24-30 ነሓሰ
ኤርምያስ 29–30
መዝሙር 12ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. የሆዋ ንኣገልገልቱ ብልክዕ ይግስጾም
(10 ደቒቕ)
እቶም እተነስሑ ኣይሁድ ንየሆዋ ብምሉእ ልቦም ኪደልይዎ ነይርዎም (ኤር 29:12, 13፣ jr 114 ¶3)
የሆዋ ንህዝቡ ናብ ዓዶም ኪመልሶም ይደሊ ነበረ (ኤር 29:14)
ኪጸንቱ ምኸኣሉ ነይሮም፡ የሆዋ ግና ‘ብልክዕ ገሰጾም’ (ኤር 30:11፣ እብ 12:6፣ jr 168 ¶2)
ንምስትንታን ዚኸውን፦ የሆዋ ኺግስጸና ኸሎ እንታይ ምላሽ ኢና ኽንህብ ዚግባእ፧—w22.11 21 ¶6።
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኤር 30:11—ወለዲ ንደቆም ኪግስጽዎም ከለዉ ንየሆዋ ኺመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (w14 1/7 12 ¶1-4)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 30:1-11 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። በታ ኣብ መስከረም ዚግበር ወፈራ እነፋልጣ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ጌርካ ዝርርብ ጀምር፡ ድሕሪኡ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)
5. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። በታ ኣብ መስከረም ዚግበር ወፈራ እነፋልጣ ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ ብሮሹር ጌርካ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) ijwbv ዓንቀጽ 6—ፍረ ነገር፦ ትርጉም እቲ ኣብ ኤርምያስ 29:11 ዘሎ ሓሳብ እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 1)
መዝሙር 3
7. የሆዋ ንኣገልገልቱ ተስፋ ይህቦም
(10 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣይሁድ ምሩኻት ኰይኖም ኣብ ባቢሎን ከለዉ፡ ሓደ መዓልቲ ናብ ዓዶም ከም ዚምለሱ የሆዋ ቓል ኣትዩሎም ነይሩ። (ኤር 29:10) ስቓዮም ኬብቅዕ ነበሮ። ከምዚ ዓይነት ተስፋታት ከይተፈጸመ እኳ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ይጠቕመና እዩ። ከመይሲ፡ ትስፉዋት ኴንና ኽንጽበ ይሕግዘና እዩ።
ነታ ዩኒቨርሳዊ ሰላም ብርግጽ ኪሰፍን እዩ!—ተስፋ ኣይትቝረጽ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧
8. ኣብ መስከረም ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
(5 ደቒቕ) ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። እታ ጉባኤ ንፍሉይ ወፈራ ዝገበረቶ ምድላዋት ብውዕዉዕ ስምዒት ግለጽ።
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) wcg ምዕ. 5