ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ሓምለ ገጽ 6-7
  • 20-26 ሓምለ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 20-26 ሓምለ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ሓምለ ገጽ 6-7

20-26 ሓምለ

ኤርምያስ 18–19

መዝሙር 44ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ብመንፈሳዊ መዳይ ክትሓዊ ትኽእል ኢኻ

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንህዝቢ ይሁዳ ነቲ ሱር ዝሰደደ ሕማቕ ተግባሮም ኪሓድግዎ ተማሕጺንዎም (ኤር 18:11፣ it “በዓል” ቍ. 4 ¶23-mwbr)

ንሳቶም ግና፡ “እዝስ ዘይከውን እዩ!” ዚብል ግጉይ ኣረኣእያ ነይርዎም (ኤር 18:12)

ኣብቲ ምስ ሓጢኣት እንገብሮ ቓልሲ ኽንዕወት ንኽእል ኢና (ኤር 18:7, 8፣ w25.08 23 ¶11)

ሓንቲ ሰበይቲ ሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረቤታ ኺሰብኩላ ኸለዉ ብመስኰት ትርኢ። ኣብቲ ከብሒ መጽሓፍታ እቲ ዝቐደመ “ትርጉም ሓዳስ ዓለም” ከምኡ እውን መጽሓፍ መዝሙር ኣሎ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኤር 18:6፣ 19:10, 11—የሆዋ ዓብዪ ሰራሕ ካይላ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (it “ሰራሕ ካይላ” ¶8-mwbr)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኤር 19:1-11 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር፡ ብኸመይ ከም ዚግበር ድማ ኣርኢ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። በታ ገዲፍካሉ ዝነበረካ ትራክት ምይይጥ ግበሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(4 ደቒቕ) መደረ። ijwbq ዓንቀጽ 44—ፍረ ነገር፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ ይብል፧ (th መጽናዕቲ 20)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 38

7. ናብ መንፈሳዊ ሕውየት ዚመርሕ ስጕምትታት

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ብዙሓት ካብቶም ንየሆዋ ምግልጋል ደው ዘበሉ ሰባት ንዕኡ የፍቅርዎ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብኸመይ ከም ዚምለሱ ኣይፈልጡን ወይ ዘይብቑዓት ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ከምቲ የሆዋ ኣብ ሕሉፍ ንህዝቡ ዝሓገዞም፡ ሎሚ እውን ነቶም ናብኡ ኺምለሱ ዚደልዩ ይሕግዞም እዩ።

ሓደ ንየሆዋ ምግልጋል ደው ኣቢሉ ዝነበረ ሰብ፡ ንዅሉ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ብሓንሳእ ኪቕጽሎ ኸም ዘለዎ ዀይኑ ኺስምዖ የብሉን። ፈለማ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪድልድል ኣለዎ። እሞ ደኣ፡ በብቝሩብ ንጥፈታቱ ኪቕጽሎ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

  • የሆዋ ኺሕግዘካ ብጸሎት ለምኖ። (1ጴጥ 5:7) የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዜበርትዓና ቓል ኣትዩ ኣሎ።—ኢሳ 40:28, 29

  • መዓልታዊ መንፈሳዊ ምግቢ ተመገብ። ኣብ jw.org ክትድህስስ ወይ እተወሰነ ፍቕድታት መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ወይ ክትሰምዕ ትኽእል ኢኻ። ከምቲ ስጋዊ ምግቢ ንኣካላትና ዜደልድሎ፡ መንፈሳዊ ምግቢ እውን ንመንፈሳውነትና የደልድሎ እዩ።—መዝ 1:2, 3

  • ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብ ጀምር። የሆዋ በዚ ኣኼባታት ኣቢሉ እዩ ዜበርትዓናን ዚድግፈናን።—እብ 10:24, 25

“ተመሊሰ እየ” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብታ ቪድዮ ዘላ ሓብቲ ኣብ መእተዊ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ሓንጐፋይ ኢሎም ይቕበልዋ።

ነታ ተመሊሰ እየ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) wcg “ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ” ኸምኡ እውን መእተዊ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 153ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ