ዓንቀጽ መጽናዕቲ 41
መዝሙር 108 ኣምላኽና ብተኣማንነት የፍቅር
ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
“ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ፡ ንሱ ድማ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንየሆዋ ኣመስግንዎ።”—መዝ. 136:1።
ኣትኵሮ
ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ኣብ እዋን ፈተና ተስፋ ኸይንቘርጽ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና።
1-2. ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ጸገም እዩ ዜጋጥሞም፧
ኣብ ማእከል ማዕበል ዘላ ጃልባ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣል። እቲ ናብዝን ናብትን ዚጻፋዕ ማዕበላት ነታ ጃልባ ሓፍ ፈጠቕ የብላ። መልህቕ እንተ ዘየውሪዳ፡ ናብ ዝደለዮ ኣንፈት እዩ ዚወስዳ። እቲ መልህቕ ግና ነታ ጃልባ ኣብ ሓደ ቦታ ኸም እትቐውም፡ ብማዕበል እውን ከም ዘይትውሰድ ይገብራ።
2 ከም ማዕበል ዝኣመሰለ ፈተናታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከምታ ጃልባ ዝዀንካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ስምዒታትካ ኽብ ለጠቕ ኪብል ይኽእል እዩ። ሓደ መዓልቲ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ከም ዚድግፈካን ርግጸኛ ትኸውን፣ ንጽብሒቱ ድማ ሽግርካ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ እኳ ትጠራጠር። (መዝ. 10:1፣ 13:1) ምናልባት ሓደ ፈታዊኻ ምስ ኣጸናንዓካ፡ ንእተወሰነ እዋን ጽቡቕ ይስምዓካ። (ምሳ. 17:17፣ 25:11) ድሕሪኡ ግና ተመሊስካ ትጠራጠር። የሆዋ ብኣኻ ተስፋ ቘሪጹ እንተ ዀይኑ እውን ክትሓስብ ትጅምር። ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ ብምሳልያዊ መገዲ መልህቕ ከተውርድ እትኽእል፧ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካን ከም ዚድግፈካን ከመይ ጌርካ ኢኻ ርግጸኛ ኽትከውን፡ ንሓዋሩ እውን ርግጸኛ ዄንካ ኽትመላለስ እትኽእል፧
3. ኣብ መዝሙር 31:7ን 136:1ን ተጠቒሱ ዘሎ “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ ብተኣማንነት ብምፍቃር ዝመጸ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት እዩ እንብልከ ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
3 ሓደ ኻብቲ ኣብ እዋን ፈተና ኸም መልህቕ ዚዀነካ ነገር፡ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእየካ ፍቕሪ ምዝካር እዩ። (መዝሙር 31:7፣ 136:1 ኣንብብ።) እተን “ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ዚብላ ቓላት፡ ሓደ ምስ ካልእ ንዘለዎ ዓሚቝን ነባርን ፍቕሪ የመልክታ። ብተኣማንነት ብምፍቃር ዝመጸ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚዀነና። መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ፡ “ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ” ኢሉ ይገልጾ። (ዘጸ. 34:6, 7) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዛዕባኡ ኺዛረብ ከሎ፡ “ንዅሎም እቶም ዚጽውዑኻ፡ ኣብዚሕካ ብተኣማንነት ተፍቅሮም ኢኻ” ይብል። (መዝ. 86:5) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ኸቶ ኣይሓድጎምን እዩ! የሆዋ እሙን ምዃኑ እንተ ዘኪርካ፡ ከም ማዕበል ዚናወጽ ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ኽትጸንዕ ኢኻ።—መዝ. 23:4።
ከምቲ መልህቕ ንጃልባ ብማዕበል ከም ዘይትውሰድ ዚገብራ፡ ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎና እምንቶ እውን ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንጸንዕ የኽእለና (ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ)
ፍቕሪ የሆዋ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ዘክር
4. ገለ ኻብ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቐስ፡ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ስለምንታይ ብቐሊሉ ኸም ዘይንቕነቕ እውን ግለጽ።
4 ኣብ እዋን ፈተና ኸም መልህቕ ኪዀነካ ዚኽእል ካልእ ነገር፡ ፍቕሪ የሆዋ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ምዝካር እዩ። “መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ” ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኻ እትሓስብ፧ ምናልባት ብዛዕባ እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርካዮ ሰረተ እምነታዊ ሓቅታት ትሓስብ ትኸውን። ንኣብነት፡ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ፡ የሱስ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ምዉታት ገለ እኳ ከም ዘይፈልጡ፡ ከምኡ እውን ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ዚነብሩላ ገነታዊት ምድሪ ኸም እትመጽእ ተማሂርካ ኢኻ። (መዝ. 83:18፣ መክ. 9:5፣ ዮሃ. 3:16፣ ራእ. 21:3, 4) ነዚ ትምህርትታት እዚ ምስ ተቐበልካዮ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ኣይንቕነቕን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓቂ ኸም እተሰረተ ትፈልጥ ኢኻ። እምበኣር፡ ንፍቕሪ የሆዋ ኸም መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጌርካ ምርኣይ፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባኻ ኸም ዘይሓሊ ወይ ከም ዘየስተብህል ጌርካ እተሕድሮ ኣተሓሳስባ ብኸመይ ከም ዜወግዶ ንርአ።
5. ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ብኸመይ ከም እነፍርሶ ግለጽ።
5 መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመርካ፡ ንናይ ሓሶት ትምህርትታት ንምንጻግ እንታይ ሓጊዙካ፧ ነቲ ኣብ ሃይማኖትካ እተምሃርካዮ ነገር ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትምህርትታት ምንጽጻር፡ ኣብዚ መዳይ ሓጊዙካ ኪኸውን ኣለዎ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። የሱስ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ትኣምን ኔርካ ንበል። መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ምስ ጀመርካ ግና፡ ‘እዚ ትምህርቲ እዝስ ሓቂ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ኽትሓትት ጀሚርካ። ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ድሕሪ ምምርማር ከኣ፡ ልክዕ ከም ዘይኰነ ኽትድምድም ክኢልካ። ድሕሪኡ ነቲ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ተኪእካዮ። የሱስ “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት፡” “ሓደ ወዲ ኣምላኽ” እዩ። (ቈሎ. 1:15፣ ዮሃ. 3:18) ልክዕ እዩ፡ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ብቐሊሉ ኸም ዘይፈርስ “ጽኑዕ ዕርድታት” ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 10:4, 5) ሓንሳእ ምስ ኣፍረስካዮ ግና፡ ናብቲ ሓዲግካዮ ዝመጻእካ ሰረተ ትምህርትታት ኣይትምለስን ኢኻ።—ፊል. 3:13።
6. የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ስለምንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧
6 ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎ ትምህርቲ ብእተተሓሓዘ እውን ተመሳሳሊ ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ኽትጠራጠር እንተ ጀሚርካ፡ ‘እዚ ኣተሓሳስባይ እዝስ ቅኑዕ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። እቲ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዝመጸካ ጥርጣረ ምስቲ ኣብዛ ቐንዲ ጥቕስና ዝዀነት መዝሙር 136:1 ዚርከብ ቃላት ኣነጻጽሮ። እሞ ደኣ የሆዋ “ብተኣማንነት” ፍቕሪ ኸም ዜርኢ ዝገለጸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብዛ መዝሙር እዚኣኸ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ዚብል ሓሳብ 26 ሳዕ እተደጋገመ ስለምንታይ እዩ፧ ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ፡ ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ንስኻ እውን እተቐበልካዮ ኻልእ ሰረተ እምነታት፡ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ‘ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ የብለይን፡ ወይ ንሱ ኣይፈትወንን እዩ’ ዚብል ሓሳብ ሓሶት እዩ። ከምቲ ንኻልእ ናይ ሓሶት ትምህርትታት እትነጽጎ፡ ነዚ እውን ብጽኑዕ ንጸጎ!
7. ገለ ኻብቲ ንፍቕሪ የሆዋ ዜረጋግጸልና ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥቐስ።
7 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንፍቕሪ የሆዋ ዜረጋግጸልና ብዙሕ መግለጺታት ንረክብ ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም” ኢልዎም እዩ። (ማቴ. 10:31) የሆዋ ኸኣ ንህዝቡ፡ “ከጽንዓካ፡ እወ፡ ክረድኣካ፡ ብናይ ጽድቂ የማነይቲ ኢደይ እውን ክሕዘካ እየ” ኢልዎም እዩ። (ኢሳ. 41:10) እዚ ኣገላልጻ እዚ ንጹር ምዃኑ ኣስተብህል። የሱስ፡ ‘ክትበልጹ ትኽእሉ ኢኹም’ ኣይኰነን ኢሉ። የሆዋ እውን ‘ክረድኣካ እኽእል እየ’ ኣይኰነን ኢሉ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብንጹር፡ “ትበልጹ ኢኹም፡” “ክረድኣካ . . . እየ” እዮም ኢሎምና። ፈተና ኼጋጥመካ ኸሎ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ እንተ ሓዲሩካ፡ እዚ ጥቕስታት እዚ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ጥራይ ኣይኰነን ዚገብር፣ የግዳስ፡ ንፍቕሪ የሆዋ ኸም እትፈልጦን ከም እትኣምነሉን ኪገብረካ ይኽእል እዩ። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ሓቂ እተሰረተ እዩ፣ ነዚ ብጸሎት እንተ ኣስተንቲንናሉ ኸኣ ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 4:16 ዚርከብ፡ “ነታ ኣምላኽ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣለና” ዚብል ቃላት ከነቃልሕ ንኽእል ኢና።a
8. ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ እንተ ተጠራጢርካ፡ እንታይ ኢኻ ኽትገብር እትኽእል፧
8 ሓድሓደ ግዜ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ እንተ ተጠራጠርካኸ፧ ነቲ ስምዒትካ ምስቲ ብዛዕባኡ ዘሎካ ፍልጠት ኣነጻጽሮ። ስምዒታት ማዕረ ጭቡጥ ሓቅታት ዜተኣማምን ኣይኰነን፣ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዚገልጽ ትምህርቲ ግና ጭቡጥ ሓቂ እዩ። ካልእ ኣተሓሳስባ ምሓዝ፡ ነታ ቐንዲ ባህርይ የሆዋ ዝዀነት ፍቕሪ ዕሽሽ ከም ምባል ኪቝጸር ይከኣል እዩ።—1 ዮሃ. 4:8።
የሆዋ ኸም ‘ዚፈትወካ’ ኣስተንትን
9-10. ኣብ ከባቢ እተን ኣብ ዮሃንስ 16:26, 27 ተመዝጊበን ዘለዋ፡ “ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ” ዚብላ ቓላት የሱስ ዘሎ ሓሳብ እንታይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
9 ብዛዕባ እቲ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት ብምስትንታን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ብዝያዳ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 16:26, 27 ኣንብብ።) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጽቡቕ ምእንቲ ኺስምዖም ጥራይ ኢሉ ኣይኰነን ነዚ ቓላት እዚ ተዛሪብዎም። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ኣብቲ እዋን እቲ ብዛዕባ ስምዒቶም ኣተሓሳሲብዎ ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ ብዛዕባ ጸሎት እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ።
10 ቀቅድሚ እዚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ዘይኰነስ፡ ብእኡ ኣቢሎም ኪጽልዩ ኸም ዚግባኣ ነጊርዎም ነይሩ። (ዮሃ. 16:23, 24) ነዚ ነገር እዚ ኺፈልጡ የድልዮም ነይሩ እዩ። ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ንምጽላይ ኪልዓዓሉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። ስለምንታይሲ፡ የሱስ ፈታዊኦም እዩ ዀይኑ ነይሩ። ንሱ ንዓታቶም ስለ ዚፈትዎም ልማኖኦም ከም ዚሰምዕ፡ ናብ ኣቦኡ እውን ከም ዜቕርበሎም ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። የሱስ ግና ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺሕዙ ኣይደለዮምን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣቦ ባዕሉ ይፈትወኩም እዩ” ኢሉ ኣብሪሁሎም ኣሎ። እዚ ጭቡጥ ሓቂ እዚ፡ ክፍሊ እቲ ምስ ጸሎት ዚተሓሓዝ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። እዚ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ እሞ ሕሰብ። ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ፡ ንየሱስ ፈሊጥካዮን ኣፍቂርካዮን ኢኻ። (ዮሃ. 14:21) ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽ ባዕሉ ኸም ዚፈትወካ’ ስለ እትፈልጥ፡ ብምትእምማን ናብኡ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ናብ የሆዋ ብዝጸለኻ መጠን፡ ኣብዘን ቃላት እዚአን እምነት ከም ዘሎካ ኢኻ እተርኢ።—1 ዮሃ. 5:14።
የሆዋ ‘ባዕሉ ኸም ዚፈትወካ’ ብምትእምማን፡ ናብኡ ኽትጽሊ ትኽእል ኢኻ (ሕጡብ ጽሑፍ 9-10 ርአ)b
ጥርጣረታት ካበይ ከም ዚመጽእ ፍለጥ
11. ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ እንተ ኣሕዲርና፡ ሰይጣን ዚሕጐስ ስለምንታይ እዩ፧
11 ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዚልዓል ጥርጣረታት ካበይ እዩ ዚመጽእ፧ ‘ምንጪ እዚ ጥርጣረታት እዚ ሰይጣን እዩ’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን፣ እዚ እተወሰነ ሓቅነት ኣለዎ። ድያብሎስ ‘ኪውሕጠና’ ይደሊ እዩ፣ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ ኸነሕድር እውን ይደልየና እዩ። (1 ጴጥ. 5:8) የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ እዩ ነቲ በጃ ኣዳልዩልና። ሰይጣን ድማ ነዚ ኸም ዘይንበቅዕ ኰይኑ ኺስምዓና እዩ ዚደሊ። (እብ. 2:9) ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ እንተ ኣሕዲርና ግና፡ መን እዩ ዚጥቀም፧ ሰይጣን። ኣብ ትሕቲ ጸገም እንተ ተሓሊልናኸ፡ መን እዩ ዚርባሕ፧ ሰይጣን። እቲ ሰይጣን ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ ኺሓድረና ዚገብሮ ጻዕሪ፡ ግርምቢጥ ኪብሃል ይከኣል እዩ። ከም ሓቂ ንሱ እዩ ፍቕሪ የሆዋ ስኢኑ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ ሓደ ኻብቲ ‘ተንኰሉ፡’ ንሕና ብየሆዋ ዘይንፍቶን እተዀነንናን ከም ዝዀንና ኺስምዓና እዩ ዚጽዕር። (ኤፌ. 6:11፡ እ.ጽ.) ጸላኢና እንታይ ይህቅን ከም ዘሎ ምስ ተገንዘብና፡ ‘ንድያብሎስ ንምጽራር’ ቈራጽነትና ኸነደልድል ንኽእል ኢና።—ያእ. 4:7።
12-13. እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ ኸም ዚልዓለና ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
12 ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ዚልዓል ጥርጣረታት ካብ ካልእ ምንጪ እውን ኪመጽእ ይኽእል እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት እዩ። (መዝ. 51:5፣ ሮሜ 5:12) ሓጢኣት ንወዲ ሰብ ካብ ፈጣሪኡ ፈልይዎ ኣሎ። ንኣእምሮኡን ንልቡን ንሰብነቱን እውን ጐዲእዎ ኣሎ።
13 ሓጢኣት ስምዒታዊ ነውጺ ፈጢሩልና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ በደለኛነት፡ ጭንቀት፡ ስግኣት፡ ሕፍረት ይስምዓና እዩ። ምናዳ ኽንሓጥእ ከለና፡ ከምኡ እዩ ዚስምዓና። ብዘይካዚ ግና፡ ምስ ኣፈጣጥራና ፈጺሙ ዘይቃዶ ሓጢኣት ከም ዝወረስና ስለ እንፈልጥ፡ ከምኡ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። (ሮሜ 8:20, 21) ከምቲ ጎማኣ ዝነፈሰ ማኪና ብግቡእ ክትጐዓዝ ዘይትኽእል፡ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት እውን ከምቲ እተፈጠርናሉ ብምሉእ ዓቕምና ኽንንቐሳቀስ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ሓድሓደ ግዜ ጥርጣረ እንተ ተላዕለና ኼገርመና የብሉን። ከምኡ ኺስምዓና ኸሎ፡ የሆዋ ‘ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን ብተኣማንነት ዜፍቅር ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ’ ምዃኑ ንዘክር።—ነህ. 1:5።
14. ብዛዕባ እቲ በጃ ምስትንታን፡ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ንዚሓድረና ጥርጣረ ዜወግዶ ብኸመይ እዩ፧ (ሮሜ 5:8) (“‘ብሓጢኣት ከይትታለል’ ተጠንቀቕ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
14 ልክዕ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዘይግብኣና ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ሓቂ ንምዝራብ ከኣ፡ ዚግብኣና ዀይኑ ኣይኰነን። እዚ ድማ እዩ ንፍቕሩ ዓሚቝ ዚገብሮ። ፍቕሪ የሆዋ ኸም ጻማ ጻዕሪ ዀይኑ ዚውሃበና ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ እቲ በጃ ንሓጢኣትና ይሽፍነልና እዩ። የሆዋ ድማ ስለ ዜፍቅረና እዩ ነዚ መሰናድዎ እዚ ገይሩልና። (1 ዮሃ. 4:10) ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሱስ ንፍጹማት ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ ኣይንረስዕ። (ሮሜ 5:8 ኣንብብ።) ዋላ ሓዴና ብፍጽምና ኽንመላለስ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሆዋ እውን ከምኡ ኽንገብር ኣይጽበየናን እዩ። ዝወረስናዮ ሓጢኣት ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ኸም እንጠራጠር ኪገብረና ከም ዚኽእል ምስ ተረድኣና፡ ምስቲ ኣብ ኣተሓሳስባና ዜሕድሮ ጽልዋ ንምቕላስ ቈራጽነትና ነደልድል ኢና።—ሮሜ 7:24, 25።
ብተኣማንነት ንምምልላስ ወስን
15-16. ንየሆዋ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና፡ ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧ ስለምንታይከ፧ (2 ሳሙኤል 22:26)
15 የሆዋ ናብኡ ‘ብምልጋብ’ ቅኑዕ ውሳነ ኽንገብር ይደልየና እዩ። (ዘዳ. 30:19, 20) ከምኡ እንተ ጌርና፡ ንሱ እውን እሙን ከም ዚዀነልና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (2 ሳሙኤል 22:26 ኣንብብ።) ንሕና ንየሆዋ እሙናት ክሳዕ ዝዀንና ኸኣ፡ ኣብ ህይወትና ኣብ ዚልዓል ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንሱ ኸም ዚድግፈና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
16 ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ብምሳልያዊ መገዲ መልህቕና ኸነውርድ ንኽእል ኢና። የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚድግፈናን ንፈልጥ ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ እዩ ዚምህር። ብዛዕባ ፍቕሩ ጥርጣረ እንተ ተላዒሉና፡ ብዛዕባ እቲ ዚስምዓና ስምዒት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቲ ሓቂ ምዃኑ እንፈልጦ ነገር ነስተንትን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ድማ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ የሆዋ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ንተኣማመን።
መዝሙር 159 ንየሆዋ ኽብሪ ሃብዎ
a ካልእ ኣብነታት ኣብ ዘዳግም 31:8ን መዝሙር 94:14ን ኢሳይያስ 49:15ን ይርከብ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ሓደ ሓው ንዝሓመመት ሰበይቱ ንምክንኻን፡ ንገንዘቡ ንምክዋን፡ ንጓሉ ኸኣ ፍቕሪ የሆዋ ኸተሕድር ንምስልጣን ዜኽእሎ ሓገዝ ምእንቲ ኺውሃቦ ኢሉ ይጽሊ።