8-14 ሰነ
ኤርምያስ 4–6
መዝሙር 56ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ካብ መንፈሳዊ ሕማም ይሁዳ እንረኽቦ መለበሚ
(10 ደቒቕ)
ሰብ ይሁዳ ነቓጻትን ዓለወኛታትን እዮም ነይሮም (ኤር 4:4, 14፣ w13 15/3 10 ¶8-9)
ነቲ የሆዋ ብዛዕባ መንፈሳውነቶም ዝሃቦም መጠንቀቕታ ኣይሰምዕዎን (ኤር 5:31፣ jr 114 ¶2)
ንመጠንቀቕታ የሆዋ ዕሽሽ ስለ ዝበልዎ ተቐጺዖም (ኤር 6:17-19)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኸይሓምም እንታይ ክገብር እኽእል፧’
ሕማም እንተ ዚብርትዓካ፡ ብእዋኑ ምእንቲ ኽትሕከም፡ ብልክዕ ክትምርመርዶ ኣይምደለኻን፧ ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ እውን ከምኡ ኽትገብርዶ ኣይምደለኻን፧
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኤር 4:10—የሆዋ ንህዝቡ ዘታለሎም ብኸመይ እዩ፧ (w07 15/3 9 ¶4)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 5:1-11 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)
5. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥርጣረ ኸም ዘለዎ ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)
7. እምነትካ ምግላጽ
(3 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 5—ፍረ ነገር፦ ስለምንታይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሰምዮም፧ (th መጽናዕቲ 7)
መዝሙር 60
8. ካብ ግጉይ ሓበሬታ ልብኻ ሓሉ
(8 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ነብያትን ረኣይትን ሰሓቢ ግናኸ፡ ሓደገኛ ዝዀነ ግጉይ ሓበሬታ ይነዝሑ ነይሮም። (ኢሳ 30:10፣ ኤር 5:31) ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን፡ እቶም ግጉይ ሓበሬታ ዚነዝሑ ልቢ ኸም ዚማርኽ ገይሮም ኬቕርብዎ እዮም ዚጽዕሩ። ካብዚ ንርእስኻ ብኸመይ ትሕልዋ፧
ነታ ኻብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ግጉይ ሓበሬታ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ዘይእሙናት ሰባት ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ግጉይ ሓበሬታ ዚነዝሑ ብኸመይ እዮም፧ ክንጥንቀቐሉ ዜድልየናኸ ስለምንታይ እዩ፧
ንሓቅነት ሓደ ሓበሬታ ንምርግጋጽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧—እዮ 12:11
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ናብ ዝደልዮ ሓበሬታ ድየ ዝዝምብል፧ ወይስ ፈለማ ንሓቅነት እቲ ሓበሬታ አረጋግጽ እየ፧’
ኣብ ኢንተርነትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብን ዚቐርብ ነገራት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ሰባት ዝዳሃሰስዎን ዝደለይዎን ተመስሪቱ እዩ ዚቐርብ። ዜተኣማምን ሓበሬታ ንምርካብ ዝያዳ ጥንቃቐ ኣድላዪ እዩ።
9. ነታ ጉባኤ ዜድሊ
(7 ደቒቕ)
10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 92-93