13-19 ሓምለ
ኤርምያስ 16–17
መዝሙር 34ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ብመን ኢና ኽንእመን ዘሎና፧
(10 ደቒቕ)
እቶም ብሰብ ዚእመኑ ንየሆዋ የጕህይዎ (ኢሳ 30:1, 2፣ ኤር 17:5)
ህይወቶም ከቢድ ይኸውን (ኤር 17:6፣ it “ጽሕዲ፡ ተርሚን” ቍ. 2-mwbr)
እምንቶኦም ኣብ የሆዋ ዚገብሩ ግና ይለምዑ (ኤር 17:7, 8፣ w09 1/3 17 ¶2)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኤር 17:7—ኣብ የሆዋ ምውካል፡ ኣብቶም ንውድብ የሆዋ ዚመርሑ ምውካል እውን ዜጠቓልል ስለምንታይ እዩ፧ (w22.02 4 ¶7-8)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 17:5-18 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 19 ጽማቝ፡ ክለሳ፡ ሸቶ (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 3)
መዝሙር 54
7. ኣቱም መንእሰያት፡ በቲ ኣብ ቓል ኣምላኽ ዘሎ ግብራዊ ምኽሪ ተኣመኑ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ቀንዲ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኣብ መንእሰያትን ዘይምኩራትን እዩ። (ዘፍ 3:1) ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ዳርጋ መዓልታዊ በዳሂ ዅነታት የጋጥመካ ይህሉ ይኸውን። ኣብ የሆዋን ኣብቲ ኣብ ቃሉ ዚርከብ ምኽርን እንተ ተኣሚንካ ግና ካብ ስቓይ ክትስተር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ዚስዕብ ዅነታት፡ ሓጋዚ ዝዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት ወይ ጥቕሲ ጽሓፍ፦
ኣካይዳኻ እተፈልየ ብምዃኑ ደቂ ኽፍልኻ የላግጹልካ
ኣብ ጉባኤ መሰታኻ ዝዀነ ዓርኪ የሎን
መማህርትኻ ብተሌፎን ወይ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኼዕልለካ ይደሊ
መምህርካ ትምህርቲ ድሕሪ ምውዳእካ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ ኸይትገብር ኪዓናቕፈካ ይፍትን
ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ኺሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧ ዘርእስታ ስእሊ ሰሌዳ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧
ነዚ ፈትኖ፦ መዓልታዊ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ምዕራፍ ኣንብብ፣ ድሕሪኡ፡ ዝያዳ ኽትፈልጦ ኣብ እትደልዮ ነገር ምርምር ግበር። ነዚ ኸየቋረጽካ ንኽንደይ መዓልቲ ኽትገብሮ ኸም እትኽእል ርአ። እዚ ኸም ናይ የሱስ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኺህልወካ ስለ ዜሰልጥነካ፡ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ዜድልዮ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ትፈልጥ ኢኻ።—1ቈረ 2:16።
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 102-103