6-12 ሓምለ
ኤርምያስ 13–15
መዝሙር 123ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኤርምያስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒታት ኣዕሚቑ ይሓስብ
1. የሆዋ ተኣዛዝነትና ይግብኦ
(10 ደቒቕ)
ኤርምያስ መምርሒታት የሆዋ ዋላ እኳ እንተ ዘይተረድኦ ተኣዚዙ (ኤር 13:1-7፣ jr 51-52 ¶17-18)
የሆዋ ኸምኡ ኽገብር ስለምንታይ ከም ዝደለዮ ኤርምያስ ጸኒሑ ተረዲእዎ (ኤር 13:8-11፣ jr 52 ¶19)
ክርስትያናት እቲ ዚውሃቦም መምርሒ ኣብ ዘይርድኦም እዋን እውን ከይተረፈ ከም ኤርምያስ ኪእዘዙ ይድልዩ እዮም (w22.12 21 ¶16፣ w08 15/6 19 ¶7)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኤር 15:16, 17—ንኤርምያስ ክንመስሎን ንተስፋ ምቝራጽ ክንቃለሶን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (w07 15/3 10 ¶3)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 13:1-14 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ዝርርብ ንምጅማር ትራክት ተጠቐም። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ እተመያየጥኩምሉ ርእሰ ነገር ካብ jw.org ሓንቲ ዓንቀጽ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)
6. መደረ
(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 18—ፍረ ነገር፦ የሱስ ነዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ፍጻመታት ተነብይዎ ነይሩ እዩ። (th መጽናዕቲ 7)
መዝሙር 49
7. “ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ”
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
እዘን “ተኣዛዝነት ካብ መስዋእቲ ይበልጽ” ዚብላ ቓላት፡ ንጉስ ሳኦል ነቲ የሆዋ ዝሃቦ ንጹር መምርሒ ምስ ጠሓሰ፡ ነብዪ ሳሙኤል እተዛረበን እየን።
1 ሳሙኤል 15:3, 7-9, 22, 23 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ንጉስ ሳኦል ንየሆዋ ዘይተኣዘዞ ብኸመይ እዩ፧ ብምንታይ ምኽንያታትከ ኪኸውን ይኽእል፧
ንየሆዋ ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ዚበልጽ ስለምንታይ እዩ፧
ዕልወት ምስ ሓጢኣት ጥንቈላ ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧
ሉቃስ 16:10 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ኣገዳሲ ንዘይመስል ነገራት እኳ ኽንእዘዝ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ኣገዳሲ ዘይመስል እንታይ ነገራት ኣሎ፧
ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንኣምላኽ ዘይንርእዮ ኻብ ኰንና፡ ስለምንታይ ንእዘዞ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 100-101