ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 መጋቢት ገጽ 4-5
  • 16-22 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 16-22 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 መጋቢት ገጽ 4-5

16-22 መጋቢት

ኢሳይያስ 45-47

መዝሙር 2ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ከማይ ዝበለ ኸኣ የልቦን”

(10 ደቒቕ)

እስራኤላውያን ካብ ምርኮ ባቢሎን ሓራ ይወጹ።

ከም የሆዋ ዝበለ የልቦን (ኢሳ 46:9፣ w20.06 5 ¶14)

የሆዋ ፍቓዱ ንኸይፍጽም ክዓግቶ ዚኽእል የለን (ኢሳ 46:10, 11፣ cl 42 ¶14፣ it “ምሩኻት ካብ ባቢሎን ይምለሱ” ¶1-mwbr)

እቶም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ዜምልኹ ይጕህዩ (ኢሳ 46:6, 7፣ w99 5/15 14 ¶18-19)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 46:10—የሆዋ፡ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዚሓጥኡ “ኻብ መጀመርታ” ይፈልጥ ነይሩ ድዩ፧ (w11 1/1 14 ¶2-3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 45:1-11 (th መጽናዕቲ 5)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። ክርስትያን ንዘይኰነ ሰብ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ግለጸሉ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ኣብ ዝሓለፈ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ንእተቐበለ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምሮ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 5)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 19 መእተውን ነጥቢ 1-3ን (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 38

7. እቲ እንኮ ሓገዝ እንረኽበሉ ምንጪ

(7 ደቒቕ) ምይይጥ።

ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እቲ እንኮ ሓገዝ እንረኽበሉ ምንጪ የሆዋ ኣምላኽና እዩ።—እብ 13:5, 6።

መዝሙር 55:22 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ብዛዕባ እዚ ዝስዕብ ኵነታት ኣመያይጦም።

ስእልታት፦ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፈተናታት የጋጥሞም። 1. ሓደ ልቡ እተሰብረ ሓውና፡ ስርሑ ምስ ሰኣነ ኣብ መደያይቦ ኾፍ ኢሉ። 2. ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሓውና ፖሊስ ይምርምርዎ። 3. ሓንቲ ሓብትና ኣብ ጥቓ ሓሚሙ ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ ዘሎ ሰብኣያ ዀይና ትጽሊ። 4. ካብ ባህርያዊ ሓደጋ ዝደሓኑ እተጨነቑ ሰብ ሓዳር።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵነታት፡ ኣብ የሆዋ ኸም እትእመን እተርእየሉ ሓደ መገድን ብኸመይ ከም ዚሕግዘካን ጽሓፍ።

  • ስራሕና እንተ ስኢንና ወይ ብቝጠባ ንስድራ ቤትና ምሕጋዝ እንተ ኸቢዱና

  • ሰበ ስልጣን ንዕዮና እንተ ኣጊዶምዎ

  • ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት እንተ ኣጋጢሙና

  • ከም ባህርያዊ ሓደጋ ወይ ሞት እንፈትዎ ሰብና ዝኣመሰለ ዜሕዝን ኵነታት እንተ ኣጋጢሙና

8. እዋናዊ ሓበሬታ ኽፍሊ ኸባብያዊ ንድፊ/ህንጸት 2026

(8 ደቒቕ) መደረ።

ነታ ቪድዮ ወልዓያ።

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 70-71

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 148ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ