ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb26 ጥሪ ገጽ 12-13
  • 16-22 ለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • 16-22 ለካቲት
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2026
mwb26 ጥሪ ገጽ 12-13

16-22 ለካቲት

ኢሳይያስ 36–37

መዝሙር 150ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. “በቲ . . . ዝሰማዕካዮ ቓላት ኣይትፍራህ”

(10 ደቒቕ)

ራብሳቀ ንህዝቢ የሆዋ ኼፈራርሆም ናብ የሩሳሌም ከይዱ (ኢሳ 36:1, 2፣ it “ህዝቅያስ” ቍ. 1 ¶14-mwbr)

ድኹማትን ተስፋ ዘይብሎምን ኰይኑ ኸም ዚስምዖም ኪገብር ፈቲኑ (ኢሳ 36:8፣ ip-1 387 ¶10-mwbr)

ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንጉስን ብምውካሎም ኣላጊጹሎም (ኢሳ 36:7, 18-20፣ ip-1 388 ¶13-14-mwbr)

ኣብ ቕድሚ ቐጽሪ የሩሳሌም ራብሳቀ ኣብ ሰረገላኡ ዀይኑ ይጭድር። ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ እቲ ቐጽሪ ዀይኖም ይሰምዕዎ።

ህዝቢ የሆዋ በቶም ኪድህልዎም ዚፍትኑ ኺፈርሁ ኣየድልዮምን።—ኢሳ 37:6, 7

ንኣምልኾ ስድራ ቤት ዚኸውን ሓሳብ፦ ነታ “ኦ የሆዋ፡ . . . ብኣኻ እእመን እየ” ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ካብኣ እንታይ ትምህርቲ ኸም ዝረኸብኩም ተመያየጡ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ኢሳ 37:29—የሆዋ ኣብ መንጎ ኸናፍር ሰናክሪብ ልጓም ገይሩ ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (it “ልጓም” ¶4-mwbr)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(4 ደቒቕ) ኢሳ 37:14-23 (th መጽናዕቲ 2)

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ካብቲ ኣብ ብሮሹር ሰባት ኣፍቅር፡ መመላእታ ጽሑፍ ሀ ዘሎ ሓንቲ ሓቂ ኣካፍል። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwbq ዓንቀጽ 110 ¶1-4—ፍረ ነገር፦ ጥምቀት እንታይ እዩ፧ (th መጽናዕቲ 17)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 118

7. “እንታይ መሰረት ስለ ዘሎካ ኢኻ ተኣሚንካ ዘለኻ፧”

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ ኣምላኽን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ብምእማንካ ወይ ናይ የሆዋ ምስክር ብምዃንካ ሰብ ኣላጊጹልካ ይፈልጥዶ፧ ከምኡ ኣጋጢሙካ ዚፈልጥ እንተ ዀይኑ፡ ፍርሂ ወይ ጭንቀት ተሰሚዑካ ይኸውን። ካልኦት ዚብልዎ ኣብ እምነትካ ጥርጣረ እውን ኬሕድረልካ ይኽእል እዩ። እሞኸ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኢሳይያስ 36:4 ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • ድልዱል መሰረት ዘለዎ እምነት ምህናጽና፡ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነታ ንእስነተይ—ብኣምላኽ እንኣምን ስለምንታይ ኢና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ንኤሊባልዶን ንክሪስታልን እምነቶም ኬደልድሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

  • ብኣምላኽ ክትኣምን ዝገበረካ እንታይ እዩ፧

  • ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት ክትተኣማመን ዝገበራኻ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየኖት እየን፧

    የሆዋ ኸም ዜፍቅረካ

    የሆዋ ዅሉ ግዜ ኸም ዚሕግዘካ

    ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ከም እተራኸብካ

ሓደ መንእሰይ ሓው፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ መምህሩ ሽክና ሒዛ ኽትምህር ከላ ይሓስብ። ኵሎም እቶም መማህርቱ ኣእዳዎም ሓፍ የብሉ።

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት እምነተይ ከደልድል እደሊ . . .

እምነትካ ንምድልዳል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 62-63

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 9ን ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ