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጸውዓሉ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሰይጣን ሓደ ኻብቶም እሙናት ደቂ ኣምላኽ ኣይነበረን። የግዳስ፡ ጸላኢ የሆዋን ጸላኢ እሙናት መላእኽትን ጸላኢ እሙናት ደቂ ሰብን ኰይኑ ነይሩ እዩ። የሆዋ ኸኣ በቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 እተዛረቦ ቓላት ኣቢሉ፡ ሰይጣን ድሕሪ ደጊም ክፍሊ እቲ ሰማያዊ ስድራ ቤት ከም ዘይኰነ ሓቢሩ ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ሰይጣን ክፍሊ እታ ነቲ “ዘርኢ” እትወልድ “ሰበይቲ፡” ማለት ክፍሊ እቲ ብመንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመ ስድራ ቤት የሆዋ ኣይኰነን።

5. ካብቲ ኣብቲ ሰማያዊ ኣኼባ እተዘርበ ዘረባ እንታይ ኢና ኽንግንዘብ እንኽእል፧

5 የሆዋ ነቲ ኣብቲ ሰማያዊ ኣኼባ እተዘርበ ዘረባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ። ካብቲ ሰይጣን እተዛረቦ ዘረባ፡ ንሱ ሕሱምን መካፍእን ከም ዝዀነ ኽንግንዘብ ንኽእል ኢና። (እዮ. 1:9፣ ምስ ራእይ 12:10 ኣረኣኢ።) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ነቲ ልዑል ስልጣኑ ፍጹም ፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ኸም ዚጥቀመሉ፡ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ኣኼባ የረጋግጸልና እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣብቲ ኻልኦት ኪገብርዎ ዚኽእሉ ነገራት ደረት ከም ዚገብር እውን ክንግንዘብ ንኽእል ኢና።

የሆዋ ደረት ይገብር

6. የሆዋ ነቲ ኣብ ሰማይ እተገብረ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ይቈጻጸሮ ኸም ዝነበረ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧ (እዮብ 1:7, 8)

6 እዮብ 1:7, 8 ኣንብብ። የሆዋ ነቲ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ እዩ ተቘጻጺርዎ። ንሰይጣን ከኣ፡ “ንጊልያይ እዮብ ኣስተብሂልካሉዶ፧” ኢሉ እዩ ሓቲትዎ። እወ፡ ሰይጣን ንእዮብ ዕላማኡ ኸም ዝገበሮ፡ የሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ቀጺልና እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ዓብዪ ሓይሉ ምእንቲ እዮብ ኢሉ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ።

7. ብመሰረት እዮብ 1:10, 11፡ ሰባት ንየሆዋ ዜገልግሉሉ ምኽንያት እንታይ ከም ዝዀነ እዩ ሰይጣን ኣሚቱ፧

7 እዮብ 1:10, 11 ኣንብብ። የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት እዩ፣ ንስልጣኑን ንሓይሉን ድማ ግቡእ ኰይኑ ብእተራእዮ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። (ኤር. 32:17፣ ዳን. 4:35) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንሓይሉ ብዘይግቡእ መገዲ ኸም እተጠቕመሉ ገይሩ እዩ ሰይጣን ተዛሪቡ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣምላኽ ንኸም እዮብ ዝኣመሰሉ ሰባት ንዕኡ ኼገልግልዎ ኢሉ ጉቦ ኸም ዚህቦም እዩ ሰይጣን ዚማጐት ነይሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ዘበሉ ኻብኡ ጥቕሚ ስለ ዚረኽቡ ኸም ዜገልግልዎ እዩ ኣሚቱ። እሞ ደኣ የሆዋ እንታይ ምላሽ እዩ ሂቡ፧

8-9. የሆዋ ንሰይጣን እንታይ ንጹር ደረት እዩ ዝገበረሉ፧ ስለምንታይከ፧ (እዮብ 1:12) (ስእሊ እውን ርአ።)

8 እዮብ 1:12 ኣንብብ። የሆዋ ንድያብሎስ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝበሎ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ ኣጋጣሚ ሃቦ። እንተዀነ ግና፡ ደረት ገበረሉ። “ኢድካ ኣንጻሩ [ኣንጻር እዮብ] ኣይትዘርግሕ!” ኢሉ ብንጹር ነገሮ። እወ፡ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ፍጡራት፡ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ደረት ገበረሉ። ሰይጣን ኣብ ውሽጢ እቲ ደረት ደኣ እዩ ኺንቀሳቐስ ዚኽእል ዝነበረ እምበር፡ ነቲ ትእዛዝ ኪጥሕስ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። በዚ ኸምዚ የሆዋ ብስልጣኑን ብሓይሉን ተጠቒሙ ንእዮብ ኣዕቈቦ፣ ንሱ ፍትሓውን ፈቃርን ኣምላኽ ምዃኑ እውን ኣርኣየ።

9 እቲ ሰይጣን ኣብ ፈለማ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ፈሸለ። እዮብ ንሰማያዊ ኣቦኡ ዝነበሮ ተኣማንነት ሓለወ። (እዮ. 1:22) እቲ ተጻራሪ ንእዮብ ዜቕርበሉ ፈተና ግና ኣይወድአን ነይሩ።

ሰይጣን ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ንየሆዋ ብዘይ ኣኽብሮት ይዛረቦ።

የሆዋ ንሰይጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዚዕዘብዎ ዝነበሩ ፍጡራት ጕዳዩ ኬቕርብ ፈቐደሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 8-9 ርአ)


10. የሆዋ ንሰይጣን፡ ኣብ ልዕሊ እዮብ ተወሳኺ ፈተና ኼውርድ ዝፈቐደሉ ስለምንታይ እዩ፧ (እዮብ 2:2-6)

10 እዮብ 2:2-6 ኣንብብ። ድሕርዚ፡ ሰይጣን ነቲ ንእዮብ ንምምብርካኽ ዝገበሮ ጻዕርታት ኣሐየለ። እዮብ ህይወቱ ኼድሕን ኢሉ ንኣምላኽ ብርግጽ ከም ዚረግሞ ሰይጣን ተዛረበ። ነዚ ጕዳይ እዚ ንምድቃስ፡ የሆዋ ንድያብሎስ፡ ነቲ እሙን ሰብ እቲ ብሕማም ኪወቕዖ ፈቐደሉ። እንተዀነ ግና፡ “ህይወቱ ኸይተጥፍኣ ተጠንቀቕ!” ብምባል ዳግም ደረት ገበረሉ። ሰይጣን ነቲ እተገብረሉ ቐይዲ ኻብ ምሕላው ወጻኢ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ስለዚ፡ እዮብ ኣብ ዚፍተነሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንዅሉ ነገራት ይቈጻጸሮ ምንባሩ፡ ሰይጣን ከኣ ነቲ እተገብረሉ ደረት ኪሰግር ይኽእል ከም ዘይነበረ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።

የሆዋ ንመከራ እዮብ መወዳእታ ገበረሉ

11. የሆዋ ንመከራ እዮብ መወዳእታ ምስ ገበረሉ፡ ብኸመይ እዩ ንእዮብ ዓስቡ ዝሃቦ፧ (እዮብ 42:10-13)

11 እዮብ 42:10-13 ኣንብብ። እዮብ ኣብ መትከሉ ኸም ዘይለማለም ንጹር ኰነ። የሆዋ ኸኣ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን ደው ኣበሎ። ንመከራ እቲ እሙን ኣገልጋሊኡ እውን መወዳእታ ገበረሉ። ኣብዚ እውን እንተ ዀነ፡ እቲ ተጻራሪ ንውሳነ የሆዋ ኺዓግቶ ኣይከኣለን። ድሕርዚ፡ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ እዮብ ቀጥታዊ መጥቃዕቱ ኪቕጽል ኣይተፈቕደሉን።

12. የሆዋ ንኣገልገልቱ ንምድሓን ብኸመይ ሓይሉ ኸም እተጠቕመ ዜርኢ ኣብነት ሃብ።

12 ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ብዙሓት ሰባት ነቲ የሆዋ ንዓታቶም ንምድሓን እተጠቕመሉ ሓይሊ ርእዮም እዮም። ንኣብነት፡ ብ1945 ካብቶም ናዚ ኻብ መዳጐኒ ደምበ ኣውጺኡ ናብ ሞቶም ከም ዚጐዓዙ ዝገበሮም እሱራት፡ 230 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብህይወት ተሪፎም እዮም። ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ዜስካሕክሕ ተመክሮ ኣብ ዝጸሓፍዎ መግለጺ ኣቕዋም ከምዚ ዚብል ቃላት ኣስፈሩ፦ “ነዊሕን ጽንኩርን ናይ ፈተና እዋን ሓሊፉ እዩ፡ እቶም ዝደሓኑ ዘበሉ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኻብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ እኳ እንተ ወጹ፡ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሓለፎምን። . . . ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ካብ የሆዋ ብዝረኸብዎ ብርታዐን ሓይልን ተመሊኦም . . . ኣለዉ።” ኣስዕብ ኣቢሎም ከኣ ከምዚ በሉ፦ “ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ድሕሪ ምጽናሕና፡ ሓንቲ ነገር ጥራይ ኢና እንምነ። እዚ ኸኣ ንዘለኣለመ ኣለም ንየሆዋ [ኸነገልግሎ] እዩ። እዚ ጥራይ እውን ካብ ኵሉ ዝዓበየ ዓስቢ እዩ።”—ምስ ዳንኤል 3:27፣ 6:22 ኣረኣኢ።

13. መከራ ኸነሕልፍ ከለና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንተኣማመን እንኽእል፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

13 ንሕና እውን ብምሳልያዊ መገዲ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ንድርበ ንኸውን። (1 ጴጥ. 5:8-10) ሓድሓደ ግዜ፡ በዚ ኽንድቈስ ንኽእል ኢና። ፈተናና ዜብቅዓሉ ግዜ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እውን ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ዛንታ እዮብ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። የሆዋ ንመከራና ሕጂ ወይ ኣብ ሓዳስ ዓለም መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። እዚ ስርዓት እዚ ድማ ካብቲ የሆዋ ዝመደቦ ግዜ ንሓንቲ መዓልቲ እኳ ኪቕጽል ኣይኪፍቀደሉን እዩ!

ስእልታት፦ ኣገልገልቲ የሆዋ በበይኑ ዓይነት መከራ የሕልፉ። 1. ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ናብ መቓብር ከይዱ ሓዘኑ ኺገልጽ ከሎ፡ ሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ሓው ኣብ ጐድኑ ዀይኑ የጸናንዖ። 2. እንታይ ከም ዚገብሩ ዝሓርበቶም ወለዲ ኣብ ጐድኒ እታ ኣብ ሆስፒታል ዝደቀሰት ጓሎም ኮፍ ኢሎም ኣለዉ። 3. ሓደ እሱር ሓው ብሓደ ዕጡቕ ወተሃደር እናተሓለወ፡ ብርቱዕ ሙቐት ኣብ ዘለዎ ዅነታት ኣየር ብባዴላ ይዅዕት።

የሆዋ ነቲ ኣብ እሙናት ኣገልገልቱ ዚወርድ መከራ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ የፍቅሮም

14-15. የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ እንታይ ኪገብረሎም እዩ ዚደሊ፧ ስለምንታይከ፧ (እዮብ 14:15) (ስእሊ እውን ርአ።)

14 እዮብ 14:15 ኣንብብ። እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንእሙናቱ ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዎ። ኣዝዩ ስለ ዚፈትዎም፡ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናቱ ዳግም ህያዋን ኪገብሮም ይናፍቕ እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ነቲ ሞት ዜስዕቦ ስቓይ ኬወግዶ እዩ።—ኢሳ. 65:17።

15 እዮብ ድሕሪ እዚ ዅሉ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ይነብር እኳ እንተ ነበረ፡ የሆዋ ንጥዕናኡ ኸም ዝመለሰሉን ካብቲ ዝቐደመ ዚዛይድ በረኸት ከም ዝሃቦን ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዜተኣማምን ዛንታ ንፈልጥ ኢና። እዚ በረኸት እዚ ግና ምስቲ የሆዋ ንእዮብ ኣብ መጻኢ ዚገብረሉ ነገር ኪነጻጸር ከሎ፡ ቅምሶ ጥራይ እዩ። የሆዋ ንእሙናቱ ምሉእ ዘይጕዱል ሓጐስ ኪረኽቡ፡ ንህይወት እውን ኬስተማቕርዋ ኸም ዚደልዮም ተራእዩ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ፍጹም ህይወት ኪረኽቡ ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ። (ራእ. 21:3, 4) ከምኡ ንምግባር ድሌት ኣለዎ፣ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ስለ ዝዀነ ድማ ዓጋቲ የብሉን። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ እዋን ፈተና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ!

እዮብ ጥዕናኡ ምስ ተመልሰሉ፡ ብዙሓት ፈተውቱ ንዕኡን ንሰበይቱን ይበጽሕዎም።

መከራ እዮብ ምስ ኣብቅዐ፡ የሆዋ ንዕኡን ንሰበይቱን ኣብዚሑ ባረኾም (ሕጡብ ጽሑፍ 14-15 ርአ)


16. ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገዛኢ መጠን ክንኣምኖ ዚድርኸና እንታይ ተወሳኺ ምኽንያት ኣሎና፧

16 እዮብ ነዊሕ ዕድመ ብህይወት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታኡ ሞተ። የሆዋ ግና ንሞት እኳ ኺስዕር ዚኽእል ልዑላዊ ገዛእን ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽን እዩ። (ዘዳ. 32:39) ስለዚ፡ ንዜፍቅሮም ዘበሉ ኣብ ዝደለዮ ግዜ ዳግም ህያዋን ከይገብር ዚዓግቶ ሓደ እኳ የልቦን።—ሮሜ 8:38, 39።

ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣመን

17. እቲ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ንምጥፋእ ዝገበሮ ጻዕርታት ከም ዝፈሸለ ዜርኢ እንታይ እዩ፧

17 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ዛንታ እዮብ፡ ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽንእመን ዜኽእለና ድልዱል ምኽንያታት ይህበና እዩ። እቲ ሰይጣን ንህዝቢ የሆዋ ንምጥፋእ ዝገበሮ ጻዕርታት ብምፍሻሉ፡ ኣዚና ኢና እንሕጐስ! ሎሚ ኣስታት ትሽዓተ ሚልዮን ሰባት ብተኣማንነት ንየሆዋ የገልግልዎ ብምህላዎም፡ የሆዋ ብሓቂ ልዑላዊ ገዛኢ ምዃኑ ኽንፈልጥ ክኢልና ኢና። ኣንጻር ኣገልገልቲ የሆዋ እተሰርሐ ኣጽዋር ከም ዘይጠቅም ብተደጋጋሚ ተራእዩ እዩ። (ኢሳ. 54:17) ከም ሓጺን ዝኣመሰሉ ኣህዛብን ሃይማኖታዊ ትካላትን ነቶም መከላኸሊ ዘይብሎም ዚመስሉ ህዝቢ የሆዋ ኺድምስስዎም ኣይከኣሉን። ብዛዕባ የሆዋ ሓቂ ኻብ ምንጋር ኰነ ሰይጣን ሓሳውን ቀታል ነፍስን ምዃኑ ኻብ ምቅላዕ ኪዓግተና ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ሞት እኳ ኺዓግተና ኣይክእልን እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ተኣማንነቶም ሓልዮም ዚሞቱ ኼተንስኦም እዩ።—ሆሴ. 13:14።

18. ብዛዕባ መጻኢ ኽንሰግእ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

18 ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ታሪኽ እዮብ ምስ እነስተንትን፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽንሰግእ ከም ዘይብልና እምነትና ነደልድል ኢና። ኣብቲ ብርቱዕ ጸበባ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ድኹማት ኪመስሉ እዮም፡ ሰይጣንን ወኪላቱን ከኣ እተዓወቱ ኺመስሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኸምቲ ብዘመን እዮብ ዝገበሮ፡ ንዅሉ ነገራት ኪቈጻጸሮ እዩ፡ ንሰይጣን እውን ነባሪ ጕድኣት ኬውርድ ኣይኪፈቕደሉን እዩ። እቲ ሰይጣን ኣብ ደቂ ሰብ ዜውርዶ መከራ ዜብቅዓሉ እዋን ብቕልጡፍ ይቐርብ ኣሎ። ሽዑ ድያብሎስን ኣጋንንቱን ን1,000 ዓመት ኣብ መዓሙቝ ኪእሰሩ እዮም። (ሉቃ. 8:31፣ ራእ. 20:1-3) ኣብ መወዳእታ፡ ሰይጣንን ኵሎም እቶም ምስኡ ዚውግኑን ኪጠፍኡ እዮም። (ራእ. 20:10) ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ሰይጣን ርእሱ ኺጭፍለቕ እዩ። እወ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኺጠፍእ እዩ።—ዘፍ. 3:15፣ ሮሜ 16:20።

19. እቶም ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ዚእመኑ እንታይ ዓስቢ እዮም ኪረኽቡ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

19 ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚህሉ ፍጹም ህይወትን ሓጐስን ብሃንቀውታ እዮም ዚጽበይዎ። ህይወት ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ኣዝዩ ጽቡቕ ኪኸውን እዩ። የሆዋ፡ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” ኢሉ ቓል ኣትዩልና ኣሎ። (ራእ. 21:5) እዚ እንታይ እዩ ኼጠቓልል፧ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ፡ ደቂ ሰብ ካብ ብልሽውና፡ ካብ ጽልኢ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ዜሕድርዎ ሕማቕ ጽልዋ ሓራ ኪዀኑ እዮም። ሽዑ ዓብዪ እፎይታ ኺስምዓና እዩ! ብሰሪ ጭንቀት እዛ ኣረጊት ዓለም ድሕሪ ደጊም ድቃስ ኣይክንስእንን ኢና። እቶም ካብ ኣርማጌዶን ዚድሕኑ ሰባት ብደረጃ ዓለምለኸ ዚፍጸም ተኣምራዊ ሕውየት ኪርእዩ እዮም። ብተወሳኺ ድማ፡ ትንሳኤ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ሰብና ኺጅምር እዩ። ሽዑ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንዓና ዝሓለነልና ዓይነት ህይወት ኪህልወና እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ስእልታት ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ ምድራዊት ገነት ጽቡቕ ህይወት የሕልፉ። እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሕጂ ናብ ንእስነቱ ተመሊሱ ምስታ ኻብ ምዉታት ዝተንስአት ቤተ ሰቡ ጽቡቕ ግዜ የሕልፍ። እቶም ወለዲ ምስታ ጥዕና ዝረኸበት ጓሎም ብእግሮም ይዛወሩ። እቲ እሱር ዝነበረ ሓው ኣብ ትሕቲ ኦም ኣብ ጥቓ ዅርኩር ኣንበሳ ኾፍ ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ።

የሆዋ፡ መከራ ንዘሕለፉ እሙናት ኣብዚሑ ኺባርኾም እዩ (ሕጡብ ጽሑፍ 19 ርአ)


20. እንታይ ንምግባር ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

20 እምበኣር፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽንእመን፡ ንልዑላውነቱ እውን ክንድግፍ ቈራጽነት ንግበር። ንሰማያዊ ኣቦና ፍቕርና ኸነርኢ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ እውን ከነርኢ ንቝረጽ። እወ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ንእሙናቱ ዓስቦም ዚህብ ልዑላዊ ጐይታ የሆዋ ዚህሉ ግዝኣት ብሃንቀውታ ኽንጽበዮ ንኽእል ኢና!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታ እዮብ፡ . . .

  • የሆዋ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ምዃኑ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዓስቦም ኪህቦም ከም ዚደሊ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

  • ነቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ምሉእ ብምሉእ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧

መዝሙር 153 ኣትብዓኒ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ