ዓንቀጽ መጽናዕቲ 25
መዝሙር 96 ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ
ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ዚርከብ ትምህርቲ—2ይ ክፋል
“ንነፍሲ ወከፎም ዘዚግብኦም ምርቓ ሃቦም።”—ዘፍ. 49:28።
ኣትኵሮ
ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ ብዛዕባ እቶም ሸሞንተ ደቁ እተነበዮ ትንቢት እንረኽቦ ትምህርቲ።
1. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ ኣየናይ ክፋል እቲ ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ኢና ኽንመያየጥ፧
ደቂ ያእቆብ ኣብ ዙርያ እቲ ኣሪጉ ዝነበረ ኣቦኦም ተኣከቡ፣ ንነፍሲ ወከፎም ኪምርቖም ከሎ እውን ጽን ኢሎም ሰምዕዎ። ኣብ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ከም ዝረኣናዮ፡ እቲ ብዛዕባ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን እተዛረቦ ቓላት ንገሊኦም ደቁ ኣገሪምዎም፡ ምናልባት እውን ዘይተጸበይዎ ዀይንዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ያእቆብ ብዛዕባ እቶም ዝተረፉ ሸሞንተ ደቁ እንታይ ከም ዚብል ይሓስቡ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ሕጂ ኻብቲ ብዛዕባ ዛብሎንን ይሳኮርን ዳንን ጋድን ኣሴርን ንፍታሌምን ዮሴፍን ብንያምን እተዛረቦ ቓላት እንታይ ከም እንምሃር ንርአ።a
ዛብሎን
2. ንዛብሎን እተዋህቦ ምርቓን እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመን ግለጽ። (ዘፍጥረት 49:13) (ሳጹን እውን ርአ።)
2 ዘፍጥረት 49:13 ኣንብብ። ያእቆብ ኣስዒቡ፡ ደቂ ዛብሎን ብሸነኽ ሰሜናዊ ኽፋል ምድሪ ተስፋ፡ ኣብ ገማግም ከም ዚነብሩ ሓበረ። ልዕሊ 200 ዓመት ኣቢሉ ምስ ሓለፈ፡ ነገድ ዛብሎን ኣብ መንጎ ባሕሪ ገሊላን ባሕሪ መዲተራነያንን ተረስተዩ። ሙሴ፡ “ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ተሓጐስ” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ዘዳ. 33:18) ከምኡ ዝበለ ድማ፡ ዛብሎን ኣብ መንጎ ኽልተ ባሕሪ ስለ ዝነበረ፡ ብቐሊሉ ጽቡቕ ንግዲ ኼካይድ ይኽእል ብምንባሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ደቂ ዛብሎን ዚሕጐሱሉ ምኽንያት ነይርዎም እዩ።
3. ዕግበት ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
3 እንታይ ንምሃር፧ እንነብረሉ ዓዲ ወይ ዘሎና ዅነታት ብዘየገድስ፡ ሕጉሳት ክንከውን ንኽእል ኢና። ሕጉሳት ንምዃን፡ ብዘሎና ኽንዓግብ ኣሎና። (መዝ. 16:6፣ 24:5) ሓድሓደ ግዜ፡ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ኣብ ክንዲ እንሕጐስ፡ ኣብቲ ዘይብልና ነገራት ከነተኵር ንኽእል ኢና። እምበኣር፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ከተተኵር ጽዓር።—ገላ. 6:4።
ይሳኮር
4. ንይሳኮር እተዋህቦ ምርቓን እዚ ብኸመይ ከም እተፈጸመን ግለጽ። (ዘፍጥረት 49:14, 15) (ሳጹን እውን ርአ።)
4 ዘፍጥረት 49:14, 15 ኣንብብ። ያእቆብ ንይሳኮር ምስ ሓደ ብዙሕ ጾር ዚስከም ድልዱል ዝዓጽሙ ኣድጊ ብምምስሳል፡ ስለቲ ትግሃቱ ነኣዶ። ባህ እተብል ምድሪ ኸም እትህልዎ እውን ገለጸ። ከምቲ ያእቆብ ዝበሎ ድማ፡ ደቂ ይሳኮር ኣብ ገማግም ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከብ ፍርያም ምድሪ ተረስተዩ። (እያ. 19:22) ነታ ምድሮም ንምክንኻን መሸም ብዙሕ ጽዒሮም ኪዀኑ ኣለዎም፣ ኰይኑ ግና፡ ምእንቲ ጥቕሚ ኻልኦት እውን ብዙሕ ጽዒሮም እዮም። (1 ነገ. 4:7, 17) ንኣብነት፡ ነገድ ይሳኮር ብዘመን ባራቅን ነብዪት ዴቦራን ኣብቲ እቶም ህዝቢ ዝገበርዎ ውግእ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።—መሳ. 5:15።
5. ትጉሃት ንምዃን ክንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 እንታይ ንምሃር፧ የሆዋ ኸምቲ ንትግሃት ነገድ ይሳኮር ክብ ኣቢሉ ዝረኣዮ፡ ነቲ ንሕና ኣብ ኣገልግሎቱ እነርእዮ ትግሃት እውን ክብ ኣቢሉ ይርእዮ እዩ። (መክ. 2:24) ንኣብነት፡ ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ ጉባኤ ብዙሕ ዕዮ ይዓይዩ እዮም። (1 ጢሞ. 3:1) እዞም ኣሕዋት እዚኦም ቃል ብቓሉ ኣይዋግኡን ይዀኑ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብ መንፈሳዊ ሓደጋ ንምሕላው ግና ይጋደሉ እዮም። (1 ቈረ. 5:1, 5፣ ይሁ. 17-23) ንጉባኤኦም ዜበርትዕ መደረታት ንምድላውን ንምቕራብን እውን ብትግሃት ይዓይዩ እዮም።—1 ጢሞ. 5:17።
ዳን
6. ንነገድ ዳን እንታይ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ፧ (ዘፍጥረት 49:17, 18) (ሳጹን እውን ርአ።)
6 ዘፍጥረት 49:17, 18 ኣንብብ። ያእቆብ ንዳን ምስ ሓደ ኻብኡ ንዚዓብዩ ተጻባእቲ ዚነክስ ተመን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ምስ ፈረስን ምስ ተወጣሒኡን ከም ዚገጥም ገይሩ እውን ገሊጽዎ ኣሎ። ዳን ንጸላእቲ እስራኤል ሓደገኛ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ኣብቲ ህዝቢ እስራኤል ናብ ምድሪ ተስፋ ዝገበሮ ጕዕዞ፡ ነገድ ዳን “ደጀን” ኰይኑ እዩ ዚጐዓዝ ነይሩ። (ዘሁ. 10:25) ዋላ እውን እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ነቲ ዳናውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ እንተ ዘየስተብሃሉሉ፡ እዚ ዕዮ እዚ ግና ኣገዳሲ እዩ ነይሩ።
7. ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ቲኦክራስያዊ ዕዮ ኸመይ እዩ ኺስምዓና ዘለዎ፧
7 እንታይ ንምሃር፧ ካልኦት ዘየስተብህሉሉ ዕዮ ተዋሂቡካዶ ይፈልጥ፧ ምናልባት ኣብ ጽሬትን ክንክንን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ሓጊዝካ፡ ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ወለንተኛ ዄንካ ዓዪኻ፡ ወይ ካልእ ዕዮ ዓዪኻ ትኸውን። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ናእዳ ይግብኣካ እዩ! ንዅሉ እቲ እትገብሮ የሆዋ ኸም ዜስተብህለሉን ክብ ኣቢሉ ኸም ዚርእዮን ከቶ ኣይትረስዕ። ምናዳ ኸኣ ክትውደስ ኢልካ ዘይኰነስ፡ ልባዊ ፍቕርኻ ኽትገልጸሉ ኢልካ እንተ ኣገልጊልካዮ፡ ነዚ ኽብ ኣቢሉ ይርእዮ እዩ።—ማቴ. 6:1-4።
ጋድ
8. ጋድ ኣብ ምድሪ ተስፋ ንመጥቃዕቲ እተቓልዐ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ዘፍጥረት 49:19) (ሳጹን እውን ርአ።)
8 ዘፍጥረት 49:19 ኣንብብ። ያእቆብ ብዛዕባ ጋድ፡ ዘማቲ ጭፍራ ኸም ዜጥቅዖ ተነበየ። ልዕሊ ኽልተ ዘመን ምስ ሓለፈ፡ ነገድ ጋድ ነታ ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ ተረስተዩ። እታ ምድሪ ድማ ምስ ጸላእቲ እትዳወብ ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ነገድ ጋድ ንመጥቃዕቲ እተቓልዑ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ንማሎም ዚኸውን ጽቡቕ ቦታ ስለ ዝደለዩ፡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ሰፈሩ። (ዘሁ. 32:1, 5) ጋዳውያን ተባዓት እዮም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሆዋ ነታ ንሱ ዝሃቦም ምድሪ ኻብ ዘመትቲ ጭፍራ ኺከላኸሉላ ኸም ዚሕግዞም ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ካልኦት ነገዳት ነታ ብምዕራብ ዮርዳኖስ እትርከብ ምድሪ ተስፋ ኽሳዕ ዚርስተዩ ኺሕግዝዎም ኢሎም እውን ሰራዊቶም ልኢኾም እዮም። (ዘሁ. 32:16-19) እቶም ሰብኡቶም ነዚ ተልእኾ እዚ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ የሆዋ ንኣንስቶምን ንደቆምን ከም ዜዕቍበሎም ኣሚኖም እዮም። የሆዋ ድማ ትብዓትን ርእሰ መስዋእትን ስለ ዘርኣዩ ባሪኽዎም እዩ።—እያ. 22:1-4።
9. ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ውሳነታት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
9 እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ትሕቲ ኣጸጋሚ ዅነታት ንየሆዋ ንምግልጋል፡ ወትሩ ብእኡ ኽንእመን ኣሎና። (መዝ. 37:3) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ንቲኦክራስያዊ ህንጸት ንምድጋፍ፡ ዝያዳ ዓየይቲ ኣብ ዜድልዩሉ ኸይዶም ንምግልጋል፡ ወይ ካልእ ዕዮታት ንምዕያይ ዜድሊ መስዋእትታት ብምኽፋል ብየሆዋ ኸም ዚእመኑ ኣርእዮም እዮም። የሆዋ ወትሩ ኸም ዚሓልየሎም ስለ ዚተኣማመኑ እዮም ከምኡ ዚገብሩ።—መዝ. 23:1።
ኣሴር
10. ኣሴር እንታይ ካብ ምግባር እዩ ዝሰነፈ፧ (ዘፍጥረት 49:20) (ሳጹን እውን ርአ።)
10 ዘፍጥረት 49:20 ኣንብብ። ያእቆብ ነገድ ኣሴር ከም ዚህብትም ተነበየ፣ ብልክዕ እውን ከምኡ ዀነ። ነገድ ኣሴር ኣዝዩ ፍርያም ምድሪ ተረስተየ። (ዘዳ. 33:24) ብዘይካዚ፡ እቲ ርስቱ ምስ ባሕሪ መዲተራነያን ዚዳወብ፡ ነታ ኣብ ፊንቄ እትርከብ ብንግዲ ሃብታም ዝዀነት ወደብ ሲዶን እውን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣሴር ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነበሩ ከነኣናውያን ኣይሰጐጎምን። (መሳ. 1:31, 32) እቲ ንሳቶም ዘሕደሩሉ ጽልዋ ምስቲ ሃብቱ ተደሚሩ ድማ፡ ነቲ ንንጹህ ኣምልኾ ዝነበሮ ቕንኣት ኣዝሓሎ። ስለዚ፡ ባራቅ ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ ጻውዒት ምስ ኣቕረበ፡ ኣሴር ምላሽ ኣይሃበን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቲ ነገድ እቲ ኣብቲ “ኣብ ጥቓ ማያት መጊዶ” እተረኽበ ተኣምራዊ ዓወት ኣይተሳተፈን። (መሳ. 5:19-21) ስለዚ፡ ባራቅን ዴቦራን ኣብ ዝዘመርዎ ናይ ዓወት መዝሙር፡ “ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ስቕ ኢሉ ተቐመጠ” ምባሎም ንኣሴር ኣሕፊርዎ ኪኸውን ኣለዎ።—መሳ. 5:17።
11. ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኽንሕዝ እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧
11 እንታይ ንምሃር፧ ንየሆዋ በብሉጽና ኢና ኽንህቦ እንደሊ። ከምኡ ንምግባር ከኣ፡ ነቲ ዓለም ብዛዕባ ስጋዊ ምሾትን ብዛዕባ ጥሪትን ዘለዋ ኣረኣእያ ኽንነጽጎ ኣሎና። (ምሳ. 18:11) ብዛዕባ ገንዘብ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኢና ኽንሕዝ እንጽዕር። (መክ. 7:12፣ እብ. 13:5) ደድሕሪ ዘየድሊ ስጋዊ ጥሪት ክንስዕብ ክንብል፡ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ድሕር ክንብል ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መጻኢ ናይ ሓቂ ምሾትን ውሑስ ህይወትን ከም እንረክብ ስለ እንፈልጥ፡ ሕጂ ኻብ ግዜናን ካብ ጕልበትናን በብሉጹ ኢና ንየሆዋ ኽንህቦ እንደሊ።—መዝ. 4:8።
ንፍታሌም
12. ምርቓ ንፍታሌም ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ዘፍጥረት 49:21) (ሳጹን እውን ርአ።)
12 ዘፍጥረት 49:21 ኣንብብ። ንፍታሌም “ጥዑም ቃል” ከም ዚዛረብ ያእቆብ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ኸኣ ነቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ እተጠቕመሉ ኣዘራርባ ኼመልክት ይኽእል እዩ። እቲ ብብሉጽ ኣመሃህራኡ ዚፍለጥ የሱስ ነታ ኣብ ምድሪ ንፍታሌም እትርከብ ቅፍርናሆም “ከተማኡ” እዩ ገይርዋ ነይሩ። (ማቴ. 4:13፣ 9:1፣ ዮሃ. 7:46) ኢሳይያስ እውን ብዛዕባ የሱስ ኣብ እተነበዮ ትንቢት፡ ህዝብታት ዛብሎንን ንፍታሌምን “ዓብዪ ብርሃን” ከም ዚርእዩ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳ. 9:1, 2) እቲ ብትምህርቱ ኣቢሉ፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ዜብርህ ናይ ሓቂ ብርሃን” የሱስ እዩ ነይሩ።—ዮሃ. 1:9።
13. ከመይ ጌርና ኢና ብዘረባና ንየሆዋ ባህ ከነብሎ እንኽእል፧
13 እንታይ ንምሃር፧ ዘረባናን ኣዘራርባናን ንየሆዋ የገድሶ እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሆዋ ባህ ዜብሎ “ጥዑም ቃል” ክንዛረብ እንኽእል፧ ቅድም ቀዳድም ሓቂ ኽንዛረብ ኣሎና። (መዝ. 15:1, 2) ድሕሪኡ፡ ንምንኣድ ቅልጡፋት፡ ንምንቃፍ ወይ ንምምራር ግና ድንጕያት ብምዃን ንኻልኦት ዚሃንጽ ነገር ክንዛረብ ንኽእል ኢና። (ኤፌ. 4:29) ናብ ምስክርነት ኪመርሕ ዚኽእል ዝርርባት ንምጅማር እውን ሸቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
ዮሴፍ
14. ንዮሴፍ እተዋህበ ምርቓ ብኸመይ ከም እተፈጸመ ግለጽ። (ዘፍጥረት 49:22, 26) (ሳጹን እውን ርአ።)
14 ዘፍጥረት 49:22, 26 ኣንብብ። ያእቆብ ብዮሴፍ ኣዝዩ ተሓቢኑ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ዮሴፍ “ካብ ኣሕዋቱ እተፈልየ” እዩ ነይሩ። ያእቆብ ንዕኡ፡ “ጨንፈር ፈራዪት ኦም” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። እታ ኦም ንያእቆብ ከተመልክት ከላ፡ እቲ ጨንፈር ድማ ንዮሴፍ እዩ ዜመልክት ነይሩ። ዮሴፍ በዅሪ እታ ያእቆብ ዜፍቅራ ዝነበረ ሰበይቱ ራሄል እዩ ነይሩ። ስለዚ ያእቆብ፡ እቲ ኻብ ልያ በዅሩ ዝዀነ ሮቤል ዝሰኣኖ ዕጽፊ ግደ ንዮሴፍ ከም ዚውሃብ ሓበረ። (ዘፍ. 48:5, 6፣ 1 ዜና 5:1, 2) እቶም ደቂ ዮሴፍ ዝዀኑ ኤፍሬምን ምናሴን ክልተ ነገድ ኰይኖም ምስ ተረስተዩ፡ እዚ ትንቢት እዚ ተፈጸመ።—ዘፍ. 49:25፣ እያ. 14:4።
15. ዮሴፍ ንዝወረዶ ግፍዒ እንታይ ምላሽ እዩ ዝሃበ፧
15 ብተወሳኺ፡ ያእቆብ ብዛዕባ ዮሴፍ ኪዛረብ ከሎ፡ “ቀስተኛታት . . . ወርወሩሉን ጸልእዎን” በለ። (ዘፍ. 49:23) እዚኣቶም እቶም ኣብ ሓደ እዋን ዚቐንኡሉ ኣሕዋቱ እዮም ነይሮም። በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረደ ብዙሕ ግፍዒ እውን ተሓተትቲ እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ዮሴፍ ብኣሕዋቱ ወይ ብየሆዋ ኣይተመረረን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ያእቆብ ብዛዕባኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ቀስቱ . . . ጸኒዑ ይነብር፣ ኣእዳዉ ድማ ድልዱልን ንጡፍን እዩ” በለ። (ዘፍ. 49:24) ዮሴፍ ኣብ ግዜ መከራኡ ኣብ የሆዋ ተወከለ፣ ንኣሕዋቱ ድማ ይቕረ ኻብ ምባል ሓሊፉ ሰናይ ገበረሎም። (ዘፍ. 47:11, 12) በቲ ዜሕለፎ መከራ ኣቢሉ እውን ስብእናኡ ኣጽረየ። (መዝ. 105:17-19) ስለዚ፡ የሆዋ ኣጸቢቑ ተጠቕመሉ።
16. መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንዮሴፍ ክንመስሎ እንኽእል፧
16 እንታይ ንምሃር፧ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና መከራ፡ ካብ የሆዋ ወይ ካብ ክርስትያናት ብጾትና ኼርሕቐና ኣይንፍቀድ። የሆዋ በቲ ኣብ እምነትና ዜጋጥመና ፈተና ኣቢሉ ኼሰልጥነና ኸም ዚኽእል ኣይንረስዕ። (እብ. 12:7፡ እ.ጽ.) እዚ ስልጠና እዚ ድማ ከም ምሕረትን ይቕረታን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ባህርያት ከነማዕብልን ስብእናና ኸነጽርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (እብ. 12:11) የሆዋ ድማ ከምቲ ንዮሴፍ ዓስቡ ዝሃቦ፡ ንዓና እውን ስለቲ ተጻዋርነትና ዓስብና ኺህበና እዩ።
ብንያም
17. እቲ ንብንያም እተዋህበ ትንቢታዊ ምርቓ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ዘፍጥረት 49:27) (ሳጹን እውን ርአ።)
17 ዘፍጥረት 49:27 ኣንብብ። ያእቆብ ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ብንያማውያን ከም ተዅላ ሓያላት ተቓለስቲ ኸም ዚዀኑ ተነበየ። (መሳ. 20:15, 16፣ 1 ዜና 12:2) ኣብ “ንግሆ” መንግስቲ እስራኤል፡ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እስራኤል ዝዀነ ንጉስ ሳኦል ካብ ነገድ ብንያም ወጸ። ንሱ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብጅግንነት ተዋግአ። (1 ሳሙ. 9:15-17, 21) ኣብ “ምሸት” እታ መንግስቲ ኸኣ፡ እቶም ካብ ነገድ ብንያም ዝዀኑ ንግስቲ ኣስቴርን ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ እተሸመ ማርዶካይን ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ንዝነበሩ እስራኤላውያን ካብ ጽንተት ኣድሓንዎም።—ኣስ. 2:5-7፣ 8:3፣ 10:3።
18. ንስርዓት የሆዋ ብተኣማንነት ብምድጋፍ ዝመጸ፡ ከመይ ጌርና ኢና ንብንያማውያን ክንመስሎም እንኽእል፧
18 እንታይ ንምሃር፧ ብንያማውያን መሸም ሓደ ኻብ ነገዶም ንጉስ ኰይኑ ምስ ረኣዩ፡ በዚ ኸም እተሓበኑ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቲ ንግስና ናብቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ዳዊት ኣመሓላለፎ፣ ብንያማውያን ከኣ ውዒሎም ሓዲሮም ነቲ ለውጢ እቲ ደገፍዎ። (2 ሳሙ. 3:17-19) ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ካልኦት ነገዳት ምስ ዓለዉ፡ ብንያማውያን ብተኣማንነት ምስ ይሁዳን ምስቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስን ለገቡ። (1 ነገ. 11:31, 32፣ 12:19, 21) ንሕና እውን ነቶም ንህዝቡ ኺመርሑ ብየሆዋ እተሸሙ ሰባት ብተኣማንነት ንደግፎም።—1 ተሰ. 5:12።
19. ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
19 ካብቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ እተነበዮ ትንቢት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። እቲ ትንቢት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ምምርማርና፡ ነቲ ኣብ ትንቢታዊ ቓል የሆዋ ዘሎና እምነት ኬደልድሎ ይኽእል እዩ። ደቂ ያእቆብ ብኸመይ ምርቓ ኸም ዝረኸቡ ምፍላጥና ኸኣ፡ ንየሆዋ ብኸመይ ባህ ከነብሎ ኸም እንኽእል ብዝሓሸ ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።
መዝሙር 128 ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር
a ያእቆብ ንሮቤልን ንስምኦንን ንሌዊን ንይሁዳን ካብ ዝዓበየ ጀሚሩ ናብ ዝነኣሰ እናወረደ ድሕሪ ምምራቑ፡ ነቶም ዝተረፉ ደቁ ብመስርዕ እቲ እተወልዱሉ ኣይኰነን መሪቕዎም።