ዓንቀጽ መጽናዕቲ 33
መዝሙር 4 “የሆዋ ጓሳይየይ እዩ”
ንፍቕሪ የሆዋ ተቐበሎ
“ስለዚ እየ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ ዝሰሓብኩኺ።”—ኤር. 31:3።
ኣትኵሮ
ንፍቕሪ የሆዋ ስለምንታይ ክንቅበሎ ኸም ዘሎና፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎና እምንቶ እውን ብኸመይ ከነደልድል ከም እንኽእል።
1. ርእስኻ ንየሆዋ ዝወፈኻ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
ርእስኻ ንየሆዋ ዝወፈኻሉ ግዜስ ትዝክሮዶ፧ ንየሆዋ ስለ ዝፈለጥካዮን ስለ ዘፍቀርካዮን ኢኻ እዚ ውሳነ እዚ ወሲንካ። ፍቓዱ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ኸም እትህቦ፡ ብምሉእ ልብኻን ነፍስኻን ኣእምሮኻን ሓይልኻን እውን ከም እተፍቅሮ ቓል ኣቲኻሉ። (ማር. 12:30) ካብቲ ግዜ እቲ ንነጀው፡ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ እናሓየለት ከይዳ። እሞ ደኣ ሓደ ሰብ፡ “ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮስ ርግጸኛ ዲኻ፧” ኢሉ እንተ ዚሓትተካ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ከይተወላወልካ፡ “ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ አፍቅሮ እየ!” ኢልካ ምመለስካ።
ነቲ ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ ንየሆዋ ዝነበረካ ፍቕርስ ትዝክሮዶ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ)
2-3. የሆዋ እንታይ ክንቅበል እዩ ዚደልየና፧ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣኸ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧ (ኤርምያስ 31:3)
2 እንተዀነ ግና፡ ሓደ ሰብ፡ “የሆዋ ኸም ዜፍቅረካስ ርግጸኛ ዲኻ፧” ኢሉ እንተ ዚሓትተካ፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ፍቕሪ የሆዋ ኸም ዘይግብኣካ ጌርካ ብምሕሳብ፡ ምላሽ ንምሃብ ምተወላወልካዶ፧ ሕማቕ ኣተዓባብያ ዝነበራ ሓንቲ ሓብቲ፡ “ንየሆዋ ከም ዘፍቅሮ እፈልጥ እየ። ብዛዕባ እዚ ጥርጣረ የብለይን። የሆዋ የፍቅረኒ እንተ ዀይኑ ግና፡ ብዙሕ ሳዕ የጠራጥረኒ እዩ” ትብል። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባኻ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧
3 የሆዋ ብዛዕባ ፍቕሩ ርግጸኛ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። (ኤርምያስ 31:3 ኣንብብ።) ከም ሓቂ፡ የሆዋ እዩ ናብኡ ስሒቡካ። ስለዚ፡ ርእስኻ ኽትውፍን ክትጥመቕን ከለኻ፡ ብሓቂ ኽቡር ዝዀነ ነገር ኢኻ ረኺብካ። እወ፡ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሩ እዩ ሂቡካ። እቲ ፍቕሪ እቲ ዓሚቝን ነባርን እዩ። በዚ ተደሪኹ ኸኣ ንእሙናት ኣምለኽቱ፡—እንተላይ ንዓኻ እውን ማለት እዩ፡—“ዘኽብሮ ገንዘበይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ። (ሚል. 3:17፡ እ.ጽ.) ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንዕኡ ዝነበሮ ፍቕሪ ርግጸኛ ዝነበረ፡ የሆዋ ንዓኻ እውን ብዛዕባ ፍቕሩ ርግጸኛ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ጳውሎስ ብምትእምማን ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡ ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብ . . . ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።” (ሮሜ 8:38, 39) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዘሎና እምንቶ ስለምንታይ ከነደልድል ከም ዘሎናን ከምኡ ንምግባር እንታይ ከም ዚሕግዘናን ክንመያየጥ ኢና።
ንፍቕሪ የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4. ምስቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ዝኸፍአ ፍሕሶ ብኸመይ ክንቃለስ ንኽእል፧
4 ንፍቕሪ የሆዋ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ምስ “ፍሕሶ” ሰይጣን ክንቃለስ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 6:11) ሰይጣን ነቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንምጕንዳብ ዚከኣሎ ይገብር እዩ። ሓደ ኻብቲ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ዝኸፍአ ፍሕሶ ኸኣ፡ የሆዋ ኸም ዘየፍቅረና ገይሩ ዚነዝሖ ሓሶት እዩ። ሰይጣን ተበላጺ ምዃኑ ኣይንረስዕ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ተኣፈፍቲ ኣብ እንዀነሉ እዋን እዩ መጥቃዕቱ ዚፍኑ። ብሕሉፍ ነገራት፡ ሕጂ ብዜጋጥመና ጸገማት፡ ወይ ብዛዕባ መጻኢ ብዘሎና ስግኣት ብስምዒታዊ መዳይ ክንደክም ከለና እዩ መጥቃዕቱ ዚፍኑ። (ምሳ. 24:10) ሰይጣን ከምቲ ኣብ ልዕሊ ግዳያቱ መጥቃዕቲ ዚፍኑ ኣንበሳ እዩ። ስለዚ፡ ምእንቲ ኼሐልለና ኢሉ ብስምዒታዊ መዳይ ኣብ እንደኽመሉ እዋን እዩ ኺብለጸልና ዚፍትን። የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ወትሩ እምንቶና እንተ ኣደልዲልና ግና፡ ንሰይጣንን ንተንኰላቱን ንስልትታቱን ብዝያዳ ጸኒዕና ‘ኽንቃወሞ’ ንኽእል ኢና።—1 ጴጥ. 5:8, 9፣ ያእ. 4:7።
5. ስለምንታይ ኢና የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚፈትወናን ኪስምዓና ዜድልየና፧
5 ንፍቕሪ የሆዋ እንተ ተቐቢልናዮ፡ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብ ንኽእል ኢና። ስለምንታይ ከምኡ ኽንብል ከም እንኽእል እስከ ንርአ። የሆዋ ኸነፍቅርን ክንፍቀርን ድሌት ከም ዘሎና ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ንፍቕሪ ብፍቕሪ ምምላስ ባህርያዊ ነገር እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረናን ከም ዚፈትወናን ብዝያዳ እንተ ተሰሚዑና፡ ከም ምላሹ እውን ብዝያዳ ኢና እነፍቅሮ። (1 ዮሃ. 4:19) ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ምስ ከደት ድማ፡ ንሱ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ትዓቢ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል ብንጹር ይነግረና እዩ። (ያእ. 4:8) የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዘሎና እምንቶ ግና ብኸመይ ኢና ኸነደልድል እንኽእል፧
ንፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
6. ንፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧
6 ብንጹርን ብተደጋጋምን ጸሊ። (ሉቃ. 18:1፣ ሮሜ 12:12) ንየሆዋ ኸም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ምእንቲ ኺህልወካ፡ እንተ ኽኢልካ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ሳዕ ለምኖ። ልክዕ እዩ፡ ዚዅንን ልቢ እንተ ኣልዩካ፡ ልብኻ ነዚ ብቐሊሉ ኣይቅበሎን ይኸውን። የሆዋ ኻብ ልብኻ ኸም ዚዓቢ ግና ኣይትረስዕ። (1 ዮሃ. 3:19, 20) ካብቲ ንስኻ ንርእስኻ እትፈልጣ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ይፈልጠካ እዩ፣ ንስኻ ኽትርእዮ ዘይትኽእል ነገር እውን ይርኢ እዩ። (1 ሳሙ. 16:7፣ 2 ዜና 6:30) ስለዚ፡ ፍቕሩ ኽትቕበሎ ምእንቲ ኺሕግዘካ፡ ስምዒትካ ናብኡ ‘ንምፍሳስ’ ኣይትሰከፍ። (መዝ. 62:8) ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ብምትግባር ምስ ጸሎትካ ተሰማሚዕካ ዕየ።
7-8. የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ኣብ መዝሙር እንታይ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ፧
7 ነቲ የሆዋ ዚብለካ ዘሎ እመኖ። የሆዋ ንጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈሱ ብምድራኽ፡ ንዕኡ ብልክዕ ከም ዚገልጽዎ ገይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት እቲ ዘማሪ ንየሆዋ እንታይ ኢሉ ኸም ዝገለጾ እስከ ንርአ። “የሆዋ ነቶም ስቡር ዝልቦም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኸኣ የድሕኖም።” (መዝ. 34:18፡ እ.ጽ.) ልብኻ ኺስበር ከሎ፡ በይንኻ ኸም እተሓደግካ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። የሆዋ ግና ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ካብ ካልእ ግዜ ንላዕሊ ሓገዙ ኸም ዜድልየካ ስለ ዚፈልጥ፡ ቀረባኻ ኸም ዚኸውን ቃል ኣትዩ ኣሎ። ዳዊት ኣብ ካልእ መዝሙር፡ “ንንብዓተይ ኣብ ሓርብኻ ኣክቦ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (መዝ. 56:8) ቃልሲ ኼጋጥመካ ከሎ የሆዋ ነዚ ይርእዮ እዩ። ብዛዕባኻ ኣጸቢቑ ይሓሊ እዩ፣ እንታይ ተሕልፍ ከም ዘለኻ እውን ይርድኦ እዩ። ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ፡ ንንብዓትካ ይእክቦ፡ ልክዕ ንገያሺ ኸም ዜድልዮ ማይ እውን ኣብ ሓርቢ ይዕቅቦ እዩ። ኣብ መዝሙር 139:3 እቲ ዘማሪ ንየሆዋ፡ “ንዅሉ መገድታተይ . . . ኣጸቢቕካ ትፈልጦ” ኸም ዝበሎ ነንብብ ኢና። ስለዚ፡ የሆዋ ንዅሉ መገድታትካ ይርእዮ እዩ፣ እንተዀነ ግና፡ ኣብ ጽቡቕ ጐድንኻ እዩ ዜተኵር። (እብ. 6:10) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ነቲ ንዕኡ ባህ ንምባል ዝገበርካዮ ዅሉ ጻዕሪ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ።a
8 የሆዋ በዚ ብድራኸ መንፈሱ ዘጽሓፎ ዜጸናንዕ ጥቕስታት ገይሩ፡ “ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅረካን ከም ዚሓልየልካን ክትፈልጥ እደልየካ እየ” ይብለካ ኣሎ። ኣቐዲምና ከም ዝረኣናዮ ግና፡ ሰይጣን የሆዋ ከም ዘየፍቅረካ ሓሶት ይነዝሕ እዩ። ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ፍቕሪ የሆዋ ጥርጣረ እንተ ተላዒሉካ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ፡ ‘ንመን እየ ዝኣምኖ፧—ነቲ “ኣቦ ሓሶት”ዶ ወይስ ነቲ “ኣምላኽ ሓቂ”፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—ዮሃ. 8:44፣ መዝ. 31:5።
9. የሆዋ ንዜፍቅርዎ እንታይ መረጋገጺ እዩ ሂብዎም፧ (ዘጸኣት 20:5, 6)
9 ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንፍቕሪ ዚህቦ ምላሽ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሙሴን ንእስራኤላውያንን እተዛረቦ ቓላት እሞ ሕሰብ። (ዘጸኣት 20:5, 6 ኣንብብ።) የሆዋ ነቶም ዜፍቅርዎ ብተኣማንነት ከም ዜፍቅር ቃል ኣትዩ ኣሎ። እዘን ቃላት እዚአን፡ እቲ እሙን ኣምላኽና ንዜፍቅርዎ ኣምለኽቱ ፍቕሩ ኸቶ ኸም ዘይከልእ የረጋግጻልና። (ነህ. 1:5) ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ መረጋገጺ እንተ ኣድልዩካ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ፡ ‘ንየሆዋ አፍቅሮ ድየ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ድሕሪኡ ነዚ ነጥቢ ሕሰበሉ፦ እተፍቅሮ እንተ ዄንካ እሞ ንዕኡ ባህ ንምባል ዚከኣለካ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ ንሱ እውን ኣጸቢቑ ኸም ዜፍቅረካ መረጋገጺ ረኺብካ ኢኻ። (ዳን. 9:4፣ 1 ቈረ. 8:3) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብዛዕባ እቲ ንስኻ ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ዘይትጠራጠር እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ንዓኻ ዘለዎ ፍቕሪ ደኣ ስለምንታይ እትጠራጠር፧ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ኣብ ጥርጣረ ዚኣቱ ኣይኰነን።
10-11. የሆዋ ብዛዕባ እቲ በጃ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚደሊ፧ (ገላትያ 2:20)
10 ብዛዕባ እቲ በጃ ኣስተንትን። እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም ካብ ኵሉ ዝዓበየ ውህበት እዩ። (ዮሃ. 3:16) ኰይኑ ግና፡ ንዓኻ እውን ብብሕቲ እተዋህበ ውህበት ድዩ፧ እወ! ብዛዕባ ተመክሮ ሃዋርያ ጳውሎስ እስከ ንሕሰብ። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዝገበረን ምስ ዘይፍጽምናኡ ይቃለስ ከም ዝነበረን ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 7:24, 25፣ 1 ጢሞ. 1:12-14) እንተዀነ ግና፡ ነቲ በጃ ኻብ የሆዋ ብብሕቲ ኸም እተዋህቦ ውህበት ገይሩ እዩ ርእይዎ። (ገላትያ 2:20 ኣንብብ።) የሆዋ ንጳውሎስ ነዚ ቓላት ኪጽሕፍ ብመንፈሱ ኸም ዝደረኾ ኣይንረስዕ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዘበለ ዅሉ ንትምህርትና እዩ ተጻሒፉ። (ሮሜ 15:4) ስለዚ፡ እቲ ጳውሎስ ዝመዝገቦ ቓላት፡ የሆዋ ነቲ በጃ ብኸመይ ክትርእዮ ኸም ዚደልየካ፡ ማለት ካብኡ ንዓኻ እተዋህበ ብሕታዊ ውህበት ጌርካ ኽትርእዮ ኸም ዚደልየካ ይሕብር። ነቲ በጃ በዚ ኸምዚ ምስ እትርእዮ ኸኣ፡ የሆዋ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረካ እምነትካ ተደልድል።
11 የሆዋ ንየሱስ ምእንታና ኺመውት ኢሉ ናብ ምድሪ ስለ ዝለኣኾ ነመስግኖ ኢና። የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ኻልእ ምኽንያት ግና፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ሓቂ ምእንቲ ኺነግረና ኢሉ እዩ። (ዮሃ. 18:37) እቲ ሓቂ ድማ፡ የሆዋ ብዛዕባ ደቁ እንታይ ከም ዚስምዖ ዜጠቓልል እዩ።
ንፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኽንቅበሎ፡ የሱስ ብኸመይ ይሕግዘና፧
12. ነቲ የሱስ ንየሆዋ ዝገለጸሉ መገዲ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
12 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣቦኡ እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዘለዎ ብፍታዉ ገሊጹልና እዩ። (ሉቃ. 10:22) ነቲ የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ዝገለጸልና ነገራት ክንኣምን ዜኽእለና እኹል ምኽንያት ኣሎና። ስለምንታይሲ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ንኣዝዩ ነዊሕ መዋእል ምስ የሆዋ ኣብ ሰማይ ነቢሩ እዩ። (ቈሎ. 1:15) ኣቦኡ ንእሙናት ደቁ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሮም ከኣ ባዕሉ ርእዩን ተዓዚቡን እዩ። እሞ ደኣ ሰባት ንፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኪቕበልዎ የሱስ ብኸመይ ይሕግዞም፧
13. የሱስ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ ዚደሊ፧
13 የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ኸም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኺህልወና እዩ ዚደሊ። ኣብ ወንጌላት፡ የሱስ ንየሆዋ ልዕሊ 160 ሳዕ፡ “ኣቦ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ንሰዓብቱ ኺዛረቦም ከሎ ኸኣ፡ “ኣቦኹም” ወይ “ሰማያዊ ኣቦኹም” ዚብል ቃላት ተጠቒሙ ኣሎ። (ማቴ. 5:16፣ 6:26) ኣብ ማቴዎስ 5:16 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ ኸምዚ ይብል፦ “ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዛዕባ የሆዋ ኺገልጹን ንየሆዋ ኺዛረብዎን ከለዉ፡ ከም እኒ፡ ‘ኵሉ ዚኽእል፡’ ‘ልዑል፡’ ‘ዓብዪ ፈጣሪ’ ዝኣመሰለ ሓያሎ ልዑል መዓርጋት ተጠቒሞም እዮም። የሱስ ግና ነቲ ‘ኣቦ’ ዚብል ቀሊልን ተራን ቃል ብምጥቃሙ፡ እዚ ነቲ ኣምላኽ ምስ ኣምለኽቱ ዘለዎ ቕርርብ የጕልሕ።” እምበኣር፡ የሱስ ንየሆዋ ኸምቲ ንሱ ዚርእዮ ጌርና ኽንርእዮ፡ ማለት ከምቲ ንደቁ ዜፍቅር ፈቃር ኣቦ ጌርና ኽንርእዮ ይደልየና እዩ። ቀጺልና፡ የሱስ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል እተጠቕመሉ ኽልተ ኣብነታት ንርአ።
14. የሱስ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ሰማያዊ ኣቦና ኽቡራት ምዃንና ኣሚንና ኽንቅበሎ ኸም ዚደልየና ብኸመይ ኣርእዩ፧ (ማቴዎስ 10:29-31) (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ፈለማ፡ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 10:29-31 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት የሱስ እስከ ንመርምር። (ኣንብብ።) ጨራሩ ንየሆዋ ኼፍቅራኦ ወይ ኬምልኻኦ ዘይክእላ ንኣሽቱ ኣዕዋፍ እየን። ኣቦና ግና፡ ዋላ እውን ንሓንቲ ጭሩ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእያ፡ መዓስ ኣብ ምድሪ ኸም እትወድቕ ይፈልጥ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዜገልግሎ እሙን ኣምላኺኡ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘየኽብሮን ዘይሓልየሉን! ኣብ ፍቕዲ 30 ዚርከብ ነጥቢ መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ እተን “ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን” ዚብል ቃላት፡ “እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደቂቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ የረጋግጸልና” ይብል። እምበኣር፡ የሱስ፡ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ሰማያዊ ኣቦና ኽቡራት ከም ዝዀንና ኣሚንና ኽንቅበሎ ይደልየና እዩ።
የሆዋ ንሓንቲ ጭሩ ኣኽቢሩ ስለ ዚርእያ፡ መዓስ ኣብ ምድሪ ኸም እትወድቕ ይፈልጥ እዩ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዜገልግሎ እሙን ኣምላኺኡ ግዳ ኽንደይ ኣብዚሑ ዘየኽብሮ! (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)
15. እቲ ኣብ ዮሃንስ 6:44 ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ ቓላት፡ ብዛዕባ ሰማያዊ ኣቦኻ እንታይ ይነግረካ፧
15 የሱስ ነታ “ኣቦ” እትብል ቃል እተጠቕመሉ ኻልኣይ ኣብነት እስከ ንርአ። (ዮሃንስ 6:44 ኣንብብ።) እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ብብሕቲ እዩ ናብ ሓቂ ስሒቡካ። ስለምንታይ እዩ ስሒቡካ፧ ዘንቀደ ልቢ ስለ ዝረኣየ እዩ ስሒቡካ። (ግብ. 13:48) ኣብ ነጥቢ መጽናዕቲ ዮሃንስ 6:44 ዚርከብ ሓሳብ፡ የሱስ ነቲ ኣብ ቀንዲ ጥቕስና ዘሎ፡ “ስለዚ እየ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ናባይ ዝሰሓብኩኺ [ወይ፡ ስለዚ እየ ብተኣማንነት ዘፍቀርኩኺ]” ዚብል ቃላት ኤርምያስ ይእምት ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብር። (ኤር. 31:3፣ እ.ጽ.፣ ምስ ሆሴእ 11:4 ኣረኣኢ።) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና፡ ነቲ ንዓኻ ዘይረኣየካ ኣባኻ ዘሎ ጽቡቕ እዩ ዚርኢ።
16. (ሀ) የሱስ እንታይ እዩ ዚብለና ዘሎ፧ ስለምንታይከ ኢና ኽንኣምኖ ዚግባእ፧ (ለ) የሆዋ ንዓኻ ዜድልየካ ኣቦ ኸም ዝዀነ እምነትካ ኸተደልድል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (“ንዅላትና ዜድልየና ኣቦ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)
16 የሱስ ንየሆዋ ‘ኣቦና’ ኢሉ ብምጽዋዕ፡ “የሆዋ ኣቦይ ጥራይ ኣይኰነን፡ ኣቦኹም እውን እዩ። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ከም ዜፍቅረኩምን ከም ዚሓልየልኩምን ከኣ ከረጋግጸልኩም እደሊ እየ” እዩ ዚብለና ዘሎ። ስለዚ ሓድሓደ ግዜ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ እንተ ተጠራጢርካ፡ ሓንሳእ ደው ኢልካ፡ ‘ንቓላት እቲ ንኣቦና ኣጸቢቑ ዚፈልጦን ብዛዕባኡ ሓቂ ዚዛረብን ወዲ ኽኣምኖዶ ኣይግብኣንን፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት።—1 ጴጥ. 2:22።
ወትሩ እምነትካ ኣደልድል
17. የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ወትሩ እምነትና ኸነደልድል ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
17 የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ወትሩ እምነትና ኸነደልድል ኣሎና። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ፡ እቲ ተንኰለኛ ጸላኢና ዝዀነ ሰይጣን፡ ንየሆዋ ምግልጋል ምእንቲ ኽንሓድጎ ሒዅ ይብል እዩ። ንቘራጽነትና ምእንቲ ኼዳኽም ኢሉ ድማ፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎና እምንቶ ኼዳኽም ይጽዕር እዩ። እምበኣር፡ ኪዕወት ኣይንፍቀደሉ።—እዮ. 27:5።
18. ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧
18 ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ዘሎካ እምንቶ ንምድልዳል፡ ከም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ኽትሕዝ ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣዘውቲርካ ጸሊ። ብድራኸ መንፈስ ዝጸሓፉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንፍቕሩ ብኸመይ ከም ዝገለጽዎ ኣስተንትነሉ። ንሱ ንፍቕሪ ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህብ ሕሰበሉ፣ ንዜፍቅርዎ ዘበሉ ኸቶ ፍቕሩ ዚኸልእ ኣይኰነን። ነቲ በጃ ኸኣ ንዓኻ ብብሕቲ እተዋህበካ ውህበት ጌርካ ስለምንታይ ክትርእዮ ኸም እትኽእል ኣስተንትን። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ነቲ የሱስ እተዛረቦ፡ የሆዋ ንዓኻ እውን ሰማያዊ ኣቦኻ ምዃኑ ዚሕብር ቃላት እመኖ። ድሕሪኡ፡ “የሆዋ ኸም ዜፍቅረካስ ርግጸኛ ዲኻ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ዚቐርበልካ፡ ኣፍ ልብኻ ነፊሕካ፡ “እወ፡ ርግጸኛ እየ! መዓልቲ መዓልቲ፡ ኣነ ንዕኡ ዘሎኒ ፍቕሪ ንምርኣይ እውን ዚከኣለኒ እገብር እየ!” ኢልካ ኽትምልስ ኢኻ።
መዝሙር 154 ዘይተቋርጽ ፍቕሪ