15-21 ሰነ
ኤርምያስ 7–8
መዝሙር 152ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ንቤተ መቕደስ የሆዋ ነዓቕዋ
(10 ደቒቕ)
ብዙሓት ኣይሁድ እከይ ተግባራት ይፍጽሙ እኳ እንተ ነበሩ፡ ቤተ መቕደስ የሆዋ ኸም እተዕቍቦም ግና ይሓስቡ ነይሮም (ኤር 7:4, 8-10፣ jr 21 ¶12)
ኣካይዳኦም ንስም የሆዋ ዜዋርድ እዩ ነይሩ (ኤር 7:11፣ it “የሆዋ” ¶78-mwbr)
የሆዋ ነታ ቤተ መቕደስ እንታይ ከም ዜጋጥማ ንምሕባር ንሺሎ ኸም ኣብነት ተጠቒሙ እዩ (ኤር 7:12-14፣ it “ሺሎ” ቍ. 2 ¶4-mwbr)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣካይዳይ ኵሉ ግዜ ንየሆዋ ዜኽብር ድዩ፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኤር 8:22—‘በለሳን ኣብ ጊልዓድ የልቦን’ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (jr 134 ¶14)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 8:4-13 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 19 ነጥቢ 6 (th መጽናዕቲ 19)
መዝሙር 91
7. ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
(5 ደቒቕ) ምይይጥ።
ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹን—ንቤት የሆዋ ፍተዎ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ኽንከናኸኖ ንኽእል፧ ስለምንታይከ፧
1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኪእከቡ ኸለዉ በየናይ ካልእ መገዲ ኣኽብሮት ኬርእዩ ይኽእሉ፧
8. ወፈያኻ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል፧—ጽገና ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ
(10 ደቒቕ) ኣብዛ ዓንቀጽ ተመስሪትካ ዚግበር ምይይጥ። ኣዳራሽኩም ንምክንኻን እተገበረ ወጻኢታት ኣጕልሕ።—hdu ዓንቀጽ 30።
ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክንኻን እንታይ ወጻኢታት ተገይሩ፧ እዚ ዕዮ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
ካብቲ ኣወዳድባን ኣመዋውላን ዓበይቲ ናይ ጽገና ፕሮጀክትታት ዝሰሓበካ ኣየናይ እዩ፧
ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
ብኸመይ ከም እትውፊ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ቀንዲ ገጽ ኣፕሊኬሽን JW Library® ወይ ኣብ jw.org ኣብ ታሕቲ ዚርከብ “ወፈያታት” ዚብል ሊንክ ጠውቕ።
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb መእተዊ መበል 14 ኽፋል ከምኡ እውን ትምህርቲ 94-95