20-26 ሚያዝያ
ኢሳይያስ 54–55
መዝሙር 86ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ዋጋ ኽትከፍል ፍቓደኛ ዲኻ፧
(10 ደቒቕ)
የሆዋ ንደቁ ኸም ዚምህሮም ቃል ኣትዩ (ኢሳ 54:13፣ w09 15/9 21 ¶3)
ሓቂ ንምጥራይ ግዜ ንዓድግ (ኢሳ 55:1, 2፣ w18.11 4 ¶6-7)
ጽን ኢልካ ምስማዕ ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ፡ ህይወት ዜድሕን እዩ (ኢሳ 55:3፣ be 14 ¶3-5)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንልማድ ብሕታዊ መጽናዕተይ ብኸመይ ኬመሓይሾ እኽእል፧’
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 54:17—ቀዳማይ ክፋል እዛ ፍቕዲ ነየናይ ሰለስተ ሓቅታት ተዘኻኽረና፧ (w19.01 6 ¶14-15)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 54:1-10 (th መጽናዕቲ 11)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)
5. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)
6. ንግዱሳት ምክትታል
(2 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ነቲ ሰብ ካርድ ኣድራሻ ሃቦ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
7. መደረ
(5 ደቒቕ) be 28 ¶3–31 ¶2—ፍረ ነገር፦ ብኸመይ መጽናዕቲ ኸም እትገብር። (th መጽናዕቲ 14)
መዝሙር 97
8. ብሕታዊ መጽናዕቲ ንኸይትገብር ንዜጋጥመካ ጸገማት ምስጋር
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ቀጻሊ ልማዳት ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምዕቃብ፡ ሓያሎ ብድሆታት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ንሓደ ጽቡቕ ልማዳት ብሕታዊ መጽናዕትን መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ኪህልዎ ዚጽዕር ዘሎ ክርስትያን ሓው ተተባብዕ ከም ዘለኻ ጌርካ እሞ ሕሰብ። እዚ ዚስዕብ ጸገማት ከም ዘለዎ ይሕብረካ። ንነፍሲ ወከፍ ጸገማት ዚኸውን ግብራዊ ሓሳባት፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓት ወይ ካብ መወከሲ ጽሑፋትና ዝረኸብካዮ ሓሳባት ኣብ ታሕቲ ጽሓፍ።
“ጽቡቕ ኣየንብብን እየ”
“መጽናዕቲ ኣይፈቱን እየ”
“ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ካበይ ከም ዝጅምርን መዓልታዊ ኽንደይ ከንብብ ከም ዝኽእልን ኣይፈልጥን እየ”
“ብዙሕ ሕታማት ኣሎ! ሰሙናዊ እንታይ ከጽንዕ እኽእል፧”
“ኣመና ትሑዝ እየ፡ ንመጽናዕቲ ዚኸውን ግዜ ኽረክብ ኣይክእልን እየ”
“አስግል እየ፡ ዘንበብክዎ ኽዝክር እውን እጽገም እየ”
ነታ ውጽኢታዊ ብሕታዊ መጽናዕቲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕትኻ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ውጽኢታዊ ብሕታዊ መጽናዕቲ ንምግባር እንታይ ጽቡቕ ሓሳባት ረኺብካ፧
9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 78-79