ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ግንቦት ገጽ 5-16
  • 18-24 ግንቦት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 18-24 ግንቦት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ግንቦት ገጽ 5-16

18-24 ግንቦት

ኢሳይያስ 62–64

መዝሙር 44ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ኢድ ሰራሕ ካይላ ብጭቃ ካይላ ትሰርሕ።

1. ፈቃርን ርሕሩሕን ሰራሕ ካይላ

(10 ደቒቕ)

ብሳዕቤናት ጌጋታትና ኣብ እንሳቐየሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ የሆዋ ብርሕራሐ ይሕዘና (ኢሳ 63:9፣ cl 253-254 ¶7-9)

ካብ ሳዕቤናት ጌጋታትና ዘየዕቍበና እኳ እንተዀነ ይሕግዘና እዩ (w23.08 28-29 ¶8-9)

እንተ ፈቒድናሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር ናብ ዝዀነ ሰብ ኪቐርጸና ይኽእል እዩ (ኢሳ 64:8፣ w13 15/9 20 ¶15-17)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 63:10—እዛ ፍቕዲ ብዛዕባ ትዕግስቲ የሆዋ እንታይ ትምህረና፧ (it “ምሕረት” ¶11-mwbr)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 64:4-12 (th መጽናዕቲ 12)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ሰብ ዜገድሶ ርእሰ ነገር ፍለጥ፡ ካልእ ግዜ ኽትረኽቦ ድማ መደብ ግበር። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ቪድዮ ኣፋልጥ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) በታ ኣብ lff ገጽ 254 “ምስ ጉባኤ ሓቢረ ንምስባኽ ድሉው ድየ፧” ዘርእስታ ሳጹን ጌርካ፡ ንተምሃራይ መጽሓፍ ቅዱስካ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ብዛዕባ ምዃን ዘለዎ ሸቶ ኣመያይጦ። (lmd ትምህርቲ 12 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 115

7. ንሓደጋ ምድላው—ንድንገት ተዳሎ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ። ብሽማግለ ዚቐርብ። ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ኣካል ሽማግለታትን እተዳለወ መዘኻኸሪ እንተ ኣልዩ ኣቕርብ።

ስእልታት፦ ንእተፈላለየ ባህርያዊ ሓደጋ ዜመልክት እተፈላለየ ናይ መጠንቀቕታ ምልክት፦ 1. ሱናሚ። 2. ምንቅጥቃጥ ምድሪ። 3. ህቦብላ ንፋስ። 4. ዚነትጕ እሳተ ጎመራ። 5. ባርዕ ዱር።

ሓደጋታት እንተላይ ዓመጻ ሃንደበትን ኣብ ዝዀነ ቦታን ኬጋጥም ይኽእል እዩ። (መክ 9:11) ኣብቲ እትነብረሉ ቦታ ባህርያዊ ሓደጋ ዘየጋጥም ወይ ሳሕቲ ዜጋጥም እኳ እንተ ዀነ፡ ዘይተሓስበ ኼጋጥም ከም ዚኽእል ምሕሳብ ግና ጥበብ እዩ። (ምሳ 22:3) እሞ ደኣ ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

  • ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክትከውን ከለኻ ኸባቢኻ ብንቕሓት ተኸታተል፡ ብፍላይ ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖ ቦታታት ድማ ነቲ ናይ ግዜ ሓደጋ መውጽኢ ኣበይ ከም ዘሎ ኣስተብህለሉ

  • ንእዋን ባህርያዊ ሓደጋ ዚኸውን ሳንጣa ኣዳሉ፣ ምናልባት ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብ ገዛ ኽትጸንሕ ዜገድድ ነገር እንተ ኣጋጢሙ እኹል ቀረብ ከዝን። ቤትካ ሓዲግካ ኽትከይድ ዜገድድ ነገራት ዜጋጥም እንተ ዀይኑ ተዳሎ፡ ከምኡ እውን ኣድራሻ ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን ይሃሉኻ።—g17.5 4

ነታ ንሓደጋ ምድላው፦ ንድንገት ተዳሎ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ፈለማ ንሓደጋ ብዛዕባ ምድላው እንታይ ተሰሚዕዎም ነይሩ፧

  • ንምድላው እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ ወሲዶም፧

  • ንሓደጋ ኣብ ምድላው ዝገበርዎ ጻዕሪ የሆዋ ብኸመይ ባሪኽዎም፧

  • ካብቲ ዘሕለፍዎ እንታይ ትምህርቲ ረኺቦም፧

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ኣብ መንጎ ንሓደጋ ምድላውን ንየሆዋ ኣኽብሮት ምርኣይን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧’

ሸቶ፦ ኣብዛ ሰሙን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ክትከውን ከለኻ፡ ንርእስኻ ‘እቲ ዝቐረበ መውጽኢ ሓደጋ ኣየናይ እዩ፧’ ኢልካ ሕተታ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 86፡ መእተዊ መበል 13 ኽፋል ከምኡ እውን ትምህርቲ 87

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 151ን ጸሎትን

a ነታ ኣብ ንቕሑ! ቍ. 5 2017፡ ኣብ ገጽ 6 እትርከብ “ዜድልየካ ነገራት ኣሎካዶ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ