ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 መጋቢት ገጽ 6-7
  • 23-29 መጋቢት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 23-29 መጋቢት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 መጋቢት ገጽ 6-7

23-29 መጋቢት

ኢሳይያስ 48–49

መዝሙር 89ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ካብ የሆዋ ተምሃርን ተግብሮን

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንኣገልገልቱ ይምህሮም (ኢሳ 48:17፣ it “መምህር፡ ምምሃር” ¶2-mwbr)

ንትምህርትታት የሆዋ ኸነቕልበሉ ኣሎና (ኢሳ 48:18ሀ፣ ijwbq ዓንቀጽ 44 ¶2-3)

ድሕሪኡ፡ ሰላምና “ኸም ፈለግ፡” ጽድቅና ድማ “ከም ማዕበላት ባሕሪ” ኪኸውን እዩ (ኢሳ 48:18ለ፣ lv 199 ¶8)

ሓንቲ ሓብቲ ኣብ እዋን ጸሓይ ዕራርቦ ኣብ ገምገም ባሕሪ ትኸይድ።

መግለጺ፦ እታ “ሰላም” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ጥዕና፡ ድሕንነት፡ ብርታዐ፡ ምሕዝነት፡ ምሉእነት ከተመልክት ትኽእል እያ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 49:8—ሰለስተ ፍጻመታት ናይዚ ትንቢት እንታይ እዩ፧ (it “ቅብልቲ ግዜ” ¶1-3-mwbr)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 48:9-20 (th መጽናዕቲ 11)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንዘይንጡፍ ዘመድካ ናብ ፍሉይ መደረን ናብ በዓል ዝኽርን ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ በዓል ዝኽሪ ኺእከብ ድሌት ንዘሕደረ ሰብ፡ ብዛዕባ እቲ በዓል ግለጸሉ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. ንግዱሳት ምክትታል

(5 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ድሕሪ መደረ በዓል ዝኽሪ፡ ናብቲ ኣኼባ ንዝመጸ ግዱስ ሕቶታቱ መልሰሉ። (lmd ትምህርቲ 8 ነጥቢ 3)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 107

7. ካብታ ኣብ ዓመት ኣዝያ ኣገዳሲት ዝዀነት መዓልቲ ተጠቐም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ ዓዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብና፡ ንየሱስ ንእዘዞ ኸም ዘለናን ንውህበት በጃ የሆዋ ኸም እነማስወሉን ዜርኢ እዩ። (ሉቃ 22:19) ብዘይካዚ፡ እዚ ኣጋጣሚ የሆዋን ወዱን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሩና ኸነስተንትን ይሕግዘና እዩ። (ገላ 2:20፣ 1ዮሃ 4:9, 10) ካብዚ መሰናድዎ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧ ግዱሳት ከምኡ ኺገብሩኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

  • ንበዓል ዝኽሪ እተዳለወ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኣንብብ

  • ነቲ ውህበት በጃ ኣስተንትነሉ፡ ንዕኡ ሞሳ ኸም ዘሎካ ብዜርኢ መገዲ ድማ ተመላለስ

  • ንእትፈልጦምን ንኣዝማድካን ኣብ ክልኻ ንዘለዉን ናብ ፍሉይ መደረን በዓል ዝኽርን ብምዕዳም ኣብቲ ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ተሳተፍ

  • ናብ በዓል ዝኽሪ ንዝመጹ ዕዱማት ሓንጐፋይ ኢልካ ተቐበሎም። ነቶም ብውልቂ ዝዓደምካዮም ቈላሕታ ግበረሎም፣ ብዘይካዚ፡ ነቶም ኣብ ወፈራ ንወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ተቐቢሎም ዝመጹ ኣጋይሽ ምቕባልን ኣብ ጥቓኻ ኾፍ ኪብሉ ምዕዳምን ኣይትረስዕ

  • ንሕቶታት ኣጋይሽ ንምምላስ ድሉው ኩን

  • ንዘይንጡፋት ንምቕባል ንቑሕ ኩን። ብፍላይ ሽማግለታት ቅድሚ ሕጂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝነበሩ ንምቕባል ንቑሓት ኪዀኑ ኣለዎም

“የሱስ ‘ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ’” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን በዓል ዝኽሪ ኣብ እትበዓለላ ምሸት ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንሓድሕዶም የዕልሉ።

ነታ የሱስ “ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ” ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ናብ በዓል ዝኽሪ ንዚመጹ ዘይንጡፋት ሓንጐፋይ ኢልካ ምቕባል ብዛዕባ ዘለዎ ኣገዳስነት እንታይ ተማሂርካ፧

    “የሱስ ‘ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ’” ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ዘይንጥፍቲ ሓብቲ ትሓቝፋ።

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 72-73

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 134ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ