ዓንቀጽ መጽናዕቲ 32
መዝሙር 38 ኬበርትዓካ እዩ
የሆዋ ኽንጻወር ዚሕግዝና ብኸመይ እዩ፧
“ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ . . . ኼጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ።”—1 ጴጥ. 5:10።
ኣትኵሮ
ምእንቲ ኽንጻወር ኢሉ የሆዋ ዝገበረልና መሰናድዎታትን ካብዚ ብኸመይ ከም እንጥቀምን።
1. ተጻዋርነት ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧ እንታይከ ኺሕግዘና ይኽእል፧ (1 ጴጥሮስ 5:10)
ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት፡ ንህዝቢ የሆዋ ተጻዋርነት የድልዮም እዩ። ገሊኦም ሕዱር ሕማም ኣለዎም። ገሊኦም ከኣ ሰቦም ብሞት ስኢኖም እዮም። ገሊኦም ድማ ካብ ኣባላት ቤተ ሰቦም ወይ ካብ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ተቓውሞ የጋጥሞም ኣሎ። (ማቴ. 10:18, 36, 37) ንዓኻ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገም እዚ ይኹን እቲ፡ ምእንቲ ኽትጻወር የሆዋ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተኣማመን።—1 ጴጥሮስ 5:10 ኣንብብ።
2. ተጻዋርነትና ኻበይ እዩ ዚመጽእ፧
2 ተጻዋርነት ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ዕንቅፋት፡ መስጐጕቲ፡ ወይ ፈተና፡ ተስፋኻ ኸየጥፋእካ ጸኒዕካ ናይ ምምልላስ ክእለት የመልክት። ንሕና ክርስትያናት ብብርታዐና ኣይኰንናን እንጻወር፣ የግዳስ፡ ሳላ እቲ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ዚህብ የሆዋ ኢና እንጻወር። (2 ቈረ. 4:7) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ የሆዋ ንዓና ንምሕጋዝ ንዘዳለዎ ኣርባዕተ መሰናድዎታት ክንመያየጠሉ ኢና። ካብዚ መሰናድዎታት እዚ ብኸመይ ከም እንጥቀም እውን ክንርኢ ኢና።
ጸሎት
3. ጸሎት ተኣምር እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
3 የሆዋ ኣብ ተጻዋርነትና ዚሕግዘና ተኣምራዊ መሰናድዎ ገይሩልና ኣሎ። ሓጥኣን ክነስና፡ ምስኡ ኽንዛራረብ መገዲ ኸፊቱልና ኣሎ። (እብ. 4:16) ሕስብ እሞ ነብሎ፦ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋንን ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ጕዳይን ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። ብዝዀነ ይኹን ቋንቋን ካብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኪሰምዓና ይኽእል እዩ። ዋላ እውን በይንና ተፈሊና ወይ ተኣሲርና እንተ ኣሊና፡ ኪሰምዓና ይኽእል እዩ። (ዮና. 2:1, 2፣ ግብ. 16:25, 26) ካብ ጭንቀት እተላዕለ ሓሳባትና እንገልጸሉ ቓላት እኳ እንተ ሰኣንና፡ የሆዋ እንታይ ክንብሎ ኸም ዝደለና ይርድኦ እዩ። (ሮሜ 8:26, 27) ብሓቂ እምበኣር ጸሎት ተኣምር እዩ!
4. ምእንቲ ኽንጻወር እንጽልዮ ጸሎት ከም ፍቓድ የሆዋ እዩ ኽንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
4 የሆዋ ኣብ ቃሉ፡ ‘ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና’ መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (1 ዮሃ. 5:14) እሞ ደኣ ምእንቲ ኽንጻወርሲ፡ ካብ የሆዋ ሓገዝ ክንልምን ንኽእልዶ፧ እወ! እዚ ኸም ፍቓዱ እዩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ ኽንብል እንኽእል፧ ፈተናታት ክንጻወር ከለና፡ ንየሆዋ ኣምላኽና፡ ነቲ ዜባጭወሉ ሰይጣን ድያብሎስ ምላሽ ኪህብ ዜኽእሎ ነገር ኢና እንህቦ ዘለና። (ምሳ. 27:11) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ “ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ ዝዀነ ብርታዐኡ . . . ኼርኢ” ኸም ዚደሊ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (2 ዜና 16:9) ስለዚ፡ የሆዋ ንዓና፡ ክንጻወር ዜኽእለና ብርታዐ ንምሃብ ዓቕምን ድሌትን ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 30:18፣ 41:10፣ ሉቃ. 11:13።
5. ጸሎት ናይ ኣእምሮ ሰላም ዚህበና ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳይያስ 26:3)
5 ብዛዕባ እቲ ዜተሓሳስበና ነገራት ልባዊ ጸሎት እንተ ኣቕሪብና፡ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ከም ዚሕልዎ’ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (ፊል. 4:7) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕስብ ነብሎ። ንየሆዋ ዘየገልግልዎ ሰባት ጸገማት የጋጥሞም እዩ፣ ናይ ኣእምሮ ሰላም ንምርካብ ከኣ እተፈላለየ መገዲ ይጥቀሙ ይዀኑ። ንኣብነት ገሊኦም፡ ኣእምሮኦም ካብ ኵሉ ሓሳባት እንተላይ ካብ ጭንቀት ባዶ ምእንቲ ኺገብሩ ኢሎም ሓደ ዓይነት ምስትንታን ይጥቀሙ እዮም። ንኣእምሮኻ ባዶ ምግባር ግና ብመንፈሳዊ መዳይ ሓደገኛ እዩ። (ምስ ማቴዎስ 12:43-45 ኣረኣኢ።) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ እቲ የሆዋ ናብኡ ኽንጽሊ ኸለና ዚህበና ሰላም ካብቲ ከምዚ ዓይነት ምስትንታን ዜምጽኦ ዝዀነ ይኹን ሰላም ኣጸቢቑ ይበልጽ እዩ። ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ናብኡ ምሉእ ብምሉእ ከም እንጽጋዕ ነርኢ ኢና፣ ንሱ ድማ “ቀጻሊ ሰላም” ይህበና እዩ። (ኢሳይያስ 26:3 ኣንብብ።) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ኸምኡ ዚገብረሉ መገድታት ከኣ፡ ካብ ቃሉ እተምሃርናዮ ዜተባብዕ ሓቅታት ብምዝኽኻር እዩ። የሆዋ ኸም ዚሓልየልናን ክንዕወት ከም ዚደልየናን ስለ እንፈልጥ፡ እዚ ሓቅታት እዚ ንልብናን ንኣእምሮናን የቕስኖ እዩ።—መዝ. 62:1, 2።
6. ከመይ ጌርካ ኢኻ ንጸሎት ምሉእ ብምሉእ ክትጥቀመሉ እትኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
6 ክትገብሮ እትኽእል። ናይ እምነት ፈተና ኽትጻወር ከለኻ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፡” ንሱ ሰላም ኪህበካ እውን ጸሊ። (መዝ. 55:22) ንጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ጥበብ ምእንቲ ኽትረክብ እውን ጸሊ። (ምሳ. 2:10, 11) ተጻዋርነት ንምርካብ ምህለላ ኸተቕርብ ከለኻ ኸኣ፡ ምምስጋን ኣይትረስዕ። (ፊል. 4:6) የሆዋ ኣብ እዋን ፈተናኻ ብኸመይ የጽንዓካ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖታት ርኸብ፣ ስለቲ ደገፉ እውን ኣመስግኖ። መከራኻ ነቲ እትረኽቦ ዘለኻ በረኸት ከም ዘይትርኢ ኺገብረካ ኣይትፍቀድ።—መዝ. 16:5, 6።
ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንየሆዋ ኢኻ እትዛረቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ድማ፡ የሆዋ እዩ ዚዛረበካ (ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ)b
ቃል ኣምላኽ
7. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
7 የሆዋ ኣብ ተጻዋርነትና ኺሕግዘና ኢሉ ቓሉ ሂቡና ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ደገፍ የሆዋ ዚገልጽ ብዙሕ ሓበሬታ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ጥራይ ንርአ። ማቴዎስ 6:8፡ “ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” ትብል። ነዘን ቃላት እዚአን የሱስ እዩ ተዛሪብወን። ንሱ ንየሆዋ ኻብ ዝዀነ ንላዕሊ ይፈልጦ እዩ። ስለዚ፡ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ኽንጠራጠር የብልናን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንተጻዋርነትና ኼሐይል ዚኽእል ብዙሕ ተመሳሳሊ ሓሳባት ይርከብ እዩ።—መዝ. 94:19።
8. (ሀ) ገለ ኻብቲ ኽንጻወር ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብነት ሃብ። (ለ) ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምዝካር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
8 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ስለምንታይሲ፡ ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር ዜኽእለና ግብራዊ ጥበብ ኣብኡ ንረክብ ኢና። (ምሳ. 2:6, 7) ንኣብነት፡ ጽባሕ ብዛዕባ ዜምጽኦ ወይ ዘየምጽኦ ነገራት እምብዛ ኣብ ክንዲ እንጭነቕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ የሆዋ ኽንውከል መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓና እዩ። (ማቴ. 6:34) ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ምንባብን ብዛዕባኡ ናይ ምስትንታንን ልማድ እንተ ኣልዩና፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነቲ ስርዓታት ክንዝክሮ ኢና።
9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዛንታታት ነቲ ኣብ ሓገዝ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ዜደልድለልና ብኸመይ እዩ፧
9 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሆዋ እተወከሉን ደገፉ ዝረኸቡን ተራ ሰባት ዚገልጽ ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወት ተመዝጊቡ ኣሎ። (እብ. 11:32-34፣ ያእ. 5:17) ነዚ ዛንታታት እዚ እንተ ኣስተንቲንናሉ፡ የሆዋ ንዓና እውን “መዕቈቢናን ብርታዐናን ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤትን” ምዃኑ ዘሎና እምንቶ ኢና እነደልድል። (መዝ. 46:1) ብዛዕባ እቶም ኣብ ሕሉፍ ብእምነት እተመላለሱ ኣገልገልቲ የሆዋ ኽንሓስብ ከለና፡ ኣስኣሰር እምነቶምን ተጻዋርነቶምን ንምስዓብ ንለዓዓል ኢና።—ያእ. 5:10, 11።
10. ንቓል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
10 ክትገብሮ እትኽእል። መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ፣ ሓጋዚ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ጥቕስታት ድማ መዝግብ። ብዙሓት ሰባት ጥቕሲ ዕለት ዜንብቡ ምዃኖም፡ መዓልቶም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዚርከብ ዜተባብዕ ሓሳብ ንምጅማር ኣኽኢልዎም እዩ። ሜሪa ዝስማ ሓብቲ፡ ክልቲኦም ወለዳ ሕማም መንሽሮ ኸም ዘለዎም ኣብ ዝፈለጠትሉ እዋን፡ እዚ ሓጊዝዋ እዩ። እሞ ደኣ ኣብተን ንዓታቶም እትከናኸነሉ ዝነበረት ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ክትጻወር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ንሳ ኸምዚ ትብል፦ “ንግሆ ንግሆ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ጥቕሲ ኣንቢበ አስተንትነሉ እየ። እዚ ልማድ እዚ ንኣእምሮይ ብቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ክመልኦ እሞ ኣብ ጭንቀይ ዘይኰነስ፡ ካባይ ኣብ ዝዓበየ ነገር ከተኵር ኣኽኢሉኒ እዩ።”—መዝ. 61:2።
ክርስትያናት ብጾትና
11. ፈተናታት ክንጻወር ከለና፡ እዚ ኣባና ጥራይ ከም ዘይበጽሐ ምፍላጥና ዜተባብዓና ስለምንታይ እዩ፧
11 የሆዋ ኣብ ተጻዋርነትና ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ክርስትያናዊ ሕውነት ሂቡና ኣሎ። ከምቲ ንሕና እነሕልፎ ዓይነት መከራ ‘ንዅሎም ኣሕዋት ከም ዚበጽሖም’ ምፍላጥና ጥራይ እኳ፡ በይንና ኸም ዘይኰንና የረጋግጸልና እዩ። (1 ጴጥ. 5:9) እወ፡ ኵነታትና እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ ነገር ከም ዜሕልፉን ከም እተጻወሩን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንሕና እውን ክንጻወር ንኽእል ኢና!—ግብ. 14:22።
12. ብኸመይ እዮም ክርስትያናት ብጾትና ኺሕግዙና ዚኽእሉ፧ ንሕና ምእንቲ ኽንሕግዞምከ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (2 ቈረንቶስ 1:3, 4)
12 ክንጻወር ከለና፡ ክርስትያናት ብጾትና ኼተባብዑና ይኽእሉ እዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ካብ ኣሕዋቱን ኣሓቱን መተባብዒ ረኺቡ እዩ። ነቶም ኣብ ቤት ተኣሲሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝሓገዝዎ ብስም ረቚሑ ኣመስጊንዎም እዩ። ንሳቶም ንጳውሎስ ኣጸናኒዖምዎን ኣተባቢዖምዎን ግብራዊ ሓገዝ ሂቦምዎን እዮም። (ፊል. 2:25, 29, 30፣ ቈሎ. 4:10, 11) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪግበረልና ይኽእል እዩ። ሓገዝ ኣብ ዜድልየና እዋን፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይድግፉና እዮም። ንሳቶም ደገፍ ኣብ ዜድልዮም እዋን ከኣ፡ ንሕና ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4 ኣንብብ።
13. ማያ ንእትብሃል ሓብቲ ኽትጻወር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
13 ኣብ ሩስያ እትነብር ማያ ዝስማ ሓብቲ ኻብ ሕውነትና ብዙሕ ተተባቢዓ እያ። ብ2020 ቤታ ተፈተሸ፣ ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እምነታ ንኻልኦት ብምንጋራ ተኣስረት። ማያ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብቲ ብስምዒታዊ መዳይ ሓይለይ ተጸንቂቑ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ፍቕሮም ኬረጋግጹለይ ኢሎም ደዊሎምለይን ጽሒፎምለይን እዮም። ፍቕሪ ዝዓሰሎ ዓብዪ ስድራ ቤት ከም ዘሎኒ ኻብ ቀደም ኣትሒዘ እፈልጥ ነይረ እየ። ካብ 2020 ንደሓር ግና ነዚ ኣጸቢቐ ፈሊጠዮ እየ።”
14. ክንጻወር ከለና፡ ካብ ደገፍ ክርስትያናት ብጾትና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
14 ክትገብሮ እትኽእል። ክትጻወር ከለኻ፡ ናብ ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ልገብ። ካብ ሽማግለታት ሓገዝ ንምሕታት ኣይትሰከፍ። ንሳቶም “ካብ ንፋስ ከም መጽለሊ፡ ካብ ሃጽፊ ኸም መዕቈቢ” ኪዀኑኻ ይኽእሉ እዮም። (ኢሳ. 32:2፡ እ.ጽ.) ብዘይካዚ፡ ክርስትያናት ብጾትካ ጸገማት የሕልፉ ኸም ዘለዉ ኣይትረስዕ። ፈተና እናተጻወርካ ሓገዝ ንዜድልዮ ሰብ ሰናይ ምግባር፡ ሚዛናውን ኣወንታውን ክትከውን ኪሕግዘካ እዩ።—ግብ. 20:35።
ናብ ክርስትያናት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ልገብ (ሕጡብ ጽሑፍ 14 ርአ)c
ተስፋና
15. ተስፋ ንየሱስ ኰነ ንእሙናት ሰባት እንታይ እያ ገይራትሎም፧ (እብራውያን 12:2)
15 የሆዋ ኣብ ተጻዋርነትና ምእንቲ ኺሕግዘና ኢሉ ጽኑዕ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። (ሮሜ 15:13) የሱስ ኣብታ ኣብ ምድሪ ዘሕለፋ ኣዝያ ኣጸጋሚት መዓልቲ፡ ተስፋ ኺጻወር ከም ዝሓገዘቶ ንዝክሮ ኢና። (እብራውያን 12:2 ኣንብብ።) ተኣማንነቱ ሓልዩ ብምምልላስ ኣብ ምርግጋጽ ሓቅነት ስም የሆዋ ኣበርክቶ ኪገብር ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ናብ ኣቦኡ ዚኸደሉን ምስ ኣሕዋቱ ዀይኑ ኣብ ሰማያዊ መንግስቱ ዜገልግለሉን እዋን እውን ብሃንቀውታ ይጽበዮ ነይሩ እዩ። ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ዜቝማ ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ንምንባር ዘሎና ተስፋ፡ ናይ ሰይጣን ዓለም ንእተምጽኣልና ዝዀነ ይኹን ጸገም ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።
16. ተስፋ ንሓንቲ ሓብቲ ኽትጻወር ዝሓገዛ ብኸመይ እዩ፧ ካብቲ እተዛረበቶ ነገርከ እንታይ ንምሃር፧
16 ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ንሓንቲ ሰብኣያ እተኣስራ ኣብ ሩስያ እትነብር ኣና ዝስማ ሓብቲ ብኸመይ ከም ዝሓገዛ እስከ ንርአ። ኣና ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ኽትገልጽ ከላ ኸምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ ናይ መጻኢ ተስፋና ምጽላይን ምስትንታንን እምብዛ ተስፋ ኸይቈርጽ ሓጊዙኒ እዩ። እዚ መወዳእታና ዘይምዃኑ እፈልጥ እየ። የሆዋ ኺዕወት እዩ፣ ንሕና እውን ክንዕወት ኢና።”
17. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ኸም እነማስወሉ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ክትገብሮ እትኽእል። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዜደንቕ መጻኢ ግዜ ወሲድካ ሕሰብ። ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከም ዝኣቶኻ እሞ፡ ኣብኡ እንታይ በረኸት ከም እንረክብ ብኣእምሮኻ ስኣል። ሕጂ እነሕልፎ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ምስቲ ሽዑ እንረኽቦ በረኸት ኪነጻጸር ከሎ፡ “ቀልጢፉ ዚሓልፍን ፈኲስን” እዩ። (2 ቈረ. 4:17) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ንምንጋር ዚከኣለካ ግበር። ንሳቶም ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎ ዕላማ ኸይፈለጡ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ጸገማት የጋጥሞም ከም ዘሎ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓጺር ምይይጥ ጥራይ ብምግባር እኳ፡ ብዛዕባ ተስፋ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ከተሕድረሎም ትኽእል ኢኻ።
ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዘተስፈወና ዜደንቕ መጻኢ ግዜ ወሲድካ ሕሰብ (ሕጡብ ጽሑፍ 17 ርአ)d
18. ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋታት እምንቶ እነሕድር ስለምንታይ ኢና፧
18 እዮብ ብዙሕ ፈተናታት ምስ ተጻወረ፡ ንየሆዋ፡ “ሕጂ፡ ኵሉ ኸም እትኽእል፡ ካብቲ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ድማ ዘይከኣለካ ኸም ዘየልቦ ፈሊጠ” በሎ። (እዮ. 42:2) እወ፡ ንምፍጻም ዕላማ የሆዋ ኼጐናድቦ ዚኽእል ዋላ ሓንቲ የልቦን። እዚ ሓቂ እዚ፡ ንተጻዋርነትና ኼሐይሎ ይኽእል እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ሓንቲ ዝሓመመት ሰበይቲ ናብ ብዙሓት ሓካይም ድሕሪ ምኻዳ፡ ሓገዝ ክትረክብ ብዘይምኽኣላ ተስፋ ቘሪጻ ኣላ ንበል። ሓደ ምኩርን እትኣምኖን ሓኪም ጸገማ ምስ ተረድኣላን ብኸመይ ከም ዚሕክማ ምስ ገለጸላን ግና፡ ዋላ እውን ካብ ሕማማ ንምሕዋይ ግዜ ዚወስደላ እንተ ዀነ እፎይታ ተሰሚዕዋ። ድሕርዚ፡ ብሩህ ተስፋ ኸም ዘለዋ፡ ማለት ከም ዚሕሻ ስለ እትፈልጥ ክትጻወር ክኢላ። ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እታ እትመጽእ ገነት ዘሎና ተስፋ፡ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።
19. ምእንቲ ኽንጻወር እንታይ እዩ ዜድልየና፧
19 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሆዋ ብጸሎትን ብቓሉን ብክርስትያናት ብጾትናን ብተስፋናን ኣቢሉ፡ ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ። ነዚ መሰናድዎታት እዚ ምሉእ ብምሉእ እንተ ተጠቒምናሉ፡ እዚ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ጸገማት ክሳዕ ዚውገድ፡ ንዜጋጥመና ዘበለ ጸገም ክንጻወር የሆዋ ኺድግፈና እዩ።—ፊል. 4:13።
መዝሙር 33 ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ
a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።
b መግለጺ ስእሊ፦ ወቕትታት እኳ እንተ ተለዋወጠ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብተኣማንነት ይጻወር።
c መግለጺ ስእሊ፦ ወቕትታት እኳ እንተ ተለዋወጠ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብተኣማንነት ይጻወር።
d መግለጺ ስእሊ፦ ወቕትታት እኳ እንተ ተለዋወጠ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ብተኣማንነት ይጻወር።