1-7 ሰነ
ኤርምያስ 1–3
መዝሙር 84ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
ኤርምያስ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ መልእኽቲ ፍርዲ የሆዋ ይሰብከሎም
1. “ኣይትፍራህ፣ . . . ‘ኣነ ምሳኻ እየ’”
(10 ደቒቕ)
[መእተዊ ኤርምያስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
ከም ኤርምያስ ኪሰብኩ ዚደልዩ ገሊኦም፡ ኪፈርሁ ወይ ኣይበቅዕን ዚብል ስምዒት ኪስምዖም ይኽእል እዩ (ኤር 1:6)
የሆዋ ፍቓዱ ንምግባር ኪሕግዘናን ኬበርትዓናን እዩ (ኤር 1:8, 9፣ w10 15/1 9 ¶7-8)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኤር 3:14-25 (th መጽናዕቲ 12)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ምስቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እዋናዊ ርእሰ ጕዳይ ምስ ተዘራረብኩም፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትጠቕሞ ጥቕሲ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(5 ደቒቕ) ዕቤት ምስ ዘይገብር ተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ግበር። (lmd ትምህርቲ 12 ነጥቢ 5)
መዝሙር 76
7. ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን
(6 ደቒቕ) ምይይጥ።
ነታ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር —ኤርምያስ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ኤርምያስ ዓርኪ የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧—ኤር 1:6-8
ብዛዕባ የሆዋ ንመን ክትዛረብ ትደሊ፧
ኣዕሩኽ የሆዋ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እንታይ ምበልካዮም፧
8. “ብልእመትን ብብዙሕ ኣኽብሮትን” ምላሽ ሃብ
(9 ደቒቕ) ምይይጥ።
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅን ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኽንጣበቐሉን ከለና ተባዓት ክንከውን ኣሎና። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ትብዓትን ካልእ ክርስትያናዊ ባህርያትን ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና።
1 ጴጥሮስ 3:15 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦
ብዛዕባ እምነትና ኽንገልጽ ከለና፡ ከነርእዮ ዚግባእ ካልእ ኣገዳሲ ባህርያት ኣየናይ እዩ፧
እዚ ባህርያት እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ነታ ‘ውጽኢት ናይ ሓቂ ጽድቅስ ሰላም እዩ’ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ብዛዕባ ግብረ ሶዶም ብሜላ እምነትካ ንምግላጽ ዚሕግዘካ፡ ካብዛ ቪድዮ እንታይ ትምህርቲ ረኺብካ፧
ዘክር፦ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኽትጣበቐሉ ኸለኻ ኣብ ፖለቲካዊ ኽትዕ ኣይትእቶ።—ዮሃ 18:36።
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 90-91