25-31 ግንቦት
ኢሳይያስ 65–66
መዝሙር 24ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ንመንፈሳዊ ገነት ንፈትዎ ኢና!
(10 ደቒቕ)
ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ ኣለዎም (ኢሳ 65:13፣ cl 275 ¶12, 14)
መንፈሳዊ ገነት ስቓይን ውጥረትን ክንጻወር ይሕግዘና (ኢሳ 65:14-17፣ w24.04 22 ¶9-10)
ዓለም ምስቲ እነስተማቕሮ ዘለና ሰላምን ድሕንነትን ኪወዳደር ዚኽእል ዋላ ሓንቲ የብላን (ኢሳ 65:25፣ w24.04 23 ¶13)
መግለጺ፦ “መንፈሳዊ ገነት” ኪብሃል ከሎ፡ ነቲ ንየሆዋ እነምልኸሉ ሃዋህው እዩ ዜመልክት። ኣብዚ መንፈሳዊ ገነት እዚ፡ ምስ የሆዋን ምስ ሰባትን ሰላማዊ ርክብ ነስተማቕር ኢና።
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 66:24—እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ኣብ ማርቆስ 9:47, 48 ብዛዕባ ገሃነም እተዛረቦ ኽንርዳእ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧ (it “ገሃነም” ¶6-7-mwbr)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 65:17-25 (th መጽናዕቲ 10)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ባህርያዊ ብዝዀነ መገዲ ነቲ ሰብ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ኺፈልጥ ግበሮ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)
5. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ኪካትዓካ ይደሊ። (lmd ትምህርቲ 4 ነጥቢ 5)
6. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ዝርርብ ንምጅማር ትራክት ተጠቐም። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)
7. እምነትካ ምግላጽ
(3 ደቒቕ) መርኣያ። ijwbq ዓንቀጽ 87—ፍረ ነገር፦ ጸረ ክርስቶስ መን እዩ፧ (th መጽናዕቲ 17)
መዝሙር 80
8. የምልጠካዶ ኣሎ፧
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትጅምር ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ፧ እንተ ጀሚርካ ኣብ ህይወት ጽቡቕ ነገራት ከየምልጠካ ትሰግእ ትኸውን። ወይ ‘ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡ ኻብ ኰኑ፡ ስለምንታይ እየ ተወሳኺ መስዋእቲ ዝኸፍል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን። ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ የሆዋ ነቶም ብእኡ ዚእመኑ ‘ጽቡቕ ዘበለ ኸም ዘይከልኦም’ ዘክር። (መዝ 84:11, 12) ጽቡቕ ነገራት ዜምልጠና ንየሆዋ ብሉጽና ኻብ ምሃብ ድሕር ምሕር እንተ ኢልና ጥራይ እዩ።
የሆዋ ሕጂ ይኹን ኣብ መጻኢ ኺባርኸና እዩ። ነታ “ምእንቲ እቲ ብስራት” እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
እዞም መንእሰያት ርእሶም ብምቕራቦም እንታይ በረኸት እዮም ረኺቦም፧
ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትጅምር ኵነታትካ ዘይፈቕደልካ እንተ ዀይኑኸ፧ የሆዋ ነቶም ብሉጾም ዚህብዎ ይባርኾም እዩ። ስለዚ፡ የሆዋ ‘ሓንቲ እኳ ኽሳዕ ዘይጐድለካ በረኸት ከም ዜፍስሰልካ’ ብምትእምማን ብሉጽካ ሃቦ።—ሚል 3:10።
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 88-89