ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ጥቅምቲ ገጽ 18-23
  • ጸሎትካ ብኸመይ ተመሓይሽ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎትካ ብኸመይ ተመሓይሽ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብምትእምማን ናብ የሆዋ ጸሊ
  • ጸሎትካ ብዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዎ እትገብሮ ብኸመይ ኢኻ፧
  • ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ልባዊ ጸሎት ኣስተንትን
  • ወትሩ ብጸሎት ንየሆዋ ቕረቦ
  • ምእንቲ ኻልኦት ምጽላይ ኣይትረስዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ንጸሎትካ ኣመሓይሾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ጥቅምቲ ገጽ 18-23

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 42

መዝሙር 44 ጸሎት ሓደ ትሑት

ጸሎትካ ብኸመይ ተመሓይሽ፧

“ብምሉእ ልበይ እጽውዕ ኣለኹ። ኦ የሆዋ፡ መልሰለይ።”—መዝ. 119:145።

ኣትኵሮ

ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ምስትንታን፡ ጸሎትና ኸነመሓይሽ ይሕግዘና።

1-2. (ሀ) ንየሆዋ ናይ ልብና ኸይንገልጸሉ ዕንቅፋት ኪዀነና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንጸሎትና ኸም ዚሰምዖ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ጸሎትካ ተደጋጋሚ ወይ ዕምቈት ዘይብሉ ዀይኑ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ንዅላትና ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ሃታሃታ ዝመልኦ ህይወት ስለ እንነብር፡ ናይ ታህዋኽ ጸሎት ከነቕርብ ንኽእል ኢና። ወይ ድማ ናብ የሆዋ ንምቕራብ ብቕዓት ዘይብልና ዀይኑ ስለ ዚስምዓና፡ ናይ ልብና ምግላጽ ይኸብደና ይኸውን።

2 የሆዋ በቲ ኣብ ጸሎትና እንጥቀመሉ ብሉጽ ቃላት ከም ዘይምሰጥ፡ የግዳስ ጸሎትና ኻብ ትሑት ልቢ ምፍልፋሉ ኸም ዜገድሶ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ንሱ “ልማኖ ትሑታት” ይሰምዕ እዩ። (መዝ. 10:17፡ እ.ጽ.) ብሓቂ ስለ ዚግደሰልና ድማ፡ ንዅሉ ቓላትና ይሰምዖ እዩ።—መዝ. 139:1-3።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር?

3 ስለዚ፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና፦ ናብ የሆዋ ብምትእምማን ክንጽሊ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ንጸሎትና ብዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዎ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ልባዊ ጸሎት ምስትንታን ጸሎትና ኸነመሓይሽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ ካብ እምብዛ ጭንቀት እተላዕለ ስምዒትና ብቓላት ክንገልጽ እንተ ዘይክኢልናኸ፡ እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።

ብምትእምማን ናብ የሆዋ ጸሊ

4. ብምትእምማን ናብ የሆዋ ምእንቲ ኽንጽሊ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (መዝሙር 119:145)

4 የሆዋ ጽቡቕና ዚምነ እሙን ፈታዊና ኸም ዝዀነ ምስ ተረድኣና፡ ብምትእምማን ናብኡ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ጸሓፊ መዝሙር 119 ምስ የሆዋ ኸምዚ ዓይነት ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎ እዩ ጽዒሩ። ኣብ ህይወቱ ጸገማት የጋጥሞ ነይሩ እዩ። መታለልቲ ሰባት በዲሎምዎ ነይሮም እዮም። (መዝ. 119:23, 69, 78) ናይ ርእሱ ዘይፍጽምና እውን ነይርዎ እዩ። (መዝ. 119:5) ይኹን እምበር፡ ልቡ ኸፊቱ ናይ ውሽጡ ንየሆዋ ንምግላጽ ኣይፈርሀን።—መዝሙር 119:145 ኣንብብ።

5. ኣሉታዊ ስምዒት ካብ ምጽላይ ኪዓግተና ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

5 የሆዋ ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ዝገበሩ እኳ፡ ናብኡ ኺጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ኣሎ። (ኢሳ. 55:6, 7) ስለዚ፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ካብ ምጽላይ ዕንቅፋት ኪዀነና የብሉን። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓደ ንነፋሪት ዜብርር ፓይለት ሓገዝ ኣብ ዜድልዮ እዋን፡ ምስ ተቘጻጸርቲ ትራፊክ ነፈርቲ ኺዛራረብ ከም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። እሞ ደኣ ኣንፈቱ እንተ ጠፊእዎ ወይ እንተ ተጋግዩ፡ ከይዋረድ ካብ ዚብል ስግኣት ምሳታቶም ንምዝርራብ ኪወላወል ይግብኦዶ፧ ኣይፋልን! ንሕና እውን ሓድሓደ ግዜ ኣንፈትና ኸም ዚጠፍኣና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰምዓና ወይ ዋላ እውን እንተ ሓጣእና፡ ብምትእምማን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና።—መዝ. 119:25, 176።

ጸሎትካ ብዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዎ እትገብሮ ብኸመይ ኢኻ፧

6-7. ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ምስትንታን፡ ንጸሎትና ብዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዎ ዚገብሮ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ። (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

6 ንየሆዋ ኣብ ልብና ዘሎ እንተ ኣፍሲስናሉ፡ ማለት ውሽጣዊ ሓሳባትናን ስምዒታትናን እንተ ገሊጽናሉ፡ ጸሎትና ዝያዳ ትርጉም እዩ ዚህልዎ። እሞ ደኣ ዕምቈት ጸሎትና ንምምሕያሽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

7 ብዛዕባ ባህርያት የሆዋ ኣስተንትን።a ብዛዕባ ባህርያቱ ብዝያዳ ብዘስተንተንካ መጠን፡ ከይተሰከፍካ ሓሳባትካ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 145:8, 9, 18) ንኣብነት፡ ክሪስቲን ብዛዕባ እትብሃል ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ቝጡዕ ኣቦ እዩ ነይርዋ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ ሽግር ክትገልጽ ከላ ኸኣ፡ “ንየሆዋ ኸም ኣቦይ ገይረ ምዝራብ ይኸብደኒ ነይሩ፣ ብሰንኪ ዘይፍጽምናይ፡ ዚሓድገኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ ኣብዚ መዳይ እዚ እንታይ ባህርያት የሆዋ እዩ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ባዕላ ትምልስ፦ “እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዘርኣየኒ ፍቕሪ ውሕስነት ከም ዚስምዓኒ ገይሩኒ እዩ። ንሱ ንኢደይ ከም ዘይፍንዋ እፈልጥ እየ። ዋላ እውን እንተ ወደቕኩ ብፍቕሪ ተደሪኹ የተንስኣኒ እዩ። እዚ ድማ ሓጐሰይ ኰነ ሓዘነይ ክገልጸሉ ኣኽኢሉኒ።”

8-9. ቅድሚ ምጽላይካ እንታይ ከም እትብል ምሕሳብ፡ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧ ብኣብነት ኣረድእ።

8 እንታይ ከም እትብል ሕሰብ። ቅድሚ ምጽላይካ፡ እተወሰነ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ‘ሕጂ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጓንፈኒ ዘሎ፧ ይቕረታ ኺገብረሉ ዚግባእ ሰብ ኣሎዶ፧ ሓገዝ የሆዋ ኽረኽበሉ ዚግባእ ሓድሽ ብድሆ ኣጋጢሙኒዶ ኣሎ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ። (2 ነገ. 19:15-19) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣብነት የሱስ ብምስዓብ፡ ንየሆዋ ብዛዕባ ስሙን ብዛዕባ መንግስቱን ብዛዕባ ፍቓዱን ክንልምኖ ንኽእል ኢና።—ማቴ. 6:9, 10።

9 ኣሊስካ ዝስማ ሓብቲ፡ ሰብኣያ ዘይምሕር ናይ ሓንጐል መንሽሮ ኸም ዘለዎ ምስ ፈለጠት ምጽላይ ከቢድዋ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ተዘክሮኣ ኽትገልጽ ከላ፡ “ካብ እምብዛ ጭንቀት እተላዕለ ብንጹር ክሓስብ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ኣብ ጸሎት እንታይ ከም ዝብል ጠፊኡኒ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ እንታይ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ቅድሚ ጸሎት ሓሳባተይ ምእንቲ ኽእክብ፡ እተወሰነ ግዜ እወስድ ነይረ። እዚ ድማ ጸሎተይ ኣብ ርእሰይ ጥራይ ዘተኰረ ኸይከውን ሓጊዙኒ እዩ። እዚ ኣተሓሕዛ እዚ፡ ኣብ እዋን ጸሎት ክሃድእን ዝሓሸ ኣተሓሳስባ ኽሕዝን ሓጊዙኒ እዩ።”

10. ነዊሕ ጸሎት ከነቕርብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

10 ነዊሕ ጸሎት ኣቕርብ። ሓጺር ጸሎት ትርጉም ዘለዎ ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ነዊሕ ጸሎት ግና ውሽጣዊ ሓሳባትና ንምግላጽ ዝያዳ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና።b ምስዚ ብእተተሓሓዘ ኢላይጃ ዝስሙ ሰብኣይ ኣሊስካ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ክጽሊ እየ ዝጽዕር። ነዊሕ ጸሎት ስለ ዘቕርብ ድማ፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ክቐርቦ ኣኽኢሉኒ እዩ። የሆዋ ጸሎተይ ክሳዕ ዝውድእ ብዓቕሊ ጽበት ኣይኰነን ዚጽበየኒ። ስለዚ ግዜ ወሲደ ኽዛረቦ እኽእል እየ።” እምበኣር፡ ስለምንታይ ከምዚ ዘይትገብር፦ ከይተረበሽካ ኽትጽልየሉ እትኽእል ሰዓትን ቦታን ርኸብ፣ ሽዑ፡ ኣዘውቲርካ ነዊሕ ጸሎት ጸሊ። ምናልባት እውን ዓው ኢልካ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ።

ስእልታት፦ 1. ገና ጸሓይ ከይበረቐት፡ ሓደ ሓው ኮፍ ኢሉ ቡን እናሰተየ የስተንትን፣ ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሰደቓ፡ እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ ኣላ። 2. ጸሓይ ምስ በረቐት እውን፡ ካብቲ ኾፍ ዝበለሉ ኸይተንስአ ነዊሕ ጸሎት ይጽሊ ኣሎ።

ነዊሕ ጸሎት ንምቕራብ ዜኽእለካ ግዜን ቦታን ርኸብ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)


ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ልባዊ ጸሎት ኣስተንትን

11. ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸሎት ብምስትንታን ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧ (“ከማታቶም ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)

11 ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ልባዊ ጸሎትን ቅዱስ መዝሙራትን ብምስትንታን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኸመይ ውሽጣዊ ሓሳባቶም ከም ዝገለጹ ኽትርኢ ኸለኻ፡ ልብኻ ንየሆዋ ንምኽፋት ክትለዓዓል ኢኻ። ኣብ ጸሎትካ ኽትጠቕሶ እትኽእል ሓድሽ መግለጺ ውዳሰ እውን ትረክብ ትኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ምስ ኵነታትካ ዚዛመድ ጸሎት ትረክብ ትኸውን።

ከማታቶም ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ልቦም ንየሆዋ ኸፊቶምሉ እዮም። እሞ ደኣ ንዓኻ እውን ከማታቶም ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧

  • ያእቆብ ኣብ እተጨነቐሉ እዋን፡ ኣብ ጸሎቱ ምስጋናኡን እምነቱን ገሊጹ።—ዘፍ. 32:9-12።

  • እቲ ገና ንእሽቶ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ እቲ እተዋህቦ ሓላፍነት ልዕሊ ዓቕሙ ዀይኑ ምስ ተሰምዖ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ለሚኑ።—1 ነገ. 3:7-9።

  • ዳዊት ድሕሪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ንየሆዋ፡ “ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ” ኢሉ ለሚንዎ።—መዝ. 51:9-12።

  • ማርያም ካብ የሆዋ ፍሉይ ሓላፍነት ምስ ተዋህባ፡ ንየሆዋ ወዲሳቶ።—ሉቃ. 1:46-49።

ፕሮጀክት መጽናዕቲ፦ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኣብ ጸሎቱ እንታይ ከም ዝበለ መርምር። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንልማኖኡ ብኸመይ ከም ዝመለሰሉ ርአ። ድሕርዚ፡ ነቲ ዝረኸብካዮ ትምህርቲ ኣብ ኵነታትካ ተጠቐመሉ።

12. ብዛዕባ ጸሎት ከነስተንትን ከለና፡ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት እንኽእል፧

12 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ዚርከብ ጸሎት ከተስተንትን ከለኻ፡ ከምዚ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት፦ ‘ነዚ ቓላት እዚ መን እዩ ተዛሪብዎ፧ ንሱኸ ኣብ ትሕቲ እንታይ ኵነታት እዩ ነይሩ፧ እቲ ኣብዚ ጸሎት እዚ እተገልጸ ሓሳባት ምስ ናተይ ይዛመድ ድዩ፧ ካብኡ እንታይ ክምሃር እኽእል፧’ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምርካብ ተወሳኺ ምርምር ክትገብር የድልየካ ይኸውን። ኣብዚ እትገብሮ ጻዕሪ ግና፡ ዳሕራዩ ኪኽሕሰካ እዩ። እምበኣር፡ ሕጂ ሒደት ኣብነታት ንርአ።

13. ሓደ ኻብቲ ኻብ ጸሎት ሃና እንረኽቦ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ (1 ሳሙኤል 1:10, 11) (ስእሊ እውን ርአ።)

13 ቀዳማይ ሳሙኤል 1:10, 11 ኣንብብ። ሃና ነዚ ጸሎት እዚ ኽትጽሊ ኸላ፡ ክልተ ዓብዪ ጸገም እዩ ኣጋጢምዋ ነይሩ። ቀዳማይ፡ መኻን እያ ነይራ። ካልኣይ ከኣ፡ እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ሰብኣያ ተኸኽ እያ እተብላ ነይራ። (1 ሳሙ. 1:4-7) እሞ ደኣ ኣብ ህይወትካ ላሕ ዜብል ጸገም የጋጥመካ እንተ ኣልዩ፡ ካብ ጸሎት ሃና እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧ ንሳ ነዊሕ ጸሎት ብምጽላይን ኣብ ልባ ዘሎ ናብ ኣምላኽ ብምፍሳስን፡ እፎይታ ረኺባ እያ። (1 ሳሙ. 1:12, 18) ንሕና እውን ብዛዕባ እቲ ጸገማትና ኸመይ ከም ዚስምዓና ብምግላጽ ጾርና ናብ የሆዋ እንተ ደርቢና፡ እፎይታ ኺስምዓና ይኽእል እዩ።—መዝ. 55:22።

ስእልታት፦ 1. ኤልቃና ምስ ክልተ ደቁ ኺጻወት ከሎ፡ ሃና ብሓዘን ገጻ ትመልስ። 2. ጵኒና ንሕጻና ሓቚፋ ፍሽኽ ትብል። 3. ሃና ብጽኑዕ እናጸለየት ትነብዕ። 4. ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ኾፍ ዝበለሉ ዀይኑ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ንሃና ይጥምታ።

ሃና መኻን ብምዃናን በቲ ኻብ ሰበይቲ ሰብኣያ ዝወረዳ ባጫን ምስ ጐሃየት፡ ኣብ ልባ ዘሎ ንየሆዋ ኣፍሰሰትሉ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)


14. (ሀ) ካብ ሃና እንታይ ተወሳኺ ትምህርቲ ንረክብ፧ (ለ) ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምስትንታን ከመይ ጌርና ንጸሎትና ኸነመሓይሾ ንኽእል፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

14 ሃና ኻብቲ ንወዳ ሳሙኤል ዝወለደትሉ ሒደት ዓመታት፡ ናብ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰደቶ። (1 ሳሙ. 1:24-28) ሽዑ ኣብ ዘቕረበቶ ልባዊ ጸሎት ከኣ፡ የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸም ዜዕቍብን ከም ዚሓልን እምነታ ገለጸት።c (1 ሳሙ. 2:1, 8, 9) ኣብ ቤታ ዝነበረ ጸገም ምናልባት ኣይተወገደን ነይሩ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ኻብ የሆዋ ዝረኸበቶ በረኸት ኣተኰረት። ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ኣብቲ የሆዋ ኽሳዕ ሕጂ ዝገበረልና ደገፍ እንተ ኣተኲርና፡ ንዘጋጥመና ጸገም ብዝያዳ ኽንጻወር ንኽእል ኢና።

15. ዘይፍትሓውነት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ካብቲ ኤርምያስ ዜቕረቦ ልማኖ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (ኤርምያስ 12:1)

15 ኤርምያስ 12:1 ኣንብብ። ነብዪ ኤርምያስ ኣብ ሓደ እዋን፡ እኩያት ኪሰልጦም ምስ ረኣየ፡ ተረቢሹ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ በቲ ኻብቶም ደቂ ዓዱ ዝዀኑ እስራኤላውያን ዝወረዶ ላግጺ ተጸልዩ ነበረ። (ኤር. 20:7, 8) ንሕና እውን ዘይቅኑዓት ሰባት ኪሰልጦም ክንርኢ ኸለና ወይ ኣደዳ ላግጺ ኽንከውን ከለና፡ ከም ናቱ ዓይነት ስምዒት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ኤርምያስ ብስጭቱ እኳ እንተ ገለጸ፡ ንፍትሒ ኣምላኽ ግና ኣብ ሕቶ ኣየእተዎን። የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቡ ብኸመይ ከም ዝገሰጾም ምስ ረኣየ፡ ብዛዕባ ፍትሒ ኣምላኽ ዘለዎ እምንቶ ወሲኹ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤር. 32:19) ንሕና እውን፡ የሆዋ ብግዜኡ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጥመና ዘይፍትሓውነት ከም ዜዐርዮ ብምትእምማን ብስጭትና ብጸሎት ክንገልጽ ንኽእል ኢና።

16. ብሰንኪ ህሉው ኵነታት ዓቕምና እንተ ተደሪቱ፡ ካብቲ ናብ ምርኮ እተወስደ ሌዋዊ እንታይ ንምሃር፧ (መዝሙር 42:1-4) (ስእልታት እውን ርአ።)

16 መዝሙር 42:1-4 ኣንብብ። እዛ መዝሙር እዚኣ፡ ብሓደ ናብ ምርኮ እተወስደ እሞ፡ ምስ ከምኡ ዝበሉ ኣምለኽቲ ኺራኸብ ዘይከኣለ ሌዋዊ እያ ተጻሒፋ። ከመይ ከም ዚስምዖ ኸኣ፡ ኣብ መዝሙሩ ገሊጹ ኣሎ። ንሕና እውን ዓዲ ውዒል እንተ ዄንና ወይ ብምኽንያት እምነትና እንተ ተኣሲርና፡ ከም ናቱ ዓይነት ስምዒት ከነሕድር ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ስምዒትና ዚቀያየር እኳ እንተ ዀነ፡ ነዚ ግና ብጸሎት ክንገልጾ ኣሎና። እዚ ኸኣ ሓሳባትና ኽንምርምር፡ ግቡእ ኣረኣእያ እውን ክንሕዝ ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ሌዋዊ፡ ንየሆዋ ዚውድሰሉ ሓድሽ ኣጋጣሚታት ከም ዘለዎ ተገንዚቡ እዩ። (መዝ. 42:5) የሆዋ ብኸመይ ይከናኸኖ ኸም ዘሎ እውን ኣስተንቲኑ እዩ። (መዝ. 42:8) ናብ ኣምላኽ ብጽኑዕ እንተ ጸሊና፡ ስምዒታትና ኽንምርምር፡ ሚዛንና ኽንሕሉ፡ ንምጽዋር ዜኽእለና ብርታዐ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ስእልታት፦ 1. ሓደ ሌዋዊ ኣብ በረኻ ዀይኑ ብጽኑዕ ይጽሊ። 2. ሓደ ሓው ኣብ ዓራት ሆስፒታል ኮፍ ኢሉ ይጽሊ፣ እተገንጸለት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ሰለፉ ኣላ።

እቲ ንመዝሙር 42 ዝጸሓፋ ሌዋዊ፡ ልቡ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰ። ንሕና እውን ስምዒታትና ብጸሎት እንተ ገሊጽና፡ ዝሓሸ ኣረኣእያ ኽንሕዝ ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)


17. (ሀ) ካብ ጸሎት ነብዪ ዮናስ እንታይ ንምሃር፧ (ዮናስ 2:1, 2) (ለ) ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ገሊኡ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ቃላት ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (እግረ ጽሑፍ ርአ።)

17 ዮናስ 2:1, 2 ኣንብብ። ነብዪ ዮናስ ነዚ ጸሎት እዚ ኬቕርብ ከሎ፡ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ እዩ ነይሩ። ትእዛዝ የሆዋ እኳ እንተ ጠሓሰ፡ የሆዋ ኸም ዚሰምዖ ግና ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ልማኖኡ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ዚርከብ ብዙሕ ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ።d ስለዚ ነቲ መዝሙራት እቲ ይፈልጦ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለ ዘስተንተነሉ ድማ፡ የሆዋ ኸም ዚረድኦ ርግጸኛ ኪኸውን ከኣለ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ንገሊኡ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኣእምሮና እንተ ኣጽኒዕናዮ፡ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ እቲ ጥቕስታት እቲ ትዝ ኪብለናን ኬጸናንዓናን ይኽእል እዩ።

ወትሩ ብጸሎት ንየሆዋ ቕረቦ

18-19. ሓድሓደ ግዜ፡ ስምዒትና ብቓላት ክንገልጽ እንተ ዘይክኢልና፡ ኣብ ሮሜ 8:26, 27 እንታይ መረጋገጺ ኢና እንረክብ፧ ኣብነት ሃብ።

18 ሮሜ 8:26, 27 ኣንብብ። ሓድሓደ ግዜ፡ ኣመና ስለ እንጭነቕ፡ ስምዒትና ብቓላት ክንገልጽ ኣይንኽእልን ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ “ይልምነልና” እዩ። ብኸመይ፧ የሆዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ብዙሕ ጸሎት ኣብ ቃሉ ኸም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ሓሳብና ብንጹር ክንገልጸሉ ኣብ ዘይንኽእለሉ እዋን፡ የሆዋ ንገሊኡ ኻብዚ ጸሎት ከም ልማኖና ገይሩ ኺወስዶ እሞ መልሲ ኺህበና ይኽእል እዩ።

19 እዚ ሓሳብ እዚ የሌና ንዝስማ ሩስያዊት ሓብቲ ሓጊዝዋ እዩ። ንሳ ብምጽላያን መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባባን ተኣስረት። ብዙሕ ውጥረት ስለ ዘጋጠማ ኸኣ፡ ክትጽሊ ኣይከኣለትን። ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ብምባል ተዘንቱ፦ “ዓቕለይ ምስ ጸበበንን ብዛዕባ እንታይ ከም ዝጽሊ ምስ ጠፍኣንን፡ የሆዋ ነቲ . . . ኣብ ሕሉፍ ኣገልገልቱ ዝጸለይዎ ጸሎት ከም ልማኖይ ገይሩ ኸም ዚቕበሎ ዘኪረ። . . . ኣብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዋን፡ እዚ ብዙሕ ኣጸናኒዑኒ እዩ።”

20. ኣብ ትሕቲ ውጥረት ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ከመይ ጌርና ኢና ኣእምሮና ንጸሎት ከነዳሉ እንኽእል፧

20 ኣብ ትሕቲ ውጥረት ኣብ እንዀነሉ እዋን፡ ክንጽሊ ኸለና ኸነተኵር ኣይንኽእልን ንኸውን። ስለዚ ንኣእምሮና ንምድላው፡ ናይ መጽሓፍ መዝሙር ቅዳሓት ኣውድዮ ኽንሰምዕ ንኽእል ኢና። ከምቲ ንጉስ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ፡ ስምዒትና ኣብ ጽሑፍ ከነስፍር ንኽእል ኢና። (መዝ. 18፡ 34፡ 142፣ ልዕለ ጽሑፋት።) ልክዕ እዩ፡ ንጸሎት ብኸመይ ክንዳሎ ኸም ዚግባእ እተሰርዐ ሕግታት የሎን። (መዝ. 141:2) ስለዚ፡ ንዓኻ ዚዓይየልካ ሜላታት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።

21. ብምሉእ ልብና ኽንጽሊ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

21 ሓንቲ እኳ ኸይተዛረብና የሆዋ ስምዒትና ኸም ዚርድኣልና ምፍላጥና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። (መዝ. 139:4) ኰይኑ ግና፡ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ ኽንገልጽ ከለና ደስ ይብሎ እዩ። ስለዚ፡ ናብቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ንምጽላይ ኣይትወላወል። ካብቲ ኣብ ቃሉ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ተምሃር። ብምሉእ ልብኻ ጸሊ። ሓጐስካን ሓዘንካን ኣካፍሎ። የሆዋ ድማ ናይ ሓቂ ፈታዊኻ ስለ ዝዀነ፡ ወትሩ ምሳኻ ኪኸውን እዩ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ንየሆዋ ብጸሎት ኣቢልካ ናይ ልብኻ ንምንጋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

  • ጸሎትካ ትርጉም ዘለዎ ምእንቲ ኪኸውን፡ እንታይ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧

  • ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ልባዊ ጸሎት ብምስትንታን፡ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

መዝሙር 45 ምስትንታን ልበይ

a ኣብታ ንክርስትያናዊ ህይወት ዚኸውን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “የሆዋ” ኣብ ትሕቲ ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ገለ ኻብቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ” ኣብ ዚብል ርአ።

b ንጉባኤ ወኪልካ ዚቐርብ ህዝባዊ ጸሎት ብሓፈሻኡ ሓጺር ኪኸውን ይግባእ።

c ሃና ኣብ ጸሎታ፡ ምስቲ ኣብ ጽሑፋት ሙሴ ዘሎ ቓላት ዚመሳሰል ሓሳባት ጠቒሳ እያ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ግዜ ወሲዳ ኣስተንቲና ኽትከውን ኣለዋ። (ዘዳ. 4:35፣ 8:18፣ 32:4, 39፣ 1 ሳሙ. 2:2, 6, 7) ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት ከኣ፡ ማርያም ኣደ የሱስ ምስ ናይ ሃና ኣጸቢቑ ዚመሳሰል ቃላት ውዳሰ ተጠቒማ እያ።—ሉቃ. 1:46-55።

d ንኣብነት፡ ነቲ ዮናስ እተዛረበሉ መስርዕ ብምሕላው ንዮናስ 2:3-9 ምስ መዝሙር 69:1፣ 16:10፣ 30:3፣ 142:2, 3፣ 143:4, 5፣ 18:6፣ 3:8 ኣረኣኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ