ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ሓምለ ገጽ 14-15
  • 31 ነሓሰ–6 መስከረም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 31 ነሓሰ–6 መስከረም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ሓምለ ገጽ 14-15

31 ነሓሰ–6 መስከረም

ኤርምያስ 31

መዝሙር 27ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ”

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንኺዳን ሕጊ ሙሴ ብሓደ ሰፊሕን ነባርን ጥቕሚ ዘለዎ “ሓድሽ ኪዳን” ከም ዚትክኦ ቓል ኣትዩ (ኤር 31:31, 32፣ jr 169 ¶4)

እቲ ሓድሽ ኪዳን ኣብ መንጎ የሆዋን ኣብ መንጎ ናይ ኣምላኽ እስራኤልን እተገበረ ዀይኑ፡ ንሕድገት ሓጢኣት መሰረት ዚኸውን እዩ (ኤር 31:33, 34፣ jr 171 ¶9)

እቶም ክፍሊ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ዘይኰኑ ክርስትያናት እውን ካብዚ ሓድሽ ኪዳን ይጥቀሙ እዮም (w10 15/3 27 ¶14፣ jr 177 ¶18)

ስእልታት፦ 1. ሊቀ ኻህናት ኣብ ቤተ መቕደስ መስዋእቲ ይስውእ። 2. ወተሃደራት ንሬሳ የሱስ ካብ ጕንዲ ስቅያት የውርድዎ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኤር 31:15—እዚ ትንቢት ፍጻመኡ ዝረኸበ ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧ (it “ራማ” ቍ. 1 ¶3-mwbr)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኤር 31:1-11 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ብቐጥታ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪጅምር ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ መምህሩ ብሕማቕ ከም ዚሕዞ ዀይኑ እተሰምዖ መማህርትኻ ብijwyp ዓንቀጽ 106 ተጠቒምካ ሓግዞ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መደረ። ijwfq ዓንቀጽ 37—ፍረ ነገር፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ገለልተኛታት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ (th መጽናዕቲ 14)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 67

7. ተዓጻጻፊ ኹን—JW.ORG ተጠቐም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ሰብ ሓዳር ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ምስክርነት፡ ንሓንቲ ኣደን ጓላን ወብሳይት jw.org የርእይወን።

ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት ኪመያየጥሉ ብዛዕባ ዚደልዩ ርእሰ ነገር ብምሕሳብ ኣብ ኣገልግሎትና ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ዘይተዳለናሉ ርእሰ ነገር የልዕል ይኸውን። ምስቲ ዅነታት ቅልጡፍ ምትዕርራያት ምእንቲ ኽንገብር እንታይ ንዋት ኪሕግዘና ይኽእል፧

ነታ ‘ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ’—ንJW.ORG ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ምጥቃም—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

ኣብ እዋን ወፈራ ኣብ በቤት ተገልግል ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ፡ እቲ ብዓል ቤት ኣብ ህይወቱ ዜሕዝን ነገር ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ኣምላኽ ከም ዘይሓገዞ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ብኣምላኽ ከም ዘይኣምን ይነግረካ።

  • ቅድሚ ምምስካርካ ብኸመይ ድንጋጽ ኸተርኢ ትኽእል፧—ያእ 1:19

  • ነየነይቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ መምበብካሉ፧ ነታ ዝደለኻያ ጥቕሲኸ ኣብ jw.org ብኸመይ ክትረኽባ ትኽእል፧

  • ነታ ዝደለኻያ ጥቕሲ ኽትዝክራ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምእንቲ ኽትረኽባ ኣብታ “ድለ” እትብል ሳጹን እንታይ ኢልካ ኽትጽሕፍ ትኽእል፧

  • jw.org ወይ JW Library® ክትጥቀም እንተ ዘይክኢልካኸ ነቲ በዓል ቤት ብኸመይ ምሓገዝካዮ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) wcg ምዕ. 6

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 132ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ