ዓንቀጽ መጽናዕቲ 24
መዝሙር 98 ቅዱሳት ጽሑፋት—ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ
ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ዚርከብ ትምህርቲ—1ይ ክፋል
“ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ከም እትዀኑ ኽነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ።”—ዘፍ. 49:1።
ኣትኵሮ
ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ ብዛዕባ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን እተነበዮ ትንቢት እንረኽቦ ትምህርቲ።
1-2. ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ ስለምንታይከ፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
እቲ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ ያእቆብ ቤተ ሰቡ ሒዙ ኻብ ከነኣን ናብ ግብጺ ኻብ ዚግዕዝ ኣስታት 17 ዓመት ሓሊፉ ነበረ። (ዘፍ. 47:28) ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ነቲ ዚፈትዎ ወዱ ዮሴፍ ብምርካቡ፡ ኵሎም ስድራ ቤቱ እውን ከም ብሓድሽ ብምትእኽኻቦም፡ ዓብዪ ሓጐስ ረኺቡ ነበረ። ድሕርዚ ግና፡ ሞቱ ኸም ዝቐረበ ተፈለጦ። ስለዚ፡ ኣገዳሲ ናይ ስድራ ቤት ኣኼባ ኺግበር ጸውዐ።—ዘፍ. 49:28።
2 ኣብቲ ዘመናት እቲ፡ ሓደ ርእሲ ስድራ ቤት ሞቱ ምስ ቀረበ፡ ንቤተ ሰቡ ኣኪቡ ይላቦ ነይሩ እዩ። (ኢሳ. 38:1) ኣብቲ ኣኼባ እቲ ድማ፡ ድሕሪ ሞቱ መን ርእሲ ስድራ ቤት ከም ዚኸውን ይሕብር ነይሩ እዩ።
ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ ን12 ደቁ ትንቢት ይነግሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ)
3. ብመሰረት ዘፍጥረት 49:1, 2፡ እቲ ያእቆብ እተዛረቦ ቓላት ፍሉይ ትርጉም ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
3 ዘፍጥረት 49:1, 2 ኣንብብ። እዚ ኣኼባ ግና ተራ ናይ ስድራ ቤት ኣኼባ ኣይነበረን። ያእቆብ ነብዪ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ እቲ ድማ፡ የሆዋ ንጊልያኡ ብዛዕባ እቲ ንዘርኡ ኣጸቢቑ ዚጸሉ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ነገራት ኪዛረብ ደረኾ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እዚ ቓላት ያእቆብ እዚ ቐቅድሚ ሞቱ እተዛረቦ ትንቢት ኪብሃል ይከኣል እዩ።
4. ነቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ክንምርምር ከለና፡ እንታይ ኢና ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ዘሎና፧ (“ስድራ ቤት ያእቆብ” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
4 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ያእቆብ ንኣርባዕተ ደቁ ማለት፡ ንሮቤልን ንስምኦንን ንሌዊን ንይሁዳን እንታይ ከም ዝበሎም ክንርኢ ኢና። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ድማ፡ ነቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ደቁ እንታይ ከም ዝበሎም ክንርኢ ኢና። ቀጺልና ኸም እንርእዮ ያእቆብ ብዛዕባ ደቁ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ እቶም ዘርኦም እውን እዩ ተዛሪቡ። ውዒሎም ሓዲሮም እውን እዚኦም እዮም ንጥንታዊ ህዝቢ እስራኤል ኣቝሞም። ታሪኽ እቲ ህዝቢ እንተ ርኢና፡ እቲ ያእቆብ እተዛረቦ ትንቢታዊ ቓላት ንጹር ይዀነልና እዩ። ቃላቱ ምስ እንምርምር ከኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ብኸመይ ባህ ከም እነብሎ ትምህርቲ ንረክብ ኢና።
ሮቤል
5. ሮቤል ካብ ኣቦኡ እንታይ ሓለፋ እዩ ተጸብዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፧
5 ፈለማ፡ ያእቆብ ንሮቤል፡ “ንስኻ በዅረይ . . . ኢኻ” ኢሉ ተዛረቦ። (ዘፍ. 49:3) ሮቤል በዅሪ ብምዃኑ፡ ካብ ኣቦኡ ዕጽፊ ግደ ኺወርስ ተጸብዩ ኪኸውን ኣለዎ። ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ርእሲ ስድራ ቤት ኪኸውን፡ ነዚ ሓላፍነት እዚ ድማ ንዘርኡ ኼውርሶም ተጸብዩ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
6. ሮቤል መሰል ብዅርናኡ ዝሰኣነ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍጥረት 49:3, 4)
6 ይኹን እምበር፡ ሮቤል መሰል ብዅርናኡ ሰኣነ። (1 ዜና 5:1) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ምስ ቢልሃ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ። ንሳ ነታ ብሞት እተፈልየቶ፡ ያእቆብ እውን ኣዝዩ ዚፈትዋ ሰበይቱ ራሄል ገረዳ ነበረት። (ዘፍ. 35:19, 22) ሮቤል ድማ ንያእቆብ ካብታ ልያ እትብሃል ሰበይቱ እዩ ተወሊዱሉ። ምናልባት ሮቤል ብርቱዕ ፍትወተ ስጋ ኣሕዲሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ወይ እውን ነቲ ንኣዲኡ ዚግባእ ፍቕሪ ያእቆብ ከይትወስድ ኢሉ ዓሚጽዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ እዚ ንየሆዋን ንኣቦኡን ኣመና ኣጕሃዮም።—ዘፍጥረት 49:3, 4 ኣንብብ።
7. ሮቤልን ዘርኡን እንታይ እዮም ዝዀኑ፧ (“ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
7 ያእቆብ ንሮቤል፡ “ኣይክትበልጽን ኢኻ” በሎ። እዚ ቓላት እዚ ተፈጺሙ እዩ። ካብ ዘርኢ ሮቤል፡ ሓደ እኳ ንጉስ፡ ካህን፡ ወይ ነብዪ ኸም ዝዀነ ዚሕብር ኣብ ታሪኽ ዝሰፈረ ነገር የልቦን። ኰይኑ ግና፡ ያእቆብ ንወዱ ርስቲ ሃቦ፣ ዘርኢ ሮቤል ከኣ ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰኑ። (እያ. 12:6) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሮቤል ጽቡቕ ባህርያት ኣርኣየ፣ ድሕሪኡ ኸም ዝመንዘረ ዚሕብር ነገር ድማ የልቦን።—ዘፍ. 37:20-22፣ 42:37።
8. ካብ ሮቤል እንታይ ንምሃር፧
8 እንታይ ንምሃር፧ ርእስና ንምግታእን ካብ ምንዝርና ንምርሓቕን ክንጽዕር ኣሎና። ሓጢኣት ክንገብር እንተ ተፈቲንና፡ ተግባራትና ንየሆዋን ንስድራ ቤትናን ንኻልኦትን ብኸመይ ከም ዚጐድኦም ሓንሳእ ደው ኢልና ኽንሓስብ ኣሎና። ነቲ “ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ” ዚብል ስርዓት እውን ክንዝክሮ ኣሎና። (ገላ. 6:7) በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ ኣብ ሮቤል ዘጋጠመ ነገር ንምሕረት የሆዋ እዩ ዜዘኻኽረና። የሆዋ ኻብ ሳዕቤናት ጌጋታትና ዘየዕቍበና እኳ እንተ ዀነ፡ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ክንጽዕር ከለና ግና ይባርኸና እዩ።
ስምኦንን ሌዊን
9. ያእቆብ ንስምኦንን ንሌዊን ከም ዘይተሓጐሰሎም ዚሕብር ሓያል ቃላት እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍጥረት 49:5-7)
9 ዘፍጥረት 49:5-7 ኣንብብ። ቀጺሉ ያእቆብ ብዛዕባ ስምኦንን ሌዊን ተዛረበ። ኰይኑ ግና፡ ከም ዘይተሓጐሰሎም ዚሕብር ሓያል ቃላት ተጠቕመ። ስለምንታይሲ፡ ቅድሚ ዓመታት ዲና ጓል ያእቆብ ብሓደ ሴኬም ዚብሃል ከነኣናዊ ሰብኣይ ተዓመጸት። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኵሎም ደቂ ያእቆብ በቲ ኣብ ሓብቶም እተገብረ ነገር ኣዝዮም ጐሃዩ፣ ስምኦንን ሌዊን ግና ቍጥዓኦም ኪቈጻጸሩ ኣይከኣሉን። ንሰብ ሴኬም፡ ኵላቶም እንተ ተገዚሮም፡ ምሳታቶም ሰላም ከም ዚገብሩ መሲሎም ኣታለልዎም። እቶም ሰብ ሰኬም ድማ ከምቲ እተባህሎም ተገዝሩ። ገና ኪቕንዘዉ ኸለዉ ኸኣ ስምኦንን ሌዊን፡ “ሰሰይፎም ወሲዶም፡ ናብታ ኸተማ ብድንገት ከይዶም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ።”—ዘፍ. 34:25-29።
10. እቲ ያእቆብ ብዛዕባ ስምኦንን ሌዊን እተዛረቦ ትንቢታዊ ቓላት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (“ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
10 ያእቆብ በቲ ኽልተ ደቁ ብቝጥዓ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ኣመና ተረበሸ። ስለዚ፡ ኣብ ብዘላ እስራኤል ከም ዚብተኑን ፋሕ ከም ዚብሉን ተነበየ። ልዕሊ 200 ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ እሞ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ፡ እዚ ትንቢታዊ ቓላት እዚ ተፈጸመ። ነገድ ስምኦን ኣብ መንጎ ነገድ ይሁዳ ዚርከባ ከተማታት ተረስተዩ። (እያ. 19:1) ነገድ ሌዊ ድማ ኣብ ምሉእ እስራኤል ፋሕ ኢለን ዚርከባ 48 ከተማታት ተረስተዩ።—እያ. 21:41።
11. ነገድ ስምኦንን ሌዊን እንታይ ጽቡቕ ነገር እዮም ዝገበሩ፧
11 ዘርኢ ስምኦንን ሌዊን ጌጋታት ኣቦታቶም ኣይደገሙን። ነገድ ሌዊ ንንጹህ ኣምልኾ ዓብዪ ተኣማንነት ኣርእዮም እዮም። ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ኻብ የሆዋ ሕጊ ኣብ እተዋህቦ እሞ ብዙሓት እስራኤላውያን ኣብ ኣምልኾ ምራኽ ኣብ እተሳተፉሉ እዋን፡ ነገድ ሌዊ ኣብ ጐድኒ ሙሴ ተሰለፉ፣ ነቲ ኽፍኣት ንምጽራይ እውን እጃሞም ኣበርከቱ። (ዘጸ. 32:26-29) የሆዋ ንነገድ ሌዊ ኻብ ካልኦት ፈልዩ ኻህናት ገበሮም። (ዘጸ. 40:12-15፣ ዘሁ. 3:11, 12) እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝኣተዉሉ እዋን ድማ ነገድ ስምኦን ምስ ዕላማ የሆዋ ብምስምማዕ፡ ኣብ ጐድኒ ነገድ ይሁዳ ተሰሊፎም ተዋግኡ።—መሳ. 1:3, 17።
12. ካብ ስምኦንን ሌዊን እንታይ ንምሃር፧
12 እንታይ ንምሃር፧ ብቝጥዓ ተላዒልካ ውሳነ ኣይትግበር፣ ስጕምቲ እውን ኣይትውሰድ። ኣብ ልዕሌኻ ወይ ኣብ ልዕሊ ሰብካ ግፍዒ እንተ ወሪዱ፡ በዚ ኽትሓርቕ ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 4:4) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ብቝጥዓ ተላዒልካ ንዝበደሉኻ ንምጕዳእ እትዛረቦ ዘረባ ወይ እትገብሮ ተግባር ኣይሰምሮን እዩ። (ያእ. 1:20) ካብ ውሽጢ ጉባኤ ዀነ ኻብ ወጻኢ ዘይፍትሓዊ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዕና ኢና ምላሽ እንህብ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብቲ ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ቝጥዓ ዜስዕቦ ጕድኣት ንስተር። (ሮሜ 12:17, 19፣ 1 ጴጥ. 3:9) ዋላ እውን ወለድኻ ንየሆዋ ባህ ዘየብሎ ነገር ይገብሩ እንተ ኣለዉ፡ ግድን ኣሰሮም ክትስዕብ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ተስፋ ኸም ዘይብልካ፡ በረኸት የሆዋ እውን ክትረክብ ከም ዘይትኽእል ጌርካ ኣይትደምድም። ቅኑዕ ንምግባር ጻዕሪ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ብርግጽ ዓስብኻ ኺህበካ እዩ።
ይሁዳ
13. ይሁዳ ተራኡ ምስ ኣኸለ፡ ኣቦኡ እንታይ ከም ዚብሎ ተጨኒቑ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧
13 ያእቆብ ቀጺሉ ብዛዕባ ይሁዳ ተዛረበ። ይሁዳ ነቲ ያእቆብ ብዛዕባ ምዕባዩ ኣሕዋቱ እተዛረቦ ቓላት ምስ ሰምዐ፡ ተጨኒቑ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ እውን እንተ ዀነ፡ ከቢድ ጌጋታት ገይሩ ነይሩ እዩ። ንኸተማ ሴኬም ኣብ ምዝማት ኢድ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘፍ. 34:27) ንሱን ኣሕዋቱን ብሓባር ኰይኖም ድማ ንዮሴፍ ናብ ባርነት ሸይጦምዎ፡ ንኣቦኦም እውን ኣታሊሎምዎ እዮም። (ዘፍ. 37:31-33) ድሕርዚ ኸኣ፡ እታ ታማር እትብሃል ሰበይቲ ወዱ ኣመንዝራ ስለ ዝመሰለቶ፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ገይሩ እዩ።—ዘፍ. 38:15-18።
14. ይሁዳ እንታይ ጽቡቕ ነገር እዩ ገይሩ ነይሩ፧ (ዘፍጥረት 49:8, 9)
14 ይኹን እምበር፡ ያእቆብ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ንይሁዳ ምርቓን ናእዳን ጥራይ ሃቦ። (ዘፍጥረት 49:8, 9 ኣንብብ።) ይሁዳ ንስምዒታት እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ኣቦኡ ኸም ዚሓሊ ኣርእዩ ነይሩ እዩ። ነቲ ሕሳስ ልደ ዝዀነ ሓዉ ብንያም ከም ዚርሕርሓሉ እውን ኣርእዩ ነይሩ እዩ።—ዘፍ. 44:18, 30-34።
15. እቲ ንይሁዳ እተዋህበ ምርቓ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧
15 ያእቆብ ብዛዕባ ይሁዳ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋቱ መራሒ ኸም ዚኸውን ተነበየ። እቲ ትንቢት እቲ ግና፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ እዩ ተፈጺሙ። ድሕሪ 200 ዓመት ኣቢሉ፡ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ እሞ፡ ኣብቲ ብበረኻ ኣቢሎም ናብ ምድሪ ተስፋ ዝገበርዎ ጕዕዞ፡ ነገድ ይሁዳ ቕድሚት እናመርሑ ኸም እተጓዕዙ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዘሁ. 10:14) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ከኣ ኣብቲ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ንምርስታይ ዝገበርዎ ውግእ፡ ይሁዳ መሪሕ ግደ ነበሮ። (መሳ. 1:1, 2) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ዳዊት ስርወ ንግስነት ኣቘመ። ፍጻመ እቲ ብዛዕባ ይሁዳ እተነገረ ትንቢት ግና ካብዚ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል።
16. እቲ ኣብ ዘፍጥረት 49:10 ዚርከብ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (“ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
16 ያእቆብ ኣብ ዘረባኡ፡ ነባሪ ገዛኢ ደቂ ሰብ ካብ ዘርኢ ይሁዳ ኸም ዚመጽእ ገለጸ። (ዘፍጥረት 49:10ን እግረ ጽሑፍን ኣንብብ።) እቲ ገዛኢ እቲ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ያእቆብ ንዕኡ ሺሎ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ሓደ መልኣኽ ብዛዕባ የሱስ፡ “የሆዋ ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃ. 1:32, 33) ብዘይካዚ፡ የሱስ፡ “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ራእ. 5:5።
17. ኣብቲ ብዛዕባ ኻልኦት ዘሎና ኣረኣእያ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧
17 እንታይ ንምሃር፧ ይሁዳ ኸቢድ ጌጋታት እኳ እንተ ገበረ፡ የሆዋ ግና ባሪኽዎ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣሕዋት ይሁዳ፡ ‘የሆዋ እንታይ ስለ ዝረኣየሉ እዩ ባሪኽዎ፧’ ኢሎም ሓሲቦም ደዀን ይዀኑ፧ ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ኣብ ይሁዳ ጽቡቕ ነገር ረኣየ፡ ስለዚ ድማ ባረኾ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ኣብነት የሆዋ ኽንስዕብ እንኽእል፧ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ፍሉይ መሰል ኪውሃቦ ኸሎ፡ ፈለማ ኣብ ጕድለቱ ነተኵር ንኸውን። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ብሰናይ ባህርያቱ ባህ ከም ዝበሎ ኽንዝክር ኣሎና። የሆዋ ኣብቲ ጽቡቕ ጐድኒ ኣምለኽቱ እዩ ዜተኵር። ንሕና እውን ከምኡ ንምግባር ንጽዓር።
18. ስለምንታይ ኢና ትዕግስቲ ኽንገብር ዘሎና፧
18 ካብ ይሁዳ እንምሃሮ ኻልእ ነገር ድማ ኣገዳስነት ትዕግስቲ እዩ። የሆዋ ወትሩ ቓሉ ይፍጽም እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ንሕና እንጽበዮ እዋን ወይ በቲ ንሕና እንጽበዮ ኣገባብ ኣይኰነን ዚፍጽሞ። ነገድ ይሁዳ ብኡብኡ ኣይኰነን ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ መሪሕ ግደ ኺህልዎም ዝጀመረ። ይኹን እምበር፡ ነቶም የሆዋ ኺመርሕዎም ዝሸሞም ሰባት፡ ንኣብነት ነቲ ሌዋዊ ሙሴ፡ ነቲ ኤፍሬማዊ እያሱ፡ ወይ ነቲ ብንያማዊ ንጉስ ሳኦል ብተኣማንነት ደጊፎም እዮም። ንሕና እውን ሎሚ ነቶም የሆዋ ኺመርሑና ዝሸሞም ሰባት ብተኣማንነት ንደግፎም።—እብ. 6:12።
19. ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ንምሃር፧
19 ክሳዕ ሕጂ ኻብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት እንታይ ተማሂርና፧ ብቐዳምነት፡ “ኣምላኽሲ ኸምቲ ሰብ ዚርእዮ ኣይኰነን ዚርኢ።” (1 ሳሙ. 16:7) የሆዋ ኣዝዩ ዕጉስን ይቕረ በሃልን እዩ። ንጌጋ ዕሽሽ ዘይብል እኳ እንተ ዀነ፡ ካብ ኣምለኽቱ ግና ፍጽምና ኣይጽበን እዩ። ከቢድ ጌጋታት ዝገበሩ ሰባት እንተ ተነሲሖምን ናብ ቅኑዕ መገዲ እንተ ተመሊሶምን፡ ንሱ ይባርኾም እዩ። ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ፡ ያእቆብ ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ደቁ እንታይ ከም ዝበለ ኽንርኢ ኢና።
መዝሙር 124 እሙናት ንኹን