27 ሚያዝያ–3 ግንቦት
ኢሳይያስ 56–57
መዝሙር 12ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. የሆዋ ኣምላኽና ስለ ዝዀነ ሕጉሳት ኢና
(10 ደቒቕ)
ኣምለኽቲ ጣኦት ሓገዝ ንምርካብ ዜእውይዎ ኣውያት ሰማዒ የብሉን (ኢሳ 57:13፣ ip-2 269 ¶14-16-mwbr)
ንየሆዋ ዘየገልግሉ ሰባት ህድኣትን ሓድነትን የብሎምን (ኢሳ 57:20፣ w18.06 7 ¶16፣ it “ምድሪ” ¶21-mwbr)
እኩያት ሰላም የብሎምን (ኢሳ 57:21፣ it “ሰላም” ¶3-mwbr)
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ጽቡቕ ርክብ ንህይወተይ ዘመሓየሾ ብኸመይ እዩ፧
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 56:6, 7—እዚ ትንቢት ፍጻመኡ ዚረክብ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧ (w07 15/1 10 ¶3፣ w06 1/11 27 ¶1)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 56:4-12 (th መጽናዕቲ 5)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኣኼባ እተምሃርካዮ ነገር ንገሮ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 4)
5. እምነትካ ምግላጽ
(5 ደቒቕ) መደረ። ijwbq ዓንቀጽ 90—ፍረ ነገር፦ ኣባል ሓንቲ እተወደበት ሃይማኖት ክትከውን ኣድላዪ ድዩ፧ (th መጽናዕቲ 16)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(4 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 19 ነጥቢ 4 (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 3)
መዝሙር 58
7. ብዛዕባ የሆዋ ኻብ ምዝራብ ዓዲ ኣይትውዓል
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ሰባት ብዘይ የሆዋ፡ ዜተኣማምን መምርሒ፡ ዜዕግብ ዕላማ ህይወት፡ ናይ ሓቂ ተስፋ ኺህልዎም ኣይክእልን እዩ። ብዙሓት ሰባት፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንህይወቶም ዘለዎ ረብሓ ኸይተገንዘቡ ምንጻጎም ዜሐዝን እዩ። ሰባት ስለ ዘይሰምዑና ተስፋ ኽንቈርጽ ወይ ክንሕለል ስለምንታይ ከም ዘይብልና፡ ገለ ምኽንያታት ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ።—መክ 11:6።
ክልና ብቐጻሊ ይቀያየር እዩ። እቶም ዘይግዱሳት ዝነበሩ ሰብ ገዛ ግዒዞም፡ ካልኦት ናብቲ ገዛ ዝኣተዉ ይሰምዑና ይዀኑ
ካልእ ሰብ ማዕጾ ይኸፍተልና ይኸውን። ብዕድመ ዝደፍኡ ወለዲ፡ ዝባጽሐ ውላድ፡ ሓድሽ ነባሪ፡ ወይ ጋሻ ማዕጾ ኪኸፍተልና ይኽእል እዩ
ሰባት ይቕየሩ እዮም። (1ጢሞ 1:13) ሓደ ሰብ ጽልዋ እናኸፍአ ዚኸይድ ዘሎ ዅነታት ዓለም ዜስዕቦ ጸቕጢ ወይ ዜሕዝን ኵነታት ምስ ዜጋጥሞ፡ ኪሰምዓና ይድረኽ ይኸውን
ነታ የሆዋ ‘ኻብ ነፍሲ ወከፍና ኣይረሓቐን’ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ብዛዕባ ኣብ ኣገልግሎት ዘይምሕላል እንታይ ተማሂርካ፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 80-81