ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ሓምለ ገጽ 8-9
  • 27 ሓምለ–2 ነሓሰ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 27 ሓምለ–2 ነሓሰ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ሓምለ ገጽ 8-9

27 ሓምለ–2 ነሓሰ

ኤርምያስ 20–21

መዝሙር 73ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኤርምያስ ብትብዓት መልእኽቲ የሆዋ ኣዊጁ። ገሊኦም ምስማዕ ይኣብዩ፡ ገሊኦም ድማ ይጭድሩሉ።

1. ተባዕ ሰባኺ እዩ ነይሩ

(10 ደቒቕ)

ኤርምያስ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ብምንጋሩ መስጐጕቲ ኣጋጢምዎ (ኤር 20:2, 8)

ተስፋ ቘሪጹ ስለ ዝነበረ ስብከት ደው ኬብል ሓሲቡ ነይሩ (ኤር 20:9ሀ)

ሳላ ቓልን ደገፍን የሆዋ ግና ብትብዓት ስብከቱ ቐጺሉ (ኤር 20:9ለ, 11፣ w11 15/3 30 ¶9፣ w10 15/2 7 ¶8-9)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኤር 20:12—እዛ ፍቕዲ እንታይ ንምግባር እያ እተለዓዕለና፧ (w13 15/3 10 ¶11)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኤር 20:7-18 (th መጽናዕቲ 2)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ባህርያዊ ብዝዀነ መገዲ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ኺፈልጥ ግበሮ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(4 ደቒቕ) መርኣያ። ሓደ ቘልዓ ኣብ ቤት ትምህርቱ በዓል ስለምንታይ ከም ዘየብዕል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብ ijwfq ዓንቀጽ 59 ተመስሪቱ ምስ ሓደ ኻብ ወለዱ ዀይኑ ይለማመድ። (th መጽናዕቲ 13)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 57

7. ተዓጻጻፊ ኹን—ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምውፋርና፡ ኣብ ክልና ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብዜተሓሳስቦም ርእሰ ነገር ዝርርብ ንምጅማር ንዳሎ ንኸውን። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3) ይኹን እምበር፡ እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ ኻልእ ርእሰ ነገር ከም ዜተሓሳስቦ እንተ ኣስተብሂልናኸ፧ የሱስ ንሓደ ዓይነ ስውር ብስራት ቅድሚ ምንጋሩ ለውሂሉ እዩ። (ዮሃ 9:1, 6, 7, 35-38) ካብዚ እንታይ ንምሃር፧ ንሓደ ሰብ ብሓቂ ምስ እንሓልየሉ፡ ንመልእኽትና ኺሰምዖ ይለዓዓል ይኸውን። ስለዚ፡ ኣብ በቤት ክንሰብኽ ከለና፡ ንስምዒት እቲ ብዓል ቤት ኣብ ግምት ከነእቱን ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእን ኣገዳሲ እዩ።

1 ቈረንቶስ 9:20-23 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ጳውሎስ ብዛዕባ ሰባት ከም ዚግደስ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • ጳውሎስ ነቲ መልእኽቲ ንምብጻሕ ዚተዓጻጸፍ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

“‘ኸተበስር ተሃንጠ’—ቅኑዕ ናውቲ ንምጥቃም ድሉው ኩን—ቍንጽል” ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብታ ቪድዮ ሰብ ሓዳር ኣብ በቤት ኣብ ዚግበር ምስክርነት ንሓደ ሰብኣይ ይሰብኩሉ።

ነታ ‘ኸተበስር ተሃንጠ’—ቅኑዕ ናውቲ ንምጥቃም ድሉው ኩን—ቍንጽል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • እቲ ሓው ዝርርብ ንምጅማር ሓደ ርእሰ ነገር ተዳልዩ እኳ እንተ ነበረ፡ ምስቲ ዅነታት እተዓጻጸፈ ግና ብኸመይ እዩ፧

  • ሓልዮት ከነርኢ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) wcg መእተዊ 1ይ ክፋል፡ ሰሌዳ ግዜ ኸምኡ እውን ምዕ. 1

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 31ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ