26 ጥሪ–1 ለካቲት
ኢሳይያስ 28-29
መዝሙር 28ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ንየሆዋ ብኸናፍርካን ብልብኻን ኣኽብሮ
(10 ደቒቕ)
ኢሳይያስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ግቡዛት ስለ ዝነበሩ ዀኒንዎም (ኢሳ 29:13፣ ip-1 299 ¶23-mwbr)
የሱስ ነዘን ኢሳይያስ እተዛረበን ቃላት ተጠቒሙ፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ኰኒንዎም (ማቴ 15:7-9፣ w21.05 9 ¶7)
የሆዋ ነቶም ዜምልኽዎ ‘ኻብ ልቦም ኪእዘዝዎ’ እዩ ዚደሊ (ሮሜ 6:17፣ w24.06 10 ¶8)
ብኸመይ ከም እንሰብኽ ክንለማመድ ከለና፡ የሆዋ የስተብህለሉን ኣኽቢሩ ይርእዮን እዩ
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
ኢሳ 29:1—ኣርኤል ግቡእ መጸውዒ የሩሳሌም ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (it “ኣርኤል” ¶1፣ it “ኣርኤል” ቍ. 3-mwbr)
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) ኢሳ 29:13-24 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ሰብ ዜገድሶ ርእሰ ነገር ፍለጥ። ካልእ ግዜ ኽትረኽቦ ድማ መደብ ግበር። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 5)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥኩም ንዝሓተታ ሕቶ መልሰሉ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)
6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(2 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 3)
7. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
(4 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 18 ነጥቢ 6-7 (lmd ትምህርቲ 11 ነጥቢ 3)
መዝሙር 89
8. ‘ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እየ ዝገብር’
(8 ደቒቕ) ምይይጥ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ የሱስ ‘[ንየሆዋ] ዅሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ እገብር እየ’ ኢሉ ነይሩ። (ዮሃ 8:29) ንሕና እውን ከም የሱስ፡ ነገራት ብመገዲ የሆዋ ንምግባር ንጽዓር። ከምዚ ምግባር ኵሉ ግዜ ቐሊል ወይ ምሹእ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ወትሩ ግና ጠቓሚ እዩ።
ነታ ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ግበሮ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ከም መስጐጕቲ፡ ጽልዋ ርኽሰት፡ መፈንጠራ ትዕቢት ዝኣመሰለ ብድሆታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንነገራት ብመገዲ የሆዋ ብምግባር ዝመጸ እንታይ ትምህርቲ ረኺብካ፧
9. ነታ ጉባኤ ዜድሊ
(7 ደቒቕ)
10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) lfb ትምህርቲ 56፡ መእተዊ 10ይ ክፋል ከምኡ እውን ትምህርቲ 57