ዓንቀጽ መጽናዕቲ 22
መዝሙር 15 በዅሪ የሆዋ ይወደስ!
ስም የሆዋ ንየሱስ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
“ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ።”—ዮሃ. 17:26።
ኣትኵሮ
የሱስ ንስም የሆዋ ብኸመይ ከም ዘፍለጠ፡ ነቲ ስም እቲ ድማ ብኸመይ ከም ዝቐደሶን ሓቅነቱ ኸም ዘረጋገጾን።
1-2. (ሀ) የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ እንታይ እዩ ዝገበረ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧
ሓሙስ ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣሕሊፍካ ተዋሂቡን ተፈሪዱን ተሰቅዩን ተቐቲሉን እዩ። በታ ምሸት እቲኣ ግና፡ ኣብ ደርቢ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ኽፍሊ ምስ እሙናት ሃዋርያቱ ፍሉይ ድራር ተደርረ። ድሕሪ እቲ ድራር፡ የሱስ ንሃዋርያቱ ብናይ ስንብታ ቓላት ገይሩ ኣተባብዖም። ኵላቶም ካብታ ኣብ ደርቢ እትርከብ ክፍሊ ቐቅድሚ ምውጻኦም ከኣ፡ የሱስ ብዙሕ ትርጉም ዝሓዘለ ጸሎት ኣቕረበ። ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ጸሎት እዚ መዝጊብዎ ኣሎ፣ ኣብ ዮሃንስ ምዕራፍ 17 ድማ ይርከብ።
2 እሞ ደኣ እቲ የሱስ ዝጸለዮ ጸሎት ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዘተሓሳሰቦ ነገር እንታይ ይገልጸልና፧ ጸሎቱኸ ብዛዕባ እቲ ኣብ ብምሉኡ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንዕኡ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር እንታይ ይሕብረና፧ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ እስከ ንርአ።
“ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ”
3. የሱስ ብዛዕባ ስም የሆዋ እንታይ እዩ ኢሉ፧ እንታይ ማለቱ እዩኸ ነይሩ፧ (ዮሃንስ 17:6, 26)
3 የሱስ ኣብ ጸሎቱ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ” በለ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ስም የሆዋ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዘፍለጦም ክልተ ሳዕ እዩ ተዛሪቡ። (ዮሃንስ 17:6, 26 ኣንብብ።) እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ስም ድዩ ነጊርዎም፧ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣይሁድ እዮም ነይሮም፣ ስለዚ፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። እቲ ስም እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኣሽሓት ሳዕ እዩ ዚርከብ። ስለዚ የሱስ፡ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ከም ዘፍለጦም ኣይኰነን ዚዛረብ ነይሩ። የግዳስ፡ ነቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ ከም ዘፍለጦም እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እወ፡ ንየሆዋ ብዝሓሸ ኺፈልጥዎ፡ ማለት ዕላማታቱን ንጥፈታቱን ባህርያቱን ካብ ቅድሚኡ ብዝሓሸ ኺፈልጡ እዩ ሓጊዝዎም።
4-5. (ሀ) ንሓደ ስም ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ብምንታይ ምሳሌ ኸነብርሆ ንኽእል፧ (ለ) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንስም የሆዋ ኣጸቢቖም ዝፈለጥዎ ብኸመይ እዮም፧
4 ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ኣብ ጉባኤኹም ዳዊት ዝስሙ ሽማግለ ኣሎ ንበል፣ ብሞያኡ ኸኣ ሓኪም መጥባሕቲ እዩ። ነቲ ሓው እቲ ንነዊሕ ዓመታት ትፈልጦ ኢኻ። ሓደ መዓልቲ ግና፡ ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ኣድልዩካ። ብቕልጡፍ ድማ ናብቲ እቲ ሓው ዚሰርሓሉ ሆስፒታል ተወሲድካ። ኣብኡ ኸኣ እቲ ሓው፡ በቲ ሕክምናዊ ኽእለቱ ኣቢሉ ንህይወትካ ኣድሒኑልካ። እሞ ደኣ ኻብ ሽዑ ንደሓር ስም እቲ ሓው ንዓኻ ፍሉይ ትርጉምዶ ኣይህልዎን፧ ብርግጽ ይህልዎ እዩ! ድሕሪ እቲ ግዜ እቲ፡ ንዳዊት ከም ሓደ ሽማግለ ጥራይ ኣይኰንካን እትፈልጦ፣ የግዳስ፡ ህይወትካ ኸም ዘድሓነልካ ሓኪም መጥባሕቲ ጌርካ እውን ኢኻ እትፈልጦ።
5 ብተመሳሳሊ፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንስም የሆዋ ኣቐዲሞም ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ሳላ ኣገልግሎት የሱስ ግና፡ ስም የሆዋ ዝዓበየ ትርጉም ኪህልዎ ኽኢሉ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ የሱስ ኣብ ኵሉ እቲ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ባህርያት ኣቦኡ ኣንጸባሪቑ እዩ። ስለዚ ሃዋርያቱ ንኣመሃህራኡ ብምስማዕን ነቲ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ብምዕዛብን ንየሆዋ ብዝሓሸ “ኺፈልጥዎ” ኽኢሎም እዮም።—ዮሃ. 14:9፣ 17:3።
“ዝሃብካኒ ስምካ”
6. የሆዋ ንየሱስ ስሙ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧ (ዮሃንስ 17:11, 12)
6 የሱስ ኣብ ጸሎቱ ምእንቲ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለቲ ዝሃብካኒ ስምካ ሓልዎም” ኢሉ ጸለየ። (ዮሃንስ 17:11, 12 ኣንብብ።) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሱስ ካብ ሽዑ ንደሓር የሆዋ ተባሂሉ ይጽዋዕ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሱስ ብዛዕባ ስም የሆዋ ኺዛረብ ከሎ፡ “ስምካ” ኸም ዝበለ ኽንርስዕ የብልናን። ስለዚ፡ ስም የሆዋ፡ የሱስ ዚጽውዓሉ ብሕታዊ ስም ኣይኰነን። እሞ ደኣ የሱስ ስም ኣምላኽ ከም እተዋህቦ ኺዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ብቐዳምነት የሱስ ወኪልን ኣፈኛን የሆዋ እዩ ነይሩ። ብስም ኣቦኡ እዩ መጺኡ፡ በቲ ስም እቲ እውን ግብርታት ሓይሊ ገይሩ እዩ። (ዮሃ. 5:43፣ 10:25) ብተወሳኺ፡ እቲ የሱስ ዚብል ስም፡ “የሆዋ ድሕነት እዩ” ዚብል ትርጉም እዩ ዘለዎ። እወ፡ እቲ መለኮታዊ ስም ምስ ስም የሱስ ብቐረባ ይተኣሳሰር እዩ።
7. የሱስ ብስም የሆዋ ብኸመይ ኪዛረብ ከም ዚኽእል ብምሳሌ ኣረድእ።
7 ነዚ ዜብርህ ምሳሌ እስከ ንርአ፦ ኣምባሳደር ንገዛኢ ስለ ዚውክል፡ ብስም እቲ ገዛኢ ኺዛረብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ሓደ ኣምባሳደር ዚዛረቦ ቓል ማዕረ እቲ ገዛኢ ስልጣን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ንየሆዋ ስለ ዚውክሎ፡ ብስሙ ንሰባት ኪዛረቦም ይኽእል እዩ።—ማቴ. 21:9፣ ሉቃ. 13:35።
8. የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ ስም የሆዋ “ኣብኡ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (ዘጸኣት 23:20, 21)
8 የሱስ ቃል ኰይኑ ኣብ ዚዓይየሉ ዝነበረ እዋን፡ ንኻልኦት መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን ንሰባትን ሓበሬታን መምርሕን ብምሃብ፡ ኣፈኛ የሆዋ ዀይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (ዮሃ. 1:1-3) እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኣብ ዝወጹሉ እዋን ኪሕልዎም ተባሂሉ ኻብ የሆዋ እተላእከ መልኣኽ፡ የሱስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ነቲ መልኣኽ እቲ ኺእዘዝዎ ኺነግሮም ከሎ፡ “ስመይ ኣብኡ ስለ ዝዀነ” ኢሉ ተዛሪብዎ ነይሩ እዩ።a (ዘጸኣት 23:20, 21 ኣንብብ።) የሱስ ወኪል የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ ንስም ኣቦኡ ኣብ ምድጋፍን ኣብ ምቕዳስን እውን ኣውራ ስለ ዝዀነ፡ ስም የሆዋ “ኣብኡ” ኸም ዝዀነ ጌርካ ተዘሪቡሉ ኣሎ።
“ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ”
9. ስም የሆዋ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧ ግለጽ።
9 ክሳዕ ሕጂ ኸም ዝረኣናዮ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እኳ፡ ስም የሆዋ ንዕኡ ልዑል ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ። ስለዚ፡ ስም የሆዋ ምስ ኵሉ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ነገር ብቐረባ ምትእስሳሩ ኼገርመና የብሉን። የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ኣገልግሎቱ ንኣቦኡ፡ “ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ” ኢልዎ እዩ። ኣቦኡ ድማ ብኡብኡ ኻብ ሰማይ ከም ነጕዲ ብዝኣመሰለ ድምጺ፡ “ኣኽቢረዮ እየ፡ ከም ብሓድሽ እውን ከኽብሮ እየ” ኢሉ መለሰሉ።—ዮሃ. 12:28።
10-11. (ሀ) የሱስ ንስም የሆዋ ዘኽበሮ ብኸመይ እዩ፧ (ስእሊ እውን ርአ።) (ለ) ስም የሆዋ ኪቕደስን ሓቅነቱ ኺረጋገጽን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧
10 የሱስ እውን ንስም ኣቦኡ ኣኽቢርዎ እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ መገዲ፡ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ባህርያትን ተግባራትን ኣቦኡ ንኻልኦት ብምግላጽ እዩ። ነቲ ስም እቲ ምኽባር ግና፡ ዝያዳ ነገራት እውን የጠቓልል ነይሩ እዩ። ስም የሆዋ ኪቕደስን ሓቅነቱ ኺረጋገጽን የድሊ ነይሩ እዩ።b የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብነት ዚኸውን ጸሎት ኪምህሮም ከሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ኣብቲ ጸሎቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢሉ እዩ ጸልዩ።—ማቴ. 6:9።
11 ስም የሆዋ ኪቕደስን ሓቅነቱ ኺረጋገጽን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ገነት ኤደን ንየሆዋ ኣምላኽ ኣሕሲርዎን ጠቂንዎን እዩ። ሰይጣን ኣብቲ ኽሱ፡ የሆዋ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ፡ ንኣዳምን ሄዋንን ከኣ ጽቡቕ ነገር ከም ዝሓብኣሎም ጠቀኖ። (ዘፍ. 3:1-5) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ የሆዋ ተግባሩ ዚገብረሉ መገዲ ቕኑዕ ዘይምዃኑ ኣመተ። እዚ ናይ ሓሶት ክስታት ሰይጣን እዚ፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ ስም የሆዋ እተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ። ብዘመን እዮብ ድማ፡ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ሰባት፡ ጥቕሚ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ከም ዜገልግልዎ ሰይጣን ከሰሰ። ዋላ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንምግልጋል ዜኽእሎ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኸም ዘይብሉ እውን ከሰሰ። (እዮ. 1:9-11፣ 2:4) ስለዚ፡ ካብ የሆዋ ወይ ካብ ሰይጣን መን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ ንምርግጋጽ፡ ግዜ ኣድለየ።
የሱስ ንሰዓብቱ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምቕዳስ ስም ኣምላኽ መሃሮም (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)
“ኣነ ንህይወተይ . . . ኣሕሊፈ . . . ዝህባ”
12. የሱስ ንስም የሆዋ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ እንታይ ንምግባር እውን እዩ ፍቓደኛ ዝዀነ፧
12 የሱስ ንየሆዋ ስለ ዜፍቅሮ፡ ንስም የሆዋ ንምቕዳስን ሓቅነቱ ንምርግጋጽን ዚከኣሎ ኺገብር ደለየ። ስለዚ ድማ፡ “ኣነ ንህይወተይ . . . ኣሕሊፈ ስለ ዝህባ” ኢሉ ተዛረበ። (ዮሃ. 10:17, 18) እወ፡ ምእንቲ ስም የሆዋ ንሙማት እኳ ፍቓደኛ ዀነ።c እቶም ቀዳሞት ክልተ ፍጹማት ሰባት፡ ማለት ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ዝባኖም መለሱሉ፡ ኣብ ጐድኒ ሰይጣን እውን ቈሙ። ብኣንጻሩ ግና፡ የሱስ ናብ ምድሪ ንምምጻእ ፍቓደኛ ዀነ፡ ንየሆዋ ዘለዎ ፍቕሪ እውን ኣርኣየ። ኣብ ምሉእ ህይወቱ ፍጹም ንጽህናኡ ሓልዩ ብምምልላስ እዩ ኸምኡ ዝገበረ። (እብ. 4:15፣ 5:7-10) ኣብ ጕንዲ ስቅያት ክሳዕ ዚመውት፡ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንጽህናኡ ሓለወ። (እብ. 12:2) በዚ ኸምዚ፡ ንየሆዋን ንስሙን ፍቕሪ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ።
13. ከም የሱስ ገይሩ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኼረጋግጽ ዚኽእል የልቦን ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ስእሊ እውን ርአ።)
13 የሱስ ብመገዲ ህይወቱ ኣቢሉ፡ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ኸም ዝዀነ፡ ብዘየተሓታትት መገዲ ኣረጋገጸ! (ዮሃ. 8:44) ንሱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ንየሆዋ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። እቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ኽስታት እተወሰነ ሓቅነት እንተ ዚህልዎ ነይሩ፡ የሱስ ምፈለጠ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ንሱ ንስም የሆዋ ጸኒዑ ተጣበቐሉ። ኣብቲ የሆዋ ኸም ዝሓደጎ ዝመሰለሉ እዋን እኳ፡ ዝባኑ ናብቲ ፈቃር ኣቦኡ ኣብ ክንዲ ዚመልስ፡ ንሙማት ፍቓደኛ ዀነ።—ማቴ. 27:46።d
የሱስ ብመገዲ ህይወቱ ኣቢሉ፡ የሆዋ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ብዘየተሓታትት መገዲ ኣረጋገጸ (ሕጡብ ጽሑፍ 13 ርአ)
“ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ”
14. የሆዋ ንየሱስ ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቡ ዝሃቦ ብኸመይ እዩ፧
14 የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ለይቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት፡ “ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ” በለ። የሆዋ ስለቲ ተኣማንነቱ ዓስቡ ኸም ዚህቦ ይኣምን ነበረ። (ዮሃ. 17:4, 5) እቲ የሱስ ኣብ ኣቦኡ ዘሕደሮ እምነት ከንቱ ኣይነበረን። የሆዋ ንወዱ ኣብ መቓብር ኣይሓደጎን። (ግብ. 2:23, 24) የግዳስ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ ኣብ ሰማይ ናብ ዝለዓለ ቦታ ልዕል ኣበሎ። (ፊል. 2:8, 9) ውዒሉ ሓዲሩ፡ የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእ ጀመረ። እሞኸ እታ መንግስቲ እቲኣ እንታይ እያ ኽትፍጽም፧ እቲ ኣብቲ ኣብነት ዚኸውን ጸሎት ዚርከብ ካልኣይ ክፋል ነዚ ይምልሰልና እዩ። ኣብቲ ጸሎት እቲ፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ [ፍቓድ የሆዋ] ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ዚብል ልማኖ ቐሪቡ ኣሎ።—ማቴ. 6:10።
15. የሱስ እንታይ እዩ ኺዓምም፧
15 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሱስ ምስ ጸላእቲ ኣምላኽ ኪዋጋእ፡ ንእኩያት ድማ ኣብ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእ. 16:14, 16፣ 19:11-16) ደድሕሪኡ ኸኣ፡ ንሰይጣን ናብ “መዓሙቝ” ኪድርብዮ፡ ማለት ኣብቲ ኸም ሞት ዝኣመሰለ ዋላ ሓደ ንጥፈት ዘይብሉ ዅነት ኪኣስሮ እዩ። (ራእ. 20:1-3) የሱስ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ሰላምን ፍጽምናን ኬስፍን እዩ። ንምዉታት ኬተንስእ እዩ። ንምልእቲ ምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ። ዕላማ የሆዋ ድማ ኪፍጸም እዩ!—ራእ. 21:1-4።
16. ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ እዩ ኪኸውን፧
16 ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ ኪኸውን ኢና እንጽበ፧ ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሓራ ኪዀኑ እዮም። ድሕሪኡ፡ ብመሰረት እቲ በጃ፡ ሕድገት ሓጢኣት ኪልምኑ ኣይኬድልዮምን እዩ። መንጎኛ ወይ ካህን እውን ኣይኬድልዮምን እዩ። “እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት [ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት] እዩ።” መቓብራት ባዶ ኪኸውን እዩ። ምዉታት እውን ዳግም ህያዋን ኪዀኑ እዮም። ኣብ ምድሪ ዚነብር ኵሉ ሰብ ፍጹም ኪኸውን እዩ።—1 ቈረ. 15:25, 26።
17-18. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ እዩ ኪኸውን፧ (ለ) ግዝኣቱ ዜብቅዓሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እንታይ እዩ ኺገብር፧ (1 ቈረንቶስ 15:24, 28) (ስእሊ እውን ርአ።)
17 ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት እንታይ ካልእ ነገር እውን እዩ ኪኸውን፧ ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ኪኸውን እዩ። እቲ ምስ ምቕዳስ ስም የሆዋ እተተሓሓዘ ኽርክር መወዳእታ ኺግበረሉ እዩ። ብኸመይ፧ ሰይጣን ኣብ ገነት ኤደን፡ የሆዋ ሓሳዊ ኸም ዝዀነ፡ ንደቂ ሰብ እውን ብፍቕሪ ኸም ዘይገዝኦም ከሲሱ ነይሩ እዩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ስም የሆዋ በቶም ዜኽብርዎ ዘበሉ ብተደጋጋሚ ኪቕደስ ጸኒሑ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት፡ ሓቅነት ስም የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪረጋገጽ እዩ። ንሱ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ምዃኑ ብዘየማትእ መገዲ ኺረጋገጽ እዩ።
18 እቲ ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ኺረጋገጽ እዩ። እሞ ደኣ የሱስ ግዝኣቱ ዜብቅዓሉ እዋን ምስ ኣኸለ፡ እንታይ እዩ ኺገብር፧ ኣብነት ሰይጣን ብምስዓብ፡ ካብ የሆዋ ኺዓሉ ድዩ፧ ኣይፋልን! (1 ቈረንቶስ 15:24, 28 ኣንብብ።) የሱስ ነታ መንግስቲ ንኣቦኡ ኼረክባ እዩ። ንየሆዋ ኸኣ ኪግዝኦ እዩ። እወ፡ የሱስ ዘይከም ሰይጣን ንየሆዋ ስለ ዜፍቅሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ንምሃብ ፍቓደኛ ኪኸውን እዩ።
የሱስ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ፡ ነታ መንግስቲ ብፍታዉ ንየሆዋ የረክባ (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)
19. ስም የሆዋ ንየሱስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧
19 እምበኣር፡ የሆዋ ንየሱስ ስሙ ኺህቦ ምድላዩ ኼገርመና የብሉን። የሱስ ፍጹም ወኪል ኣቦኡ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። እሞ ደኣ ስም የሆዋ ንየሱስ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለዎ፧ ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ምእንቲ እቲ ስም ኪመውት ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ፡ ዘለዎ ዅሉ ንየሆዋ ንምርካብ ፍቓደኛ ኪኸውን እዩ። እሞ ደኣ ኸመይ ጌርና ኢና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።
መዝሙር 16 ስለ ወዱ ንያህ ወድሱ
a ሓድሓደ ግዜ፡ መላእኽቲ ንየሆዋ ወኪላቱ ብምዃን፡ ብስሙ መልእኽቲ ኣብጺሖም እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ገሊኦም መላእኽቲ፡ የሆዋ ኸም ዝዀኑ ጌርካ ተዘሪቡሎም ኣሎ፡ ወይ የሆዋ ተባሂሎም ተጸዊዖም ኣለዉ። (ዘፍ. 18:1-33) ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ሙሴ ነቲ ሕጊ ኻብ የሆዋ ኸም እተቐበሎ ጌርካ ተጠቒሱ ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ካልእ ክፋላት ግና የሆዋ ብስሙ ብእተላእኩ መላእኽቲ ኣቢሉ ነቲ ሕጊ ኸም ዘመሓላለፈ ተሓቢሩ ኣሎ።—ዘሌ. 27:34፣ ግብ. 7:38, 53፣ ገላ. 3:19፣ እብ. 2:2-4።
b መግለጺ ቓላት፦ “ምቕዳስ” ኪብሃል ከሎ፡ ምኽባር፡ ቅዱስ ጌርካ ምርኣይ፡ ወይ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምሕዳር ዚብል ትርጉም ኣለዎ። “ሓቅነት ምርግጋጽ” ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ ንሓደ ስም ካብ ናይ ሓሶት ክሲ ሓራ ምግባር፡ ነቲ ኽሱስ ናጻ ምግባር፡ ወይ ድማ ካብ ናይ ሓሶት ክስን ጸለመን ንጹህ ምዃኑ ምርግጋጽ ዚብል ሓሳብ ኣለዎ።
c ብዘይካዚ፡ ሞት የሱስ ንደቂ ሰብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡሉ መገዲ ኸፈተሎም።
d ኣብ ናይ ሚያዝያ 2021 ግምቢ ዘብዐኛ፡ ገጽ 30-31 ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።